ካብ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ናጻ ክንሰን በቲ ቫይረስ ዝተሃሰያ 10 ሃገራት

ሆቴል ፓላው፥ ኮሮር

ምንጪ ስእሊ, Palau Hotel

መግለጺ ስእሊ, ሆቴል ፓላው፥ ኮሮር

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዳርጋ ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ተዘርጊሑ'ዩ። 10 ሃገራት ግን ካብዚ ቫይረስ ናጻ እየን።

ኩሉ ኣብዘን ሃገራት ዝነብር ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ዓለም ኣጨኒቑዋ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ሰሚዑ'ዩ። ግን ድማ ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ብዘይምህላዩ ቅሳነት ይስምዖ።

እንታይ ስለ ዝገበራ?

Short presentational grey line

ፕላው

ከምዚ ተባሂላ እትጽዋእ ሃገር ኣላ ድያ ትብሉ ትህልው ትኾኑ። እምበኣርከስ ኣብ ርሑቕ ምዕራብ እትርከብ ንኡሽቶ ሃገር ምዃና ክንነግረኩም።

ማይክሮኒዢያ ሪጂን ኣብ ዝበሃል ካብ ሃገራት ፊሊፒንስን ኢንዶኒዥያን ርሕቅ ኢላ ዘላ ደሴት እያ።

ኣብዛ ሃገር ፕላው ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ ሆቴል ኣሎ፤ ብ1982 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝተኸፈተ ብብዝሒ በጻሕቲ ዓዲ ዘተኣናግድ ሆቴል እዩ።

ካብ በጻሕቲ ዓዲ ብእትረኽቦ እቶት ስለ እትመሓደር፡ ሕንቅቕቲ ሃገር እትመስሎም ብዙሓት እዮም።

ብ2019 ጥራሕ 90 ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ ናብ ፕላው መጺኦም፤ እዚ ሓሙሽተ ዕጽፊ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር እዩ።

ብ2017፡ ቱሪዝም 40 ሚኢታዊት ዓመታዊ ኣታዊ እታ ሃገር ከም ዝሽፍን ትካል ገንዘብ ዓለም ዘውጽኦ ጸብጻብ የረድእ። እዚ ግን፡ ቅድሚ ንመላእ ዓለም ዝቖረነ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ምምጽኡ'ዩ።

ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኩሎም ዶባት እታ ሃገር ተዓጽዮም'ዮም። ኣትዩ ዝወጽእ በጻሒ ዓዲ ስለ ዘይብላ ድማ ዳርጋ ብጉሮርኣ ተታሒዛ ኣላ።

ሆቴል ፕላው ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ተዓጽዩ። ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን ቴስቶራንታት ጥርሐን''የን፣ ናይ ቤተ-መዘክር ዱኳናት ተዓጽዮም፣ እቲ ብሕታዊ ሆቴል ድማ መወሸቢ ማእከል ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

ኣካያዲ ስራሕን ወናንን ሆቴል ፕላው ብሪያን ሊ "ንኡሽቶ ሃገር ስለ ዝኾነት ናይዚ ኸባቢ ሰባት ኣብ ሆቴል ኣይሓድሩን" ኢሉ።

እቲ ሆቴል፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለው ጊዜያት 54 ክፍልታት መደቀሲ ስለ ዘለዎ፡ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚኢታዊት ተገልገልቲ የተኣናግድ ነይሩ። ሕጂ ጥርሑ ይሓድር ኣሎ።

ብሪያ፡ በቲ ኩነታት ነቲ ንነበርቲ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝገበረ መንግስቲ ኣይነቅፍን።

"ጽቡቕ ስራሕ'ዩ ሰሪሑ ኢለ ይሓስብ" ብምባል ይንእዶ። ግን ድማ ኣብ ፓላው ዘላ ፈላመይቲ ሆቴል ቐጻልነት ክህልዋ እንተኾይኑ ሓደ ነገር ክመሓየሽ ኣለዎ።

ፕሬዝደንት እታ ሃገር "ኣገዳሲ" በረራ ካብ ሓደ መስከረም ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ቀረባ ድማ በጻሕቲ ዓዲ ንክመጽኡ ናብ ታይዋን በረራ ክጅመር ከም ዝኽእል ይዝረብ።

ብሪያን ግን "ኣብ ቀረባ ኩሉ ነገር ክኸፍቱዎ ክጅምሩ ኣለዎም፤ ካብዚ ወጻኢ ዋላ ሓደ ጠጠው ኢሉ ከኸይድ ዝኽእል ኣይክህልውን" እዩ ዝብል።

መግለጺ ቪድዮ, ኮሮናቫይረስ ብሳእንናን ክዳውንትናን ክመሓላለፍ ይኽእል ዶ?

ደሴታት ማርሻል

ካብ ማእኸላይ ሰለማዊ ውቅያኖስ 4 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ርሒቐን ዝርከባ ደሴታት ማርሻል'ውን ካብ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ናጻ'የን ዘለዋ።

እዘን ደሴታት ኣብ ሞንጎ ሃዋይን ፊሊፒንስን ዝርከባ እሳተ ጎመራ ዝበዝሐን ደሴታት ኮይነን ብዝሒ ህዝበን 55 ሽሕ እዩ።

ኣብ ውሽጠን 1200 ነኣሽቱ ደሴታትን ብእሳተ ጎመራ ዝተመስረታ ደቀቕቲ ደሴታትን [ኮራል ኣቶልስ] ይርከባ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ግዝኣት ኣሜሪካ ኮይነን እኳ እንተጸንሓ ካብ 1986 ጀሚሩ ግን ዓርሰን ክኢለን።

ጉዳይ ድሕነትን ሓይሊ ምክልኻልን ዝምልከት ግን ሕጂ'ውን ካብ ኣሜሪካ እየን ዝረኽባ። መብዛሕትኦም ካብ ኤዥያ፣ ፓስፊክ ወይ'ውን ኣሜሪካ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ድማ ይዓርፉሉ።

ግን ድማ ልክዕ ከም ፓላው ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ የለን ማለት ዝወረደ ሃሰያ የለን ማለት ኣይኮነን።

ኣብታ ደሴት ዝርከብ ሆቴል ሮበርት ሪመርስ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ምምጽኡ እቲ 37 መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ሆቴል ካብ 75 ክሳብ 88 ሚኢታዊት ይትሓዝ ነይሩ።

ካብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ዶባት ምስ ተዓጸው ግን ብዝሒ እዚ ሆቴል ዘተኣናግዶም ሰባት ካብ 3 ክሳብ 5 ሚኢታዊት ጥራሕ ኮይኑ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 700 ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። እዚ ካብ 1997 ንነጀው እቲ ዝዓበየ ምንቁልቋል'ዩ ክኸውን።

ካብዚኦም እቶም 258 ኣብ ዓውዲ ሆቴልን ሬስቶራንትን ዘለው'ዮም። ኣብተን ደሴታት እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ድማ ምንቁልቋል ኢንዳስትሪ ዓሳ እዩ።

ደሴታት ማርሻል ካብ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ናጻ ንምግባር ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተርኣየን ሃገራት ዝመጽኣ ጀላቡ ናብ ወደባታ ከይኣትዋ ተኸልኪለን።

ካልኦት ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ቅድሚ ምእታወን 14 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ከሕልፋ ይግደዳ ኣለዋ።

በዚ ምኽንያት፡ ብፍሉይ ፈርያት ዓሳ ዝፍለጣ ደሴታት ማርሻል መጠን ሰደድ ዝግበር ፍርያት ዓሳ ብ50 ሚኢታወት ጎዱሉ ኣሎ።

ምህርቲ ቱና'ውን ብተመሳሳሊ ዝጎደለ ኮይኑ ካልኦት ኢንዳስትሪታት እቲ ዓውዲ ብ30 ሚኢታዊት ከም ዝጎድሉ ይግመት።

ኣብ ቫኒዋቱ መርከብ ክሩሳይዝ ዝጽበዩ ሰራሕተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Mario Tama/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቫኒዋቱ መርከብ ክሩሳይዝ ዝጽበዩ ሰራሕተኛታት

ቫኒዋቱ

ምዕጻው ዶባት፡ ነዘን ሃገራት ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ እንተገበረን'ውን ይደኽያ ግን ኣለዋ። እንተኾነ እቲ ዳግም ምኽፋት ዝብል ሓሳብ ዘይቕበሉዎ ሰባት ኣለው።

ዶክተር ሊን ታሪቮንዳ ዳይሬክተር ጥዕና 300 ሽሕ ህዝቢ ዘለዋ ቫኒዋቱ እዩ።

"ካብ ከተማ ውጽእ ኢሎም ዝነብሩ ሕብረተሰብ ክትሓቶም ከለኻ፡ ክሳብ ዝተኽኣለ እቶም ዶባት ተዓጽዮም ክቕጽሉ ኣለዎም እዮም ዝብሉኻ። ሕማም ኣይንደልን ይብሉ" ኢሉ።

ኣስታት 80 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዘለው ከባቢታት ዝነብርን ብሕርሻ ዝመሓደር ምዃኑን ዶክተር ሊ ይገልጽ።

"ከም ናተይ ግምት እቲ ጸበባ ገና ኣይተሰምዖምን ዘሎ። ሓረስቶት ስለ ዝኾኑ ናይ ባዕሎም መግቢ ኣፍሪዮም ዝነብሩ'ዮም። ቑጠብኦም፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ነገር ዝተሞርኮዘ እዩ" ኢሉ።

ይኹን'ምበር፡ እታ ሃገር ከቢድ ቁጠባዊ ሃሰያ ክወርዳ ከም ዝኽእል'ዩ ዝግመት።

ሰብ ሞያ ባንኪ ልምዓት ኤዥያ፡ ሓፈሻዊ ቑጠባ እታ ሃገር ብ10 ሚኢታዊት ከም ዝጎድልን እዚ ድማ ናጻ ሃገር ካብ እትኸውን ካብ 1980 ጀሚሩ ንመጀመርታ ጊዜ ዘጋጥም ከም ዝኸውን ገሊጾም።

ስግኣት እዛ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጥራሕ ኣይኮነን። ብወርሒ ሚያዚያ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ብሓያል ህቦብላ ሃሮልድ ተጠቒዑ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ ከለው፡ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ግዳይ ኮይኑ'ዩ።

"መዓልታዊ ከቢድ ዕዮ ነይሩና" ብምባል ዘዘኻኽር ዶክተር ትሪቮንዳ፡ "ሕጂ ግን ፈለማ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ንግበር፤ ድሓር ድማ ህቦብላ ሃሮልድ ኢልና። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብኽልተ ሓደጋታት ኢና ንሓልፍ ዘለና"ኢሉ።

ኮሮና

ብሕጂ ጽልዋ ኮሮናቫይረስ ቀሊል ከም ዘይኸውን'ዮም ሰብ ሞያ ዝገልጹ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ መንግስቲ፡ ካብ ኮሮናቫይረስ 'ውሑሳት' ንዝኾና ሃገራት ዶባት ቫኒዋቱ ካብ ሓደ መስከረም ጀሚሩ ክፉት ከም ዝኸውን ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪኡ ግን ኣብ ኣውትራልያን ኒውዝላንድን መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ክውስኽ ምስተራእየ እቲ መደብ ተደፊኡ።

ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መገዲ ኣየር፣ ቱሪዝምን ሓይሊ ዕማም ዶባትን መንግስቲ ዝሰርሕ ዘሎ ዶክተር ታሪቮንዳ እቶም ዶባት ንምኽፋት ዝተሓሰበ ሓድሽ መደብ ከም ዘየሎ ተዛሪቡ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ግን መንግስቲ እታ ሃገር 172 ሰራሕተኛታት ኣብ ኣውስትራሊያ ናብ ዘሎ ሰሜናዊ ከባቢታት ንስራሕ ክኸዱ ኣፍቂዱሎም ኣሎ።

35 ሚኢታዊት ዓመታዊ እቶት እታ ሃገር ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ስለ ዝኾነ ግን፡ እዚ ካብ ደገ ካብ ዝልኣኽ ገንዘብ ዝርከብ እቶት እኹል ኣይኮነን። ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ዶባታ ንምኽፋት ኣይትህወኽን።

"እቲ ቫይረስ እንተኣትዩ ልክዕ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ'ዩ። ኣብ ከባቢ ፓስፊክ ዘለና ድሩትነት ኣብ ግምት ብምእታው ብዝተኽኣለ መጠን እቲ ቫይረስ ናብ ሃገርና ከይኣቱ ክንከላኸሎ ይግባእ" ኢሉ ዶክተር ታሪቮንዳ።

ቶንጋ

ካብ 170 ኣናኣሽቱ ደሴታት ዝተፈጥረት ኣብ ደቡባዊ ፓስፊክ እትርከብ ሃገር'ያ።

ንደሴታታ ቶንጋ ኣኻኺብካ ብስፍሓታ ክንዲ ጃፓን ክትኸውን ትኽእል።

ን165 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ምሕደራ ጸኒሓ ብ2010 ዓ.ም ካብቲ ስርዓት ወጺኣ።

ብ1970 ዓ.ም ካብ ኢንግሊዝ ናጻ ዝወጽአት ኣኽረርቲ ኣመንቲ ክርስትና ዘለውዋ ሃገር ከም ዝኮነት እውን ይፍለጥ።

ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ መዓድን'ኳ እንተዘይሃለዋ ሃፍቲ ዓሳ፣ ሕርሻን ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ወጻኢ ብዝልእኩዎ ገንዘብን ተጠቒማ ግን ዓርሳ ክኢላ ትርከብ።

ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ኒውዝላንድ ይነብሩ።

ሰሙዋ

ክሳብ 1961 ዓ. ም ኣብ ትሕቲ ኒውዝላንድ ትመሓደር ነይራ።

9 ደሴታት እሳተ ጎመራ ዝፈጠርኣ እዛ ሃገር 99 ሚኢታዊት ህዝባ ኣብ ደሴታት ኡፖሉና ሳቫይ ይነብር።

ኣብ ሕርሻን ሃፍቲ ዓሳን ዝምርኮዝ ቑጠባዊ ፖሊሲ ክህልዋ እንከሎ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ቱሪዝም'ውን ካልእ ፍልፍል እቶት እታ ሃገር ክኸውን ጀሚሩ ነይሩ።

ቱቫሉ

ቱቫሉ 9 ደሴታት ክፈጥርኣ እንከለዋ፡ ካብዚኦም እተን 5 እሳተ ጎመራ ወሊዱ ዳግም ውሒጡ ዝወደለን እየን።

ህዝቢ ድማ ኣብተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ደሴታት ኮይኑ ስሩዕ ህይወት ይመርሕ።

ኣብ ቱቫሉ ሩባ ወይ ዓይጊ ስለ ዘየለ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝናብ ዝተሞርኮዘ እዩ። ተኽሊ ኮኮናት ምንጪ እቶት እታ ሃገር እዩ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን እታ ሃገር እትረኽቦ እቶት ተጸልዩ ኣሎ።

ዓሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናውሩ

ኣብ ዓለም እታ ዝነኣሸት ሃገር ኮይና፡ ኣውስትራሊያ ስደተኛታት እትዳጉነሉ ማእከል ኣብዛ ሃገር ይርከብ።

እዚ ሓደ ምንጪ እቶት ናውሩ እዩ፤ ዜጋታታ መን'ዩ ዘስርሐኩም? እንትብሃሉ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣውስትራሊያ'ዮም ዝብሉ።

ካብ 2013 ጀሚሩ ኣውስትራሊያ ብጀልባ ናብ ሃገራ ክኣትው ዝፍትኑ ስደተኛታት ብሙሉኦም ናብ ናውሩ ወይ ድማ ፓፓው ኒው ጊኒ እያ ትወስዶም።

ብዝሒ ህዝባ 10 ሽሕ'ዩ፤ መዓድን ፎስፌት እንተሃለዋ'ውን ብረድኤት ትናበር።

ኣብ ናውሩ ናይ ወጻኢ ሃገር ጋዜጠኛ ክጽብጽብ ኣይኽእልን።

ኣብ ዓመት ካብ 200 ዘይዛይዱ በጻሕቲ ዓዲ ናብታ ሃገር ከም ዝኸዱ ክግለጽ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ናብታ ሃገር ዝኸዱ በጻሕቲ ዓዲ ተደሚሮም ካብ 15 ሽሕ ከም ዘይዛይዱ ቴሌግራፍ ጸብጺቡ ነይሩ።

ኪሪባቲ

ኪሪባቲ፡ ብ1979 ዓ.ም ካብ ኢንግሊዝ ናጽነታ ዝረኸበት ሃገር ኮይና፡ ብ1960ታት ገለ ደሴታት እዛ ሃገር መፈተኒ ኒኩለር ኢንግሊዝ ኮይኖም ኣገልጊሎም።

ኪሪባቲ ደረቕ ስለ ዝኾነት ምውሳኽ መጠን ዋዒ ዓለም ከጥፍኣ ከም ዝኽእል ይግመት።

ካብ ደሴት ፊጂ መሬት ተኻርያ ድማ መግቢ ተፍሪ። ቑጠብኣ ዝሑል እንተኾነ'ውን ኮኮናትን ኮፕራን ብምልኣኽ ትፍለጥ።

9ደሴታት ሰለሞን፣ 10ይ ማይክሮኒዢያ

ክልቲአን ሃገራት ብፍርያት ዓሳን ቱሪዝምን ይፍለጣ። ብኮቪድ-19 ዝተጠቕዐ ዜጋ'ውን የብለንን።

ኩለን እዘን ሃገራት ግን ብዛዕባ ዓለም ዘናውጽ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰሚዐን እየን።

ስለዚ፡ እዘን ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ዝኾና ሃገራት እንታይ ክገብራ ይኽእላ?

እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተራእዩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ዘሕደረለን ጽልዋ ብክልተ መገዲ ክምክትኦ ይኽእላ።

ሓደ፡ ንሰራሕተኛታትን ትካላት ንግድን ምኽፋል ዝበሉ ናይ ሓጺር እዋን ስጉምታት ኮይኑ፡ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ስጉምቲ ድማ፡ ክታበት ምጽባይ።

ክሳብ ሽዑ፡ ቀስ ብቀስ እቲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ጉዕዞ ናብ ንቡር ክምለስ ምግባር ከድሊ'ዩ።

ክኢላ ባንኪ ልምዓት ኤዢያ ሮሜል ራባናል፡ "ነዚ ዝኸውን ዝተቐመጡ መዐቀኒታት ኣለው። ደረጅኡ ዝሓለወ መርመራ፣ ኣሰር ዝተተናኸፉ ሰባት ምጽናዕን እኹል መወሸቢ ማእከላት ምድላውን የድሊ" ይብል።

ዳይሬክተር ፕሮግራም ደሴታት ፓስፊክ ኢንስቲትዩት ሎዊ ጆናታን ፕሪክ ግን፡ "ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ሓድሕደን መርመራ ኮሮናቫይረስ ከም ዝገብራ ግልጺ ገይረን እየን። ነዚ ድማ ብደረጃ ማሕበረሰብ ከጋጥም ዝኽእል ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ክውገድ ኣለዎ። ስለዚ፡ ጉዳይ ምፍቃድ ምንቅስቓስ ካብ መደባት እዚ ዓመት ወጻእ ዝኾነ እዩ ኢለ ይግምት" ኢሉ።

በዚ ምኽንያት "ናይ ጥዕናን ቁጠባን ቅልውላው" ከም ዘጋጥም ብምግላጽ፡ "ግን ድማ ሃገራት ፓስፊክ ዕጽዋ ምእዋጀን ትክክለኛ ስጉምቲ ነይሩ" ይብል።