ኮቪድ-19፡ ኣዲስ ኣበባ ስለምንታይ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና?

ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Andia

መላእ ዓለም ኣጥቂዑ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ክልተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ እዞም ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሸሞንተ ክልላትን ክልቲኤን ምምሕዳር ከተማታትን ተራእዩ።

ኣብታ ሃገር ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ዘለው ሰባት 399 ኮይኑ፡ ካብዚኦም ኣስታት 250 ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም። እዚ ድማ፡ እታ ከተማ ማእከል እቲ ለበዳ ከም ዝኾነት ዘመልክት እዩ።

መዓልታዊ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ሕብረሰተብ ጥዕናን ዝወሃቡ መግለጺታት ከም ዝሕብርዎ፡ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ኣለው።

መብዛሕትኦም ድማ፡ ኣብ ልደታ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ እዮም።

ብኻልእ ወገን፡ በዚ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዙ ሰባት ዝኾነ ዓይነት ምትንኻፍ ዘይነበሮምን፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ተጓዒዞም ዘይፈልጡን ሰባት ኮይኖም እናሃለው በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ግን ብዙሓት ኮይኖም፡ እዚኦም ድማ ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ከተማን ልደታን ዝነብሩ እዮም።

ኣዲስ ኣበባ ስለምንታይ ማእከል እቲ ለበዳ ኮይና? ዝብሉ ዝተፈላለዩ ርኢይቶታትን ግምታትን ይወሃቡ ኣለው።

እታ ከተማ፡ ማእከል ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዓለምለኻዊ ትካላትን ስለ ዝኾነት፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻውያን ተጉዓዝቲ ክተተኣናግድ ምጽንሓ ሓደ ምኽንያት እዩ።

እቶም ተጉዓዝቲ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ መምርሒ ምውሻብ ምትግባርን ምምርማርን ምጅማራ፡ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም እንተነይሮምን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝህልዎም ምንቅስቓስ ምስቲ ነባሪ ተራኺቦም እንተነይሮም፡ በዚ መገዲ እቲ ቫይረስ ክመሓላለፍ ክኢሉ ይኸውን ዝብሉ'ውን ኣለው።

ብተወሳኺ፡ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለው መብዛሕትኦም ናብ ካልኦት ሃገራት ተጓዒዞም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ዱባይ ሓንቲ እያ።

መብዛሕትኦም ካብ ዱባይ ዝመጽኡ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ፡ ዝነብርሉን ዝሰርሕሉን ቦታ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝኾነ፡ እዚ'ውን ናይ ባዕሉ ጽልዋ ክህልዎ እዩ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብተን ዝተጠቐሳ ክፍለ ከተማታት ዝርከቡ ነበርቲ፡ ዝነብርሎም ኣባይቲ ዝተጸጋግዑ ስለ ዝኾኑ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ከይውስኽ ከም ዝስጋእ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ንኣብነት ኣዲስ ክፍለ ከተማ፡ ዓብዪ ማእከል ዕዳጋ መርካቶ ዝርከበሉ ቦታ ኮይኑ፡ ካብዚ ከባቢ ናብ ካልኦት ከባቢታት ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብዙሓት እዮም፤ እዚ ድማ ስግኣት ይፈጥር።

ቢሮ ጥዕና እታ ከተማ፡ ገዛ ንገዛ እናዞርካ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዳህሳ፡ ልዕሊ 900 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ፣ 3.1 ነበርትን ብምኻድ ዳህሳስ ከም ዝገበረን፡ ግንዛበ መዕበዪ ስራሓት ከም ዝሰርሐን ተገሊጹ።

ትማሊ ምሸት ድማ፡ ኣብ ክልል ሃርር ብኮቪድ-19 ዝተለኸፈ ሓደ ሰብ ተረኸዒቡ'ዩ። ብደረጃ ክልል እንተርኢና ድማ፡ ኣብዚ እዋን ካብ ክልል ጋምቤላ ወጻኢ ኣብ ኩለን ክልላት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ይርከቡ ኣለው።

ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዋ ኣስታት 80 ዞባታት፡ ኣብቶም 40 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም ይብል ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ዝተመዝገበ ብዝሒ ዝሓመሙ ሰባት ድማ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ሓፍ ዝበለ እዩ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ሕብረሰብ ጥዕና ከም ዝብሎ፡ ኣብ መጀመርታ ክልተ ኣዋርሕ 135 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ነይሮም። እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናይ 230 ሰባት ወሰኽ ኣርእዩ።

ኮሮና
ኮሮና

84 ሰባት ኣብ ሰሙን ዝተትሓዙሎም ኣርባዕተ መዓልታት

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብመሰረት ዘካየዶ መርመራ 35 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ተረኺቦም።

እዚ፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ናብ 352 ክብ ኣቢሉዎ ነይሩ።

እዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ኮይኑ፡ ብሰሉስ ካልኦት 14 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክርከቡ ክኢሎም።

ብሮቡዕ ድማ፡ መርመራ 3460 ቅምሶታት ተገይሩ እቶም 24 ሕሙማት ኮይኖም ተረኺቦም።

ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ጥራሕ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 73 በጺሑ ነይሩ።

ትማሊ ድማ፡ 11 ሰባት ክርከቡ ከለው፡ ብሓፈሻ እቲ ቑጽሪ ናብ 399 ደይቡ።

ኣብታ ሃገር፡ ብኮቪድ-19 ዝተሓዙ ዘለው ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ዝተራኸቡ ከምኡ'ውን ዝኾነ ዓይነት ምትንኻፍ ዘይብሎምን ናብ ወጻኢ ሃገር ተጓዒዞም ዘይፈልጡን ይበዝሑ ኣለው።

ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ድማ ኣርባዕቲኦም ኣምራት "መ" ክትግበሩ ሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት ትካላት ጥዕናን ይምዕዱ።

ምፍንታት፣ ኣካላዊ ርሕቐትካ ምሕላው፣ ምሕጻብን ካብ ገዛ ዘይምውጻእን ዝብሉ መምርሒታት ክትግበሩ ድማ የዘኻኽሩ።