ጆ ባይደን፡ ኣመሪካውያን ን100 መዓልቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ክሓቶም'ዩ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ጆ ባይደን፡ ስርሑ ምስ ጀመረ ንኹሎም ኣመሪካውያን ን 100 መዓልቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ክሓቶም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንሱ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንዝርጋሐን ምቊጽጻርን ኮሮናቫይረስን ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎ ምስ ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ተዛሪቡ።

ጆ ባይደን፡ ኣብ ኩሎም ናይ መንግስቲ ሕንጻታትን ቤት-ጽሕፈታትን ዝኣቱ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቐም ከመሓላልፍ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

ኣብ ኣመሪካ ከባቢ 14 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ 275,000 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።

ቅዋማዊ ክኢላት ከም ዝሕብሩዎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣመሪካውያን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ክእዝዝ ሕጋዊ ሓላፍነት ከም ዘይብሉ እዮም ዝገልጹ።

ባይደንን ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ግን፡ ኣብ ምሽፋን ኣፍን ኣፍንጫን ኣብነታውያን ኮይኖም ክመርሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለው።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ሕንጻታትን ቤት-ጽሕፈታትን ወሳኒ ሓላፍነት ኣለዎ።

ባይደን ድማ ነቲ ሓላፍነት ከም ዘተግብሮ ንሲኤንኤን ሓቢሩ።

ጆ ባይደን፡ ንሓላፊ ሃገራዊ ማእከል ተላገብቲ ሕማማት ኣሜሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ከም ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኮሮናቫይረስ ገይሩ ከም ዘስርሖ'ውን ኣፍሊጡ'ሎ።

ብዛዕባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ነቲ ዘሎ ስክፍታት ንምፍኳስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክኽተብ ድልዊ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሰለስተ ፕረዚደንትታት ነበር ኣመሪካ፡ ባራክ ኦባማ፡ ጆርጅ ቡሽን ቢል ክሊንተን'ውን፡ እቲ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ውሑስ ምዃኑ ንምርኣይ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክኽተቡ ድልዋት ከም ዘለው ገሊጾም ኣለው።

ኮሮና