ኣሰሮም ከይተፈልጠ ዝጠፍኡ ሓደገኛ ቫይረሳት

ከይተፈልጠ ዝጠፍአ ሓደገኛ ቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

ገሊኦም ቫይረሳት፡ ከም ቁርዲድ ለጊቦም ንዘመናት ሕማማት ክፈጥሩ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ገሊኦም ድማ ጠፊኦም፤ ግን ድማ ምስ ጠፍኡ እንታይ የጋጥሞም ዝብል ዕጫኦም ዘይተፈልጠ ሚስጢር ኮይኖም ዝተረፉ'ዮም።

ሊቃውንቲ ሳይንስ፡ ጭራ ናይ'ዚ ሚስጢር ንምሓዝ ዝጎዩዎ ዘለው ጉያ፡ ባዕሎም ይፈልጡዎ።

ሓደ ታሪኽ'ዶ ከነዘንትወልኩም?

ግርም፤ ግዜኡ ብ1002 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) እዩ። ኣብ'ቲ እዋን፡ 'ቫይኪንግስ' ንእንግሊዝ እናሰገሩ መሬት ይሕዙ ነበሩ። ካብ እንግሊዝ ድማ፡ ክንድ'ዚ ዝበሃል ቃልሲ ኣየጋጥሞምን ዝነበረ።

ኢንግሊዛዊ ንጉስ ኢዜልሬድ ካልኣይ ግን፡ ነዚ ክቕይሮ ደለየ'ሞ፡ ጨካን ውሳነ ወሰነ።

ብ13 ሕዳር፡ ኣብ ሃገሩ ዝሰፈረ ኹሉ፡ ወገን ናይቶም 'ቫይኪንግስ' ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ክቕተልን ክእሰርን ክእውጅ እንከሎ ዓይኑ ኣይሓሰየን፤ ንጻት'ውን ስክፍ ኣይበሎን።

ከምታ ዝተሓነያ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጸኒቶም። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ፡ 'ጨፍጫፍ መዓልቲ ሴንት ብሪስ' ተባሂሉ ይዝከር።

ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት፡ ኣዕጽምቲ 37 ግዳያት ናይቲ ጨፍጫፍ፡ ኣብ ኮሌጅ ቅዱስ ጆንስ ኦክስፎርድ ይርከብ፤ እዚኦም ኣብቲ ግዜ ብሚስጢር ዝተቐበሩ እዮም።

ሊቃውንቲ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ካብቲ ሬሳታት ቅምሶ (ዲኤንኤ) ወሲዶም ኣብ ዘካየዱዎ መርመራ፤ ካብዚኦም እቲ ሓደ ብክልተ ነገራት ዝተወጽዐ ኮይኑ ረኺቦምዎ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ግዳይ እቲ ኣረሜናዊ ግፍዒ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሕማም በዲዶ'ውን ተጠቒዑ ዝሳቐ ዝነበረ'ዩ።

ካልእ ዘገርም ነገር'ውን ነይሩ።

ቫይረስ እዚ በዲዶ ካብቲ ብ1970ታት ብሓገዝ ክታበት ዝጠፍአ በዲዶ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ። ዓለም፡ ሞትን ለበዳን ዝዘርኡላ ኣሸሓት ቫይረሳት ክትርኢ መጺኣን ኣላን።

ዓሌት እቲ ቫይረስ ዝተፈለየ እዩ፤ ዘይፍለጥን ድምጹ ኣጥፊኡ ቅድሚ ዘመናት ዝተሰወረን እዩ። በዚ ምኽንያት በዲዶ ክልተ ግዜ ጠፊኡ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዝኾነ ሕማም ምስ ዝተጠቕዑ እንስሳት ብዝህሉ ጥቡቕ ርክብ፣ ኣብ ሞንጎ ቫይረሳት ብዝፍጠር ዝላ፣ "ዜሮ ፔሸንት" ብዝብሃል ፈላማይ ሕሙምን ነቲ ቫይረስ ተሰኪሞም ኣብ መላእ ዓለም ብዝዝርግሑ ሰባትን እዩ ስግኣት ሓድሽ ቫይረስ ዝፍለጥ።

ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ክታበት ቫይረስ በዲዶ ካብ ዓለም ክጠፍእ ገይሩ'ዩ፤ ግን ድማ እቲ ቫይረስ ሕጂ'ውን ኣብ ውሑስ ክልተ ቤተ ፈነታት ተዓቂቡ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ሳርስ፡ ካብቶም ኣብ ቀረባ ዝጠፍኡ ቫይረሳት ሓደ'ዩ።

ዓለም ሃለዋት እዚ ቫይረስ ብ23 ለካቲት 2003 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ክትፈልጥ እንከላ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን 100 ሰባት ቀቲሉ ነይሩ።

ድሓር፡ "ዘይተለመደ ተመሓላላፊ ሕማም" ከም ዘጋጠመ ዝሕብር መልእኽቲ ጽሑፍ (ኢሜይል) ኣብ ቤጂንግ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ተላኢኹ።

ፈለማ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ምዕራብ ቻይና ኣብ እትርከብ ጉዋንግዶንግ እዩ ተራእዩ። ጉዋንግዶግ ድማ፡ ብመሸጣ ስጋ እንስሳ ዘገዳም እያ ትፍለጥ። እቶም እንስሳ ድማ፡ ሽዑ ኣብ'ቲ ቦታ ተሓሪዶም እዮም ዝቐርቡ።

ስጋ ናይ ኣዕዋፍ፣ ማንቲለ፣ ኣትማን፣ ቁባዕ ዑፍ፣ ጤሊ ቤዶን ካልኦትን መጥበውቲ እንስሳ ዝሽየጠሉ ራሕሲ ዝበዝሖ ከባቢ እዩ።

ዝተሓረዱን ክሳዶም ዝተቖረጹን እንስሳት ምርኣይ ልሙድ'ዩ ነይሩ።

ስለ'ዚ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ለበዳ ዝተርኣየሎም መዓልታት ሳርስ ከመይ ከም ዝመጽአ ግሁድ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት እቲ ቫይረስ ኣስታት 8096 ሰባት እንትለክፍ 774 ሞይቶም። ካብኡ ዝኸፍአ ግን ምኾነ ነይሩ።

መቸስ ኮቪድ-19፡ ናይ ሳርስ ቀረባ ዘመድ ከም ዝኾነ ትፈልጡ ኢኹም።

ስለ ዝኾነ፡ ብልክዕ እቲ ኮሮናቫይረስ ዘውርዶ ዘሎ ሃሰያ እንተርኢናዮ፡ ሳርስ ዓለም ብኢደ እግራ ናይ ምሓዝ ተኽእሎ ነይሩዎ ማለት'ዩ።

ልክዕ ከም ቫይረስ ኤችኣይቪ ዘስዓቦ ቅልውላው፡ ወይ'ውን ከምቲ ብ1918 ዘጋጠመ ለበዳ ጉንፋዕ፡ ብሳርስ ዓለም ከይትባድም ሰግኣት ነይሩ።

እቲ ብ1918 ዘጋጠመ ለበዳ ጉንፋዕ፡ ሓደ መሰለስ ንህዝቢ ዓለም ኣጥቂዑ 50 ሚሊዮን ድማ ቀቲሉ፤ ኣብየት ዝሓለፍካ ህይወት!

ግን፡ ሳርስ ብልክዕ እታ ዝመጽአላ ፍጥነት እዩ ጠፊኡ። ብጥሪ 2004 ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብሉ መልከፍታት ነይሩ፤ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ግን፡ ናይ መወዳእታ ሕሙም መን ከምዝኾነ ተፈሊጡ እዩ።

እሞኸ እንታይ ተፈጢሩ?

ብሓጺሩ ዕድለኛታት ኮይንና።

ከም ሊቅ ስነ ሕማማት ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ሳራ ኮቤይ፡ ሳርስ ብሰንኪ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ባህርን ብዝተሓላለኸ ኣሰር ዝተተናኸፉ ሰባት ናይ ምርካብን ስራሕን'ዩ ክጠፍእ ክኢሉ።

ካሜራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብሳርስ ዝተለኸፉ ሰባት ክሓሙ ከለው፡ ዋዛ ኣይኮነን፤ ኣዐርዮም'ዮም ዝሓሙ።

እቲ ቫይረስ ልዑል መጠን ሞት ዘስዓበ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ካብ ሓሙሽተ ሕሙማት እቲ ሓደ ይመውት ምባል ይከኣል።

እዚ ማለት ብኣንጻራውነት እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ንምፍላይን ንምውሻብን ቀሊል እዩ ነይሩ።

ግን ድማ ምልክት ካብ ዘየርእዩ ሰባት ኣይመሓላለፍን ዝነበረ፤ ሳርስ ቅድሚ ኣብ ደረጃ ተመሓላላፊ ሕማም ምብጽሑ ንክራባሕ ብዙሕ እዩ ዝወስደሉ።

እዚ ማለት ነቶም ኣሰር ምትንኻፍ ዝፈልዩ ሰባት፡ ተለኺፉ ከይኸውን ኢሎም ዝጠርጠሩዎ ቅድሚ እቲ ሕማም ናብ ካልእ ምሕላፉ ደልዮም ንምርካብ ግዜ ይህቦም ነይሩ ማለት'ዩ።

"መንግስታትን ትካላት ጥዕናን'ውን ግን ቀልጢፎም'ዮም ስጉምቲ ወሲዶም" ትብል ኮቤይ።

ጉዳይ እቲ ቫይረስ ከይተፈለጠ ዝተወሰነ ግዜ ክጸንሕ ስለ ዝኽእል ግን፡ ኣበይን ምስ መንን ኣሎ ዝብል ቀልጢፍካ ብምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ።

ኣብ ዞባ ጉዋንግዶንግ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዝነበረ ወዲ 64 ዓመት ክኢላ ሕክምና ስርዓተ ምትንፋስ፡ ዓዲ ሰላም ኣላ ኢሉ፡ ንሓደ ሕሙም ክሕክም ምስ ውዓለ ይልከፍ።

ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረ ግን፡ 21 ብለካቲት 2003 እቲ ሓኪም መርዓ ተዓዲሙ ናብ ሆንግ ኮንግ ከይዱ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ይዓርፍ።

ሃንደበት ቁሩብ ረስንን ምልክታት ጸገም ስርዓተ ምትንፋስን ንሓሙሽተ መዓልታት ከርኢ ይጸንሕ፤ ግን በርቲዑዎ።

ናብ ቀረብኡ ናብ ዝነበረ ሆስፒታል ከይዱ ወሺቡኒ ኢሉዎም። እንታይ ዋጋ ኣለዎ፤ ድሮ 23 ሰባት ክልከፉ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ።

ካብ ካናዳ፣ ሲንጋፑርን ቬትናምን ዝመጽኡ ኣጋይሽ ከይተረፉ ልክዕ ከም ናይ ጉዕዞ ሳንጣኦም ነቲ ቫይረስ ተሰኪሞምዎ ናብ ዓዶም ተመሊሶም።

ድሕሪ'ዚ ድኣ እንታይ ክውጋዕ።

ዕድል ጌርና'ዶ ኢልናኩም? ሳላ ባህርያት እቲ ቫይረስ ቅልል ዝበለ ምንባሩ ካብ ቑጽጽር ወጻእ ዝኾነሉ ዕድል ኣይረኸበን።

ካብ ሳርስ ወጻእ፡ ኮነ ተባሂሉ ክጠፍኡ ዝተገበሩ ክልተ ቫይረሳት ኣለው፤ በዲዶን ጉልሓይን (ብቫይረስ ዝመጽእ ሕማም ከብቲ)።

ነዞም ክልተ ቫይረስ ንምጥፋእ ዝግበር ዝነበረ ኲናት፡ ብሓገዝ ክታበት'ዩ ተዓዊቱ።

እንተኾነ፡ በዚ መገዲ ንኻልኦት ሕማማት'ውን ንምጥፋእ ዝግበር ዝነበረ ጻዕርተት፡ ብሰንኪ ኩናት፡ ብሰንኪ ኣንጻር ክታበት ዝጉስጉሱ ሰባትን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ክተዓናቐፍ ርኢና ኢና።

ንምዃኑ እቶም ሕዚ ዘለዉ ካልኦት ቫይረሳት ከ እንታይ እዮም ክኾኑ? ኢቦላ ክጠፍእ ድዩ? ስዋይን ፍሉ ናበይ ኣተወ?

መርፍእ ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Press Association

ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ገለ ቫይረሳት ኣብ ደቅሰባት ጥራይ ኣይኮኑን ዝነብሩን ዝራብሑን። ስለ'ዚ፡ ዘይክጠፍኡ ይኽእሉ'ዮም።

ኣብ ደቂ ሰባት፡ ኢቦላ ኩል ግዜ እዩ ዝጠፍእ፤ ተመሊሱ ከኣ ይመጽእ። ካብ 1976 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ን26 ግዜያት እዩ ተመላሊሱ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ቫይረስ ክለዓል እንተኾይኑ ካብ መንካዕ ናብ ሰብ ምስ ሓለፈ'ዮም ሰባት ዝጥቅዑ።

መንካዕ ክሳብ ዝሃለዋ ከኣ፡ እቲ ቫይረስ ምሳና ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ኣለዎ ማለት እዩ። ኣብ ዓለም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሓደ ሰብ ከኣ ክህሉ ግድን እዩ።

ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ኤማ ጌልኖን እትርከቦ ጉጅለ ተመራመርቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጊኒ ኣብ ዘካየዶ መጸዕናዕቲ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኢቦላ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ኣብ ውሽጢ 118 ሰዓታት ክመሓላለፉ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ።

እዚ ማለት ዋላ ሓደ ሰብ ሃላዋቶም ከይፈለጠ'ዩ።

ኣብዚ ዓመት ብ25 ሰነ ኢቦላ ንመበል 10ይ ግዘ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከጋጥም ከሎ፡ ኣብ ሰባት እንታይ ከም ዘንቀሎ ኣይተፈልጠን።

ሕጂ ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር ዘሎ መበል 11 ለብዒ እቲ ቫይረስ ድማ፡ ብሓድሽ ኣይነት ኢቦላ ተላዒሉ ከም ዝኸውን ይግመት።

እዚ'ውን ካብ እንስሳ እዩ።

ሓለፍቲ ጥዕና እቲ ከባብን ትካል ጥዕና ዓለምን ብዙሕ ግድል ዝገጠሞም በዚ ቫይረስ እዩ።

ሕጽረት ሓገዝ ገንዘብ፡ ምክልኻል ኢቦላ ከቢድ ክገብሮ ክኢሉ'ዩ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት'ውን ንድሕነት ሰብ ሞያ ጥዕና ስግኣት ስለ ዝኾኑ፡ ነቲ ቫይረስ ምጥፋእ ኣይተኽኣለን። ገሊኦም ሕክምና ዘድልዮም ሰተት ድማ፤ ትሕረደና ኢሎም ይሕንግዱ።

ካብቶም ሽዱሽተ ዓሌታት ኢቦላ፡ ነቲ ሓደ ጥራሕ እዩ ክታበት ተረኺብሉ።

እዚ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ 2013 ክሳብ 2016 ኣብ ዘለው ዓመታት 11 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ዓይነት ቫይረስ ኢቦላ'ዩ።

እዚ ቫይረስ ካብ ደቂ ሰባት ንክጠፍእ ዝተገበረ ቃልሲ እንተተገብረ፡ ዓሌት መንካዕ ቤቱ ስለ ዝኾና፡ ሕጂ'ውን ይዘውር ኣሎ።

እዚ ቫይረስ ካብ ዓለም ክጠፍኣሉ ዝኽእል ብሕታዊ መገዲ ከኣ፡ ዘርኢ መንካዕ ካብ ምድረ ገጽ ጠቓሊልካ ምጥፋእ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 2012 ተላዒሉ ዝነበረ ሜርስ፡ ካብ ግመል ናብ ሰብ ተመሓላሊፉ'ዩ ሰብ ኣጥቂዑ።

"ሳርስ፡ ካልእ ንዕኡ ከዕቑቦ ዝኽእል ካልእ ነገር ስለ ዘይረኸበ'ዩ ጠፊኡ" ይብል ክሊላ ማይክሮባዮሎጂ ዩኒቨርሲቲ ኣዮዋ ስታንሊ ፐርልማን።

ክታበት ዝሃቦ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሳርስ፡ ኣብ ቻይና ኣብ ሓደ ኣብ ጫካ ዝርከብ ከም ሙቁር መግቢ ዝቑጸር ኦም ካብ ዝነብር መጥወቢ እንስሳ ከም ዝወጽአ ይዝረብ።

እዚ ቫይረስ ግን ተመሊሱ ናብቲ እንስሳ ክኸይድ ኣይኽእልን ዝብል ፐርልማን፡ እቶም ናብ ሰብ ዘመሓላልፉ እንስሳ በዚ ሕማም ስለ ዘይጥቅዑ፡ ናብ መንካዕ ብምስጋር እቲ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝፍጠር ምትሕልላፍ ካብ መንካዕ ክመጽእ ክገብሮ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ግን ከምዚ ዘይክንብል ንኽእል።

ኮሮናቫይረስ'ውን ካብ መንካዕ'ዩ መጺኡ ዝብል ግምት ዘሎ ኮይኑ፡ ናብ ፓንጎሊን ዝበሃሉ እንስሳ ሓሊፉ ካብኡ ናብ ሰባት ክሰግር ክኢሉ ይብሉ።

"ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ንሕና ኢና መኽዝኑ ኮይንና ዘለና" እዩ ዝብል ስታንሊ ፐርልማን።

እዚ ድማ፡ ቫይረሳት ብዘይምቁራጽ ኣብ ውሽጢ ደቂ ሰባት ክጸንሑ ይኽእሉ'ዮም ናብ ዝብል ሓደ ግምታዊ ተርእዮ'ዩ ዝወስደና።

ብሱሩ'ውን ንዘልኣለም ምሳና ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም፤ ቀስ ብቐስ ግን ዘርኢ ሓረግ እቲ ቫይረስ ብዘገርም ኩነታት ይጠፍእ።

ጉንፋዕ እንዶ ንውሰድ፤ ክልተ ዓይነት እዮም ዘለው።

እቲ ናይ መጀመርታ ኢንፍሉዌንዛ ኤ ዝበሃል ኮይኑ፡ ንእንስሳን ሰብን ዘጥቅዕ እዩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ማይ ደርሁ።

ግን ድማ ብዝተፈላለየ መልክዑ ምሳና ዝነብር እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ምኽንያት ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ኮይኑ ለበዳታት ከልዕል ዝኽእል እዩ።

ኢንፍሉዌንዛ ቢ ዝበሃል ከኣ ኣሎ። እዚ ንሰባት ጥራሕ ዘጥቅዕ ኮይኑ ለበዳ ኣልዒሉ ኣይፈልጥን።

ንዓመታት ኢንፍሉዌንዛ ኤ ብተደጋጋሚ የጥቅዐና ከም ዘሎ ይእመን ነይሩ። ግን ድማ ሳይንሳዊ መጽናዕታት ንሱ ከም ዘይኮነ ጸኒሖም በጺሖምሉ።

ቅድሚ 1893 ዝሞተ ሰብ፡ ብዝኾነ ዓሌት እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይጠፍአ ኢንፍሉዌንዛ - ኤ ተጠቒዑ ኣይፈልጥን።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ዝኾነ ቫይረስ ጉንፋዕ ክሳብ ኣስታት 120 ዓመት ምስ ደቂ ሰባት ብምጽናሕ ስለ ዝጠፍአ እዩ።

ብ1918 ዓ.ም ለበዳ ኣልዒሉ ዝጠፍአ ቫይረስ፡ ኣብ ኣመሪካ ምኽንያት ሞት 116 ሽሕ ሰባት ዝኾነ ለበዳ (ብ1957) ዝተላዕለ ለበዳ ጉንፋዕ ዑፍ ክለዓል ገይሩን፤ ዳግም ብ2009 ዝተራእየን'ዩ።

ማስክ ዝገበሩ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

በብዓሰርተ ዓመት ሓድሽ ዓይነት ጉንፋዕ እናተወለደ ነቶም ነባራት ይትክኦም። እዚ ውሁድ እቲ ነባርን ሓደ ሓድሽን ኮይኑ ካብ እንስሳት ዝመጽእ እዩ።

"ኣብ ሓደ ፍንጻሕ (ስትሬይን) ዝኾነ ንዕኡ ዝትክእ ዘሎ ውርሲ ዘርኢ (ጀነቲካዊ መስርዕ) ትኹረት እንድሕር ገይርናሉ፡ ኣዝዩ ልዑል መጠን ምጥፋእ እዩ ዘሎ። በብክልተ ዓመት እዮም ዝሞቱ። ኣዝዩ ዝተሓላለኸ'ዩ፤ ግን ድማ ልዑል ለውጢ ኢና ንርኢ ዘለና" ትብል ኮቤይ።

ብ1918 ለበዳ ጉንፋዕን ስዋይን ፍሉን ዘልዓለ ዓይነት ኤች1ኤን1 ሕጂ ጠፊኡ'ዩ።

ሕጂ ገለ ሊቃውንቲ ሳይንስ እዚ መስርሕ ፍጥነት ክውስኽ እንተገይርና ንረብሓና ክንብል ቐልጢፎም ዝባጽሑ ቫይረሳት ደቂ ሰባት ክንፈጥር ንኽእል ኢና ይብሉ።

እዚ ሓሳብ ጉንፋዕን ሰዓልን ንምውጋድ ኣብ ዝድለየሉ እዋን፡ ከም መፍትሒ ክውሰድ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ኮቪድ-19 ንምቅላስ ከም ሜላ ክንጥቀመሉ ተነጊሩ ኣሎ።

"ቫይረሳት ኣርኤንኤ"፡ ኤችኣይቪ፣ ጉንፋዕ፣ ኮሮናቫይረሳትን ኢቦላን ዝበሉ ንሰባት ዘጥቅዑ ቫይረሳት ዝሓዙ'ዮም።

ውርሲ ዘርኢ (ጀነቲክ) እዞም ቫይረሳት ካብ 'ኣርኤንኤ' ዝተቐድሐን ብኣንጻር ቅምሶ ወይ ዲኤንኤ ዝተሰርሐን'ዩ።

እዚ ማለት፡ እቶም ቫይረሳት ንባዕሎም ንምቕዳሕ ሞተር ናይቲ ዝዓርፍሉ ክጠልፉ ከለው፡ ስሕተታት ዝርእይሉ ወይ ዝፍትሽሉ መስርሕ ኣየካትቱን።

እዚ ቐልጢፎም ንክፍጠሩ ዝገብሮም ኮይኑ፡ ኣንጻሮም ዝኾነ መድሓኒት ወይ ክታበት ድማ ግዜ ዝሓለፎም ክኾኑ ይገብሮም።

ግን ድማ ቫይረሳት ከነጥፍኦም ዝግበር ጻዕሪ ትርጉም የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ኮቤይ፡ "ኣብ ዙርያ እቲ ከነጥፍኦ እንደሊ ዓይነት ሕማም ኣተኲርና ክንሰርሕ ዘለና ይመስለኒ" እያ ትብል።

መን ይፈልጥ ኮቪድ-19 ሓድሽ ሰውራ ሳይንስ ከምጽአልና ይኸውን።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ልክዕ ከም ብበዲዶ ከይንትሓዝ ዘይንጭነቖ፡ በብዓመቱ ብጉንፋዕ ወይ ሰዓል ከይንተሓዝ'ውን ዘይንጭነቐሉ እዋን ክመጽእ ይኸውን።