ኮሮናቫይረስ፡ ህይወት 64 ኢትዮጵያውያን ካብ ዝቐዘፈ ሓደጋ ኮንተይነር ዝተረፈ መንእሰይ ደጀኔ

ደጀኔ ደገፋ

ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ደጀኔ ደገፋ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብሞያሌ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጉዕዞ ክጅምር እንከሎ፡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ብር ጥራሕ ኣብ ኢዱ ነይረንኦ።

ሸውዓተ ወርሒ ሙሉእ ብኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሓልፍ ከሎ፡ ናብታ ዝተበገሰላ ሃገር ግን ክበጽሕ ኣይክኣለን።

እኳ ድኣ 64 ሓቢሮምዎ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ብሞት ስኢኑ ዕድል ገይሩ ብህይወት ተሪፉ ብሓገዝ ዓለምለኻዊ ትካል ፍልሰት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ፡ ከተማ ሆሳእና ሻሸጎ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ገጠር እዩ ተወሊዱ ዓብዩ።

ኣዲኡ ምስ ሞተት፡ ኣቡኡ ምስ ሓሙሽተ ደቆም ህይወቶም ዝመርሕሉ ሕርሻ ኣተኲሮም ይሰርሑ ነይሮም።

እንተኾነ መኣዶም ሙሉእ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት፡ ደጀኔ ናይ ሓምሻይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ስራሕ ክእልሽ፣ ስድራ ክሕግዝ ይግደድ።

ካብታ ዝተወለደላ ከባቢ ወጺኡ ናብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቢሾፍቱ ብምኻድ ዝተፈላለዩ መዓልታዊ ስራሓት እናሰርሐ ስድርኡ ይሕግዝ ነይሩ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ጆሃንስበርግ ድማ መጻኢት ሕልሙን ለዋጢት ናብርኡን ክትከውን ክብህግ ጀሚሩ።

ጻውዒት 'ጆበርግ'

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ናብታ ከተማ ብምኻድ ምቹእ ናብራ ክምስርት ዝኸኣለ ናይ ቀረባ ዘመዱ እዩ መሀነን ጻውዒት 'ጆበርግ' ኣቕሪብሉ።

"ብዙሓት መሓዙተይን ኣዝማደይን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኻድ ህይወቶም ለዊጦም'ዮም፤ ኣነ'ውን ሰሪሐ ህይወተይ ክልወጥ እየ ብዝብል ክልተ መስከረም 2012 ጉዕዞ ጀሚረ" ይብል ደጀኔ።

ደጀኔ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ን14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ማእከል ጸኒሑ ምስ ወጽአ ኢና ረኺብናዮ።

እዚ ናይ ቀረባ ዘመዱ ጻውዒት ጥራሕ ዘይኮነ ኣቕሪብሉ እቲ ጉዕዞ መገዲ'ውን እዩ ኣዳልይሉ። እዚ ድማ ምስ ሰምሰርቲ ካብ ምርኻብ ክሳዕ ወጻኢታቱ ምሽፋን ዘጠቓለለ እዩ።

ጉዕዞ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ጉዕዝኡ ካብ ቢሾፍቱ ናብ ከተማ ሃዋሳ ተመሊሱ ብምኻድ እዩ ጀሚሩ። ብሞያሌ ናብ ኬንያ - ሞምባሳ -ታንዛኒያ ምኻድ ዝብል መደብ ዝሓዘ ጉዕዞ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዓይኒ ሓይልታት ጸጥታ እዘን ሃገራት ንከይኣትው ጉዕዝኦም ምሸት ምሸት እዮም ዘካይዱ ነይሮም። እዚ ድማ ከከም ቦትኡ ዝተፈላለየ እዩ።

ሓልሓሊፉ ብእግሪ፣ ካልእ ግዜ ብሞተር ወይ ሳይክል፣ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ብናይ ጽዕነት መኪና ወይ ኣብ ውሽጢ ኮንተይነር ተዓሺግካ እዩ ነይሩ።

ንመዓልታት ኣብ በረኻን ዱርን ደቂስኻ ምሕላፍ ግዴታ ኮይኑ፡ እቶም ሰምሰርቲ ሩዝን ኡጋሊ ዝተብሃለ ካብ ዕፉን ዝዳሎ ገዓት ዝመሰል መግብን የቕርቡሎም።

ይኹን'ምበር፡ ደጀኔ ኮነ ሓቢሮምዎ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ታንዛኒያ ምእታዎም ኣይተረፈን፤ ንኽልተ መዓልቲ ጥራሕ ከኣ ተኣሲሮም።

"ከመይ ከም ዝፈትሑና ኣይፈልጥን" ዝብል ደጀኔ፡ እቶም ሰምሰርቲ ነቶም ሓይልታት ጸጥታ ገንዘብ ከፊሎም ከም ዘፍትሑና ግን ይግምት ኢሉ።

ቑጽሪ ሓቢሮምዎ ዝጉዓዙ ሰባት በብግዝኡ ዝተፈላለየ እዩ፤ "ሓሙሽተ፣ ዓሰርተ፣ ዕስራ፣ ሰላሳ እንኾነሉ ግዜ ኣሎ"።

እቶም ሰምሰርቲ'ውን ከምኡ በብግዝኡ ዝቀያየሩ እዮም።

ምስኡ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቋንቋ እንግሊዘኛ ዝፍትኑ ብምንባሮም ብውሑድ ምስቶም ኣብ ዶብ ዝጸንሑ ሰምሰርቲ ብቐሊሉ ንምርድዳእ ዕድል ይፈጥረሎም ነይሩ።

እዚ ጉዕዞ፡ ማላዊ ኣሳጊሩ ሞዛምቢክ ምስ ኣብጽሖም ግን መከራ ኣደራዕ እዩ ተቐቢሉዎም።

ስቓይ ኮንተይነር

ደጀኔ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራባዊ ሞዛምቢክ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ቴቴ ዝነበረ ዘሕምም ህሞት ክዝክር እንከሎ፡ ብግምት ምሸት ሰዓት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ይኸውን፤ "ክንደይ ሰዓት ከም ዝኾነ ብልክዕ ስለ ዘይንፈልጦ" ይብል።

"57 ነይርና። ወሲዶም ኣብ ናይ ጸጸር መገዲ ኾፍ ኣቢሎምና። ጸኒሖም 20 ዝኾኑ ተጉዓዝቲ ወሲኾም፤ ሽዑ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝወስደኩም እዩ ዝበሉዎ ኮንተይነር ኣምጺኦም። እቲ ኮንተይነር ምስርኣና መጀመርታ 'እምብለና' ኢልና ነይርና፤ ዝሃደሙ'ውን ነይሮም።

"ግን ድማ እቶም ሰምሰርቲ ብበትርን ጎራደን እናሃረሙን እናፈራርሑን ናብቲ ኮንተይነር ኣእቲዮምና። ብግዲ። ኣብ ሞንጎ ዝተጎድኡን እግሮም ዝቖሰሉን ነይሮም" ይብል።

ኣብ ውሽጢ እዚ ኮንተይነር ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ዘስግኦም፡ ብዙሕ ይምሕጸኑ ነይሮም። ኣብ ልዕሊኦም ማዕጾ እቲ ኮንተይነር ተሸጊጡ ጉዕዞ ምስ ተጀመረ ዘእውዩ'ውን ነይሮም። ሰማዒ ግን ኣይነበረን።

ኮንቴነር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ሓንቲ ጓል ምሳና ነይራ። ነቲ ኮንተይነር ዘይትሰብሩዎ ትብለናን ተትብዐናን ነይራ። ንሕና ድማ ብጉስጢትን ብእግርናን ንሃርሞ ነይርና፤ ግን ዝሰምዕ ኣይነበረን"።

"ንሳ ቐዲማ ከም ዝሞተት ይዝክሮ እየ" ዝብል ደጀኔ፡ "እናለመነት . . . እናተዛረበት ከላ ጸጥ ኢላ። ኣነ'ውን እናደኸምኩ መጺአ፤ ቀልበይ ስሒተ። ክነቅሕ ከለኹ በሪ ተኸፊቱ ነይሩ። ኣብ እግረይ ዝወደቑ ቆልዑት ነይሮም። ኣዒንተይ ቋሕ ምስ ኣበልኩ ሰማይ ጥራሕ እዩ ዝርኣየኒ ነይሩ" ይብል።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ "ኢትዮጵያውያን ዲኹም?" ክብሉ ከም ዝሰምዐ እውን ይዛረብ።

መልሲ ናብ ኢትዮጵያ

ህይወት 64 ኢትዮጵያውያን ካብ ዝመንዘዐ ሓደጋ ኮንተይነር ዝተረፈ ደጀኔ፡ ብሓገዝ ትካል ፍልሰት ሕቡራት ሃገራት ምስ ካልኦት 10 ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ምስ ስድርኡ ዝነበሮ ናይ ቴሌፎን ዕላል ክዝክር እንከሎ " 'መን እዩ?' ኢሎም። ደጀኔ እየ ክብሎም ከለኹ ኣይኣመኑንን። ከም ዝሞትኩ እዮም ዝሓስቡ" ይብል።

እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ ሓደጋ ትኹረት ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሰሓበ ስለ ዝነበረ፡ ስድርኡ'ውን እዚ ሓበሬታ ከይበጽሖም ኣይተርፍን።

ብዛዕባ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ዝፈልጥ ሰብ ስለ ዘይነበረ ግን ንሱ'ውን ሞይቱ እዩ ኢሎም ገሚቶም ነይሮም።

ነቲ ጻውዒት ቴሌፎን ዝመለሰት ዓባይ ሓፍቱ ሰንቢዳ ዓጽያቶ፤ ቁሩብ ምስተረጋግአ ድሕሪ ዝተወሰኑ ደቓይቕ ከም ዘዛረበቶ ይገልጽ።

ከምዚ ዓይነት መከራን ስቓይን ርእዮምን ግን ዳግም ምስ ደጀኔ ንኻልኣይ ግዜ እዚ ዘይሕጋዊ መገዲ ስደት ዝኸዱ መናእሰይ ነይሮም እዮም።

ስግኣት ኮቪድ-19

ደጀኔን መሓዙቱን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሱ ቐልጢፎም ምስ ስድርኦም ንምርኻብ ዕድል ኣይረኸቡን።

ከምቲ ካልእ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽእ ሰብ ን14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ማእከል ብምጽናሕ፡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክገብሩ ግድን ነይሩ።

ላዕለዋይ ጠማቲ ኣይኤምኦ ኣብ ኢትዮጵያ ማውሪን ኣፊንግ ኣብ እዋን እዚ ለበዳ ከም ደጀኔ ዝበለ ኢ-መደበኛ ስደተኛታት ምሕጋዝ የጸግመልና እዩ ዘሎ ኢሉ።

እቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከለው ጥዕንኦም ክሕሎ ኣለዎ። ካብዚ ወጻእ እቶም ስደተኛታት እዚ ቫይረስ ከይተፈለጦም ናብ ካልኦት ንከየመሓላልፉ'ውን ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ።

"ስለ ዝኾነ መትከልና ግልጺ እዩ። ዓለምለኻዊ ለበዳ ኣብ ዘለወሉ እዋን ብዙሕ ቑጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ክነንቀሳቕስ ኣይመዓድን" ብማለት፡ ሃገራት ዶባተን ኣቋሪጾም ንዝኣተው ስደተኛታት ክሕግዝኦም ይግባእ ኢሉ።

ኮሮና