ኮሮናቫይረስ፡ "ሰብ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንጽባሕ ብሕጉስ መንፈስ ንክቕበላ ንምሕጋዝ ኢና ፈቲንና" ዮናስ ማይናስ

ዮናስ ምሕረትኣብ

ምንጪ ስእሊ, Yonas Mihreteab

ኮሜዲያን ዮናስ ምሕረትኣብ (ማይናስ)፤ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስርሓት ኮሜዲ ሓደ ካብቶም ልዑል ተቀባልነትን ዓቢ ሽም ዘለዎን ስነጥበባዊ'ዩ።

ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕጽዋ ኣብ ዘለወሉ ድማ ንህዝቢ ዘዘናግዕ፤ ዝምህርን ተስፋ ዘስንቕን ስርሓት የቕርብ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረብ ግዜ ምስ ተዋሳእቲ ህጻን ንፍታሌም ዮውሃንስን (ጥዑሙላይ) ሶሊሆም ዩውሃንስን (ክልቲኦም እዞም ህጻናት የሕዋት'ዮም) ዝሰርሓ 'ኣብ ልበይ ሰፈርኩም' ትብል ኮሜድያዊት ስራሕ ድማ ብብዙሓት ሰባት ተቐባልነት ረኺባ ዘላ እያ።

ዮናስ ማይናስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፤ ኮሮናቫይረስ ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምእታዉ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኮሜዲ ክሰርሕ ከም ዝጀመረ እዩ ገሊጹ።

"ሕብረተሰብና ዋላ ሕማም ይሃሉ ሰብ ሕማቕ ከይስምዖ ብምባል ንሰብ ሓቒፍካ ናይ ምስዓም ባህሊ ኣለዎ፤ ድሕሪ ኮሮናቫይረስ ግን እዛ 'ኣብ ልበይ ሰፈርካ' ትብል ኣገባብ ሰላምታ ግንንቲ ኮይና ሰብ ክጥቀመላ ምስ ረኣኹ ኮሜድያዊ ትሕዝቶ ወሲኸ ኣቅሪበያ" ይብል።

ዮናስ ማይናስ ብምስዓብ "ኣነ ብናይ ህዝበይ ሞራል፤ ጣቕዒት፤ ሓይልን ጸጋን እየ ኣብዚ በጺሐ፤ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ከድለዮ ምዃነይ ከኣ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ስለ ዝተረደኣኒ'የ ብዙሕ ሂቡኒ ክንሱ ብውሱን ዓቕመይ ብኮሜዲ ንጽምውኡ ክስዕር ዝሕግዞ ዘለኹ" ይብል።

ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ብሰብ ሞያ ጥዕናን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝውሃብ መልእኽቲ ዕትቡነት ዝሓትት'ዩ፤ ነዚ ምልእኽቲ ብኮሜዲ ጌርካ ምትሕልላፉ ዕትቡነትዶ ኣየጉድልን ዝብል ሕቶ ኣቅሪብናሉ።

ዮናስ "ብቋንቋ ኮሜዲ እቲ ዝሓሸ ኣገላልጻ ከምዚ ኣነን ካልኦት ብጾተይን ዝገብርዎ ዘለዉ እዩ፡ ነቲ ብኮሮናቫይረስ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብ ኮሜዲ ኣእቲኻ እንድሕር ዘርጊሕካዮ ሰብ ከይዓጸቆ እናሰሓቐ ነቲ ዝድለ መልእኽቲ ክወስዶ ይኽእል እዩ" ይብል።

ዮናስ፡ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ክግብር ዘለዎን ኣገባባት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንሰብ በብቋንቑኡ ብራድዩን ተለቪዥንን ስለ ዝተሓበሮ ክንዲ ኣብቲ መልእኽቲ ዝያዳ ንዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኣልዒሉ ኣብ ኮሜድያዊ ስርሓት ኣቶኲሩ ይሰርሕ ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ።

"ነቲ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣብ ገዝኡ ዝተዓጽወ ሰብ ካብቲ ክመጽኦ ዝኽእል ጭንቀት ኣናጊፍና ከነስሕቆ ሓጎስ ክንዘርኣሉ'ዩ እቲ ዕላማ፡ ነቲ ሕማምን ኣገባብ መከላኸሊኡን እንድሕር ፈሊጡ ብዋዝኡን ብዋዛናን እናተዋዘየ ንኽብድሆ ኢና ንሰርሕ ዘለና" ይብል።

ዮናስ፤ ተጋደልቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ድሕሪ ደማዊ ኵናት፡ ብጾቶም ድሕሪ ምቕባር ጓይላ ይገብሩ ምንባሮም ብምሕባር፡ እቲ ጓይላ ንዘለዎም ጸቅጢ ኣፍኵሱ ንዝምጽእ ካልእ ወራር ድሉዋት ንኽኾኑ ይሕግዞም ምንባሩ ይሕብር።

"ንሕና ድማ ሰብ ኣብ ሎሚ ከይኑ ንጽባሕ ብሕጉስ መንፈስ ንክቕበላ ንምሕጋዝ ኢና ፈቲንና"ድማ ይብል።

ኣብ ኤርትራ ኣብ 21 መጋቢት እዩ ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ተረኺቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕናን ድሒሩ ዝቖመ ሓይሊ ዕማምን ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ዝተፈላለየ ኣዋጃት ኣሕሊፎም።

ዮናስ ምሕረትኣብ

ምንጪ ስእሊ, Yonas Mihreteab

ኣብ ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ ምሉእ ዕጽዋ ክሳብ ሕጂ ይቅጽል ኣሎ፡ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ናብ 39 እኳ ክብ ኢሉ እንተነበረ፡ ካብ 18 ሚያዝያ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ (30 መዓልታት ኣቁጺሩ ኣሎ) ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምዘይተመዝገበ እዩ ዝግለጽ።

እቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 39 ሰባት'ውን ኩሎም ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ስለ ዝተፋነዉ ኾይኖም፤ ኤርትራ ካብ ዕለት 15 ግንቦት ጀሚራ ዝኾነ ተሓካሚ ኮሮናቫይስ ከም ዘይብላ እዩ ተሓቢሩ።

ዮናስ ማይናስ ኮሜድያዊ ስራሓት ንምስራሕ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ኣስመራን ይንቀሳቐስ ስለ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ምትግባር ኣዋጃት ከመይ ነይሩ ክንብል ኣብ ዝሓተትናሉ ብኸምዚ ዝስዕብ'ዩ መሊሱልና።

"ኣነ ምስ ጉጅለይ ክንስእል ወጺእና ኣብቲ ዝኸድናዮ ከተማ ወይ ዓዲ ክንሓድር ኣይፍቀደናን እዩ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ'ውን ኣይንራኸብን ኢና፤ ወረ ሰብ'ውን ኣይንርእን ኢና" ብምባል ሰብ ኣብ ምትግባር ኣዋጃት ዕቱብ ምንባሩ ይገልጽ።

"ህዝቢ ነቲ ዝተብሃለ ኣዋጃት ብግቡእ የተግብሮ ስለዝነበረ'ዩ ድማ እቲ ቀጽሪ ካብ 39 ክሓልፍ ዘይክኣለ፡ ዳግማይ መልከፍቲ ንኸየጋጥም ድማ ሰብ ከምቲ ኣብዚ ቀዳማይ ለበዳ ዝመከቶ ብሕጂ'ውን ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ'የ ክላቦ ዝደሊ" ይብል።

ብምስዓብ "ነቶም ተለኺፎም ዝነበሩን ንስድርኦምን ብሓፈሻ ከኣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ሓጎሰካ ይብሎ፡ ኣነ ድማ እንቋዕ ኤርትራዊ ኮንኩ፡ እዚ ዘበለኒ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዱ ዝገብሮ ዘሎ ምድግጋፍ ስለዝረእኹ እየ" ይብል።

ዮናስ ምሕረትኣብ ብጀካ ኣብ ስርሓት ኮሜዲ ኣብ ምእላይ 'ቪድዮ ክሊፕ' እውን ዓቢ ክእለት ዘለዎ እዩ።

ከም መርኣይኡ ድማ ኣብቲ ዓመታዊ ብሻሞት ዝውሃብ ሽልማታት ኣብ 2018 ብሓሙሽተ ዓውድታት ኣብ 2019 ከኣ ብተመሳሳሊ ብሓሙሽተ ዓውድታት ክሽለም ክኢሉ'ዩ።

እታ ኣብ 2018 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ (ዳይረክቲንግ) ዝተሸለመት 'ክንራኸብ ኢና' ዝኣርእስታ ደርፊ ናይ ቃልኣብ ተወልደመድህንን ኣብ 2019 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ ዝተሸለመት 'ጎነይ' ዝኣርእስታ ደርፊ ናይ ኣብርሃም ኣለምን ዮናስ ምሕርትኣብ ማይናስ እዩ ኣልይወን።

ኮሮና
ኮሮና