ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ዓለምና ብሉጽ ስርዓት ጥዕና ዘለወን ሃገራት መነ መን'የን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻርን፡ ነዚ ቫይረስ ዝኸውን ክታበት ንምርካብን ኣብ ቓልሲ እየን ዘለዋ።
እቲ ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘብጽሖ ጉድኣት ንምንካይ ኮነ ዝርግሕኡ ንምቁጽጻር፡ ሃገራት ኣቐዲመን ዝዘርግሕኦ ስርዓት ጥዕና ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ይሰማምዑ።
'ዘ ሌጋተም ፕሮስፐሪቲ ኢንዴክስ' ዝተብሃለ ትካል ኣብ 12 መሰረታዊ ጉዳያት ተደሪኹ ኣብ 167 ሃገራት ብ2019 ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ቑጠባዊ ሃብቲ፣ ፖሊሲታት ልምዓትን ጭቡጥ ኩነታት እተን ሃገራትን ተንቲኑ ደረጃ ኣውጺኡ።
እዚ፡ ስርዓት ጥዕና እተን ሃገራት ሰባት ክንደይ ዝኣክል ጥዕናዊ ኩነታቶም ክሕሎ ገይሩ ብዝብል ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዩ።
ጃፓን
ትካል 'ዘ ሌጋተም ፕሮስፐሪቲ ኢንዴክስ'፡ ንጃፓን ኣብ ቅድሚት እዩ ሰሪዑዋ።
ኣብዚ እዋን ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣጋ ክትቆጻጸሮ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ናእዳ ኣትሪፋትሉ'ያ፤ ግን ድማ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዘስግእ ስለ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ተገዲዳ።
እቲ ቫይረስ ክትቆጻጸሮ ዘኽእል ዓቕሚ ስለ ዘለዋ ግን፡ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ኣይገበረትን።
ነበርቲ፡ ምልክታት እንድሕር ዘይብሎም መርመራ ኮቪድ-19 እንተዘይተገበረሎም'ውን፡ መርመራ ነድሪ ሳምቡእ ግን ትገብር ነይራ።
"እዚ፡ እቲ ሕሙም ቐልጢፉ ሕክምና ክረክብ እዩ ዝሕግዝ። በዚ ምኽንያት ጃፓን ብዙሕ ሕክምና ዝደሊ ሰብ የብላን" ኢሉ ሚካ ዋሺዮ ዝተባህለ ዶክተር።
ጃፓናውያን፡ ብዛዕባ ጥዕና ብዘለዎም ግንዛበ፡ ጽልዋ ኮቪድ-19 ክንኪ ሓጊዙ እዩ።
"ካብ ቀደሙ ጃፓናውያን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ናይ ምግባርን ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ዝኾኑ ድማ ዓመታዊ መርመራ ጥዕና ናይ ምክያድን ልምዲ ስለ ዝነበሮም፡ በዚ ቫይረስ ምኽንያት ከቢድ ጉድኣት ከይበጽሕ ሓጊዙ እዩ" ይብል።
ይኹን'ምበር፡ ሓደ ሓደጋ ከጓንፍ ይኽእል እዩ።
በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ከምቲ ልሙድ ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ክኾኑ እናተገብአ፡ ተወሳኺ ሃብቲ ንምእካብ ብዝብል መደቀሲ ዓራት ኣዐርዮም ንዝሓመሙ ሰባት ጥራሕ እዩ ዘቐምጥ ዘሎ ክብል እቲ ዶክተር ስግኣቱ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ኮሪያ
ደቡብ ኮርያ፡ ብ2015 ተኸሲቱ ካብ ዝነበረ ለበዳ ሜርስ ዝወሰደቶ ተሞኩሮ ስለ ዘሎ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ድልዊ እያ።
በዚ መንጽር፡ ሆስፒታላት እኹል ሰብ ሞያን ናውትን ተማሊኡሎም ተዳልዮም እዮም።
51 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ ልዕሊ 540 ሽሕ ሰበት ክትምርምር ከላ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መዓልታዊ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ካብ 47 ክሳብ 53 ጥራሕ እዩ።
ስርዓት ጥዕና ኮርያ፡ መድሕን ጥዕና ዜጋታት እታ ሃገር ስለ ዝሽፍን፡ ንመርመራን ሕክምናን ኮቪድ-19 ዓብዪ ሓገዝ ገይሩ እአዩ።
"መንግስቲ ንዝገበሮ ድጋፍን መድሕን ጥዕናን ብምምስጋን፡ ብዝተሓተ ዋጋ መርመራ ኮቪድ-19 ብሰፊሑ ተኻይዱ'ዩ" ይብል ኣብ ሴኡል ዝቕመጥ ዶክተር ብራንደን ቢ ሱህ።
"እዚ ለበዳ ምስተራእየ፡ ብዙሓት ሰባት ኣቐዲሞም ስለ ዝተመርመሩ ብእዋኑ ግቡእ ስጉምቲ ተወሲዱ እዩ" ኢሉ።
መንግስትን ትካላትን ድማ ውጽኢታዊ ስርዓት ጥዕና ንምትግባር ቐልጢፎም'ዮም ናብ ተግባር ኣትዮም።
"መንግስቲ ሓድሽ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ሕጽረት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንከየጋጥም መዓልታዊ ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሑ'ዩ" ይብል ዮንባክ ሊ ዝተባህለ ሰራሕተኛ።
"ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዋዒ ሰብነት ይዕቀን። ኩሎም ትካላት ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሑ ስለ ዘለው ድማ፡ ህዝቢ ንዝገብሩዎ ዘለው ጻዕሪ የመስግን እዩ ዘሎ። ዝርግሐ እቲ ለበዳ እናነከ ብምምጽኡ ድማ ሰባት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ኣለው"።
እስራኤል
እስራኤል፡ ኮቪድ-19 ኣብ ውሃን ከም ዝተኸሰተ ምስ ተሰምዐ፡ ኣቐዲመን ስጉምቲ ካብ ሞንጎ ዝወሰዳ ሃገራት ሓንቲ እያ።
እቲ ለበዳ ናብ ሃገርና እንተመጺኡ ብዝብል፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ደንቢ ሓለዋ ጥዕና ህዝቢ ኣጽዲቓ።
ስግኣት ኣለወን ናብ ዝብሃላ ሃገራት ኣገዳሲ ዘይኮነ ጉዕዞ ጠጠው ክብልን፡ መምርሒ ውሸባ ቐልጢፋ ተግባራዊ ብምግባርን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ዝተሓተ ክኸውን ሓጊዙዋ።
መርመራ'ውን ቐልጢፋ እያ ጀሚራ።
ካብ ውሽጢ መተንፈሲ ኣካላት ኮሮናቫይረስ ምፍላይ ዘኽእል ኣሰራርሓ ኣብ ቤተ ፈተነታት እታ ሃገር ክህሉ ከም ዝተገብረ፡ ሰራሕተኛ ዩኒቨርሲቲ ቴልኣቪቭ ዶክተር ኪታም ሙህሴን የረድእ።
"እስራኤል፡ ብዙሓት ሰባት ብምምርማር መሪሕ ካብ ሞንጎ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ እያ" ይብል።
"በዚ ሕቡን እየ። ብዙሕ ሰብ ስለ ዝመርመርና እዩ ብዙሕ ሰብ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ዝፈለጥና። ቐልጢፍና ክንውሽብ ስለ ዝጀመርና ድማ፡ ናይ ሞት ቑጽሪ ኣዝዩ ትሑት ክኸውን ሓጊዙ" ይብል ነባሪ ከፋር ሳፋ ታሊያ ክሌይን ፒሬዝ።
ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ስርዓት ሓለዋ ጥዕና ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ "ዜጋታት ወጻኢኦም ስለ ዝሽፈነሎም፡ ሕክምና ንምርካብ ኣይሰግኡን" ክብል ምኽትል ሜዲካል ዳይሬክተር ሼባ ፕሮፌሰር ኣርኖን ኣፌክ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጀርመን
ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እንትነጻጸር ቑጠባ ጀርመን ዝተሓተ እዩ።
ብደረጃ ዓለም ዕውትቲ ሃገር እያ'ኳ እንተተባህለት፡ መሊኣ ስራሕታ ዝወገነት ግን ኣይኮነትን።
"ኣብ ጀርመን ሰፊሕ ቑጽሪ መርመራ ክካየድ ምኽኣሉን፡ ቑጽሪ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ዝተሓተ ምዃኑን፡ ደረጃ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር እዩ ዘርኢ" ኢሉ ፕሮፌሰር ፍራንሲስ ደ ቬሪኮርት።
ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሰፊሕ መርመራ፡ ሕሙማትን ምልክር ዘርኣዩን ብምፍላይ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ክንኪ ሓጊዙ'ዩ ይብል።
"እዚ ቫይረስ መሊኡ ኣብ ቑጽጽር ክሳብ ዝውዕል፡ መምርሒ ኣካለዊ ርሕቐትካ ምሕላውን ናይ ባህሪ ለውጢ ምምጻእን፡ ቐጻልነት ክህልዎም ኣለዎ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።
ነበርቲ፡ እዚ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ሓደ ንቢቢሲ ርኢይትኡ ዝሃበ፡ "ኣደይ ካብ ገዛ ከይትወጽእ ምግባር እዩ ከቢዱኒ ዘሎ። ሓድሽ መልከፍቲ ስለ ዝነከየ፡ እገዳታት ክፎኽሱ ጀሚሮም ስለ ዘለው'ውን ዳግም ክሕሰበሉ ዘለዎ ይመስለኒ። መንግስቲ ቐልጢፉ እዚ ሕማም ተቖጻጺሩ ናብ ስሩዕ ህይወትና ክንምለስ ክሕግዘና ግን ተስፋ ይገብር" ኢሉ።
ኣብታ ሃገር፡ ሕሙማት ደቂሶም ክሕከምሉ ዝኽእሉ ክፍልታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ጽኑዕ ክፍሊ'ውን ብዙሓት ከም ዝኾኑ፡ ዶክተር ደ ቨሪኮርት ተዛሪቡ።
ኣውስትራሊያ
ቐዳመይቲ ሚኒስትር እታ ሃገር ከም ዝበለቶ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ትሕቲ 5 ሚኢታዊት'ዩ ዘሎ።
ስርዓት ጥዕና ኣውስትራሊያ፡ ውሁድ ብሕትን መንግስትን ኮይኑ፡ ሓደገኛ ኣጋጣሚታት ንምጽዋር ተዳልያ እያ።
ብሓገዝ ክልቲኡ ስርዓት ጥዕና ነዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ድልዊ ክትኸውን ከም ዝኸኣለት መምርህር ዩኒቨርሰቲ ሜልበርን ዶክተር ኣሌክስ ፖልያኮቭ ይዛረብ።
ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ደረጃ ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ዝተሓተ ኮይኑ፡ መንግስቲ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽኡ ሰባት ፈልዩ ዘጽንሓሉ ቦታ ብምድላውን ኣሰር በቲ ቫይረስ ምስ ዝሓመሙ ሰባት ዝተተናኸፉ ቐልጢፉ ብምፍላይን ዕውት ስራሕ ሰሪሑ እዩ።
"ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ውሑድ ኮይኑ፡ ቑጽሪ መዓልታዊ ዝተሓዙ ሰባት'ውን ዝተሓተ ከም ዝኸውን ይግምት። እዚ እዩ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ምቁጽጻር ማለት" ኢሉ።
ሆስፒታላት ኣውስትራሊያ፡ እኹል መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ኣለዎም።
"እቲ ናይ ብሕቲ ስርዓት ጥዕና ተወሳኺ ዓቕሚ ስለ ዝፈጥር፡ መብዛሕትኦም ሰባት ዘድልዮም ሕክምና ብእዋኑ ክረኽቡ ይሕግዞም'ዩ" ኢሉ ፖልያኮቭ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







