ኮሮናቫይረስ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 47 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ክረኽባ ክጽገማ እየን

ምንጪ ስእሊ, JAY ARGUELLES
ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ክረኽባ ከም ዝጽገማን ቊጽሪ ዘይተደለየ ጥንሲ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ማዕከን ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNFPA) ኣፍሊጡ።
"ኣብ 114 ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ዝርከባ 47 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ክረኽባ ክጽገማ እየን" ይብል ጸብጻብ እቲ ትካል።
"ብዙሓት ሃገራት ዘሕልፎኦ ዘለዋ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ እንተቐጺሉ 7 ሚልዮን ዘይተደለየ ጥንሲ ከጋጥም ይኽእል እዩ። መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና'ውን ክተዓናቐፍ እዩ። እዚ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ኣብ ዝቕጽልለሉ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ኣዋርሕ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምጥቃም ዕድል ይስእና" ኢሉ።
እዚ ድማ ከም ፊሊፒንስ ኣብ ዝበላ ምንጻል ጥንሲ ገበን ዝኾነለን ሃገራት፡ ኣብ ማእከላት ጥዕናን ገዛ ንገዛ ዝወሃብ ፕሮግራም ጥዕናን ብዝወሃቡ ቀረባት መከላኸሊ ወሊድ ንዝሕገዛ ደቂ ኣንስትዮ ኣጸጋሚ ምዃኑ ጠቒሱ።
"ኣብ ፊሊፒንስ ብምኽንያት እዚ ለበዳ ናብ 1.2 ሚልዮን ዝጽግዓ ደቂ ኣንስትዮ ዘይተደለየ ጥንሲ ከጋጥመን ይኽእል እዩ" ክብል ኣብ ፊሊፒንስ ወኪል እቲ ትካል ዶክተር ጆሴፍ ሲንጊህ ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ቐረብ መከላኸሊ ጥንሲ ብፍርቂ ክንኪ ይኽእል እዩ ኢሉ።
"ሕጽረት ኮንደምን መከላኸሊ ጥንሲ መድሓኒትን ኣጋጢሙና እዩ" ዝበለት ድማ ሓላፊት ሩትስ ኦፍ ሄልዝ ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣሚና ኤቫንጀሊስታ ስዋንፖኤል እያ።
ኣብ 'ፑሬት ፕሪንቼሳን' ገጠር ከባቢታት ፊሊፒንስን ዝሰርሕ ትካል ኮይኑ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ተልዓለ ግን ኣፋውስ ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ሕጽረት ስለ ዝተፈጥረ ሕጽረት ዝተኸዘኑ ቀረባት ኣጋጢሙ እዩ።
ኣብታ ሃገር ምንቅስቓስ ካብን ናብን ስለ ዝተኸልከለ፡ መድሓኒት ዝወድኣ ደቂ ኣንስትዮ ተወሳኺ ከም ዝደልየን ከምዝገለጻን፡ ክንቀሳቐሳ ስለ ዘይኽእላ ተጸጊመን ከምዘለዋ እቲ ትካል ይዛረባ።
እዚ ድማ ኩሉ ኣብ ገዛ ኾፍ ክብል ስለ ዘገድድ ዓብዪ ጸገም ይፍጠር ከም ዘሎ ይግለጽ።
"ብፍላይ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ጥንሲ ዝከላኸላ ደቂ ኣንስትዮ ፊሊፒንስ ከቢድ ፈተና እዩ ዝገጥመን። ጥንሲ ከየጋጥም ካብ ጾታዊ ርክብ ክቑጠባ እኳ እንተመረጻ፡ ሕጂ ግን መጻምደን ብሓባር ኣብ ገዛ ምስአን ስለ ዝውዕሉ ይጽገማ ከም ዘለዋ" ኣሚዛ ትገልጽ።
ብ2017 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብታ ሃገር ንዓቕመ ሄዋን ካብ ሞንጎ ዝበጽሓን ሓዳር ዘይገበራን ደቂ ኣንስትዮ እተን 49 ሚእታዊት ዝኾነ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ኣይጥቀማን።
ተመርዒየን ክጠንሳ ካብ ሞንጎ ዘይደልያ ድማ 17 ሚእታዊት ዝኾና መከላኸሊ ጥንሲ ኣይጥቀማን።
"ናይዚ ምኽንያት ጎናዊ ሳዕቤናት እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስለ ዝሰግኣ ኮይኑ፡ ካብ ሓቂ ብዝረሓቑ ትምህርታት ጥዕና ስነ ተዋልዶ ብዝምንጪ ስግኣት'ውን መከላኸሊ ጥንሲ ኣይወስዳን" ይብል ተወካሊ ማዕከን ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዶክተር ጆሴፍ ገሊጹ።
ዘይተደለየ ጥንሲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቑጠባዊ፣ ማሕበራውን ስነ ልቦናውን ስግኣት ከም ዘስዕብ ይግለጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







