ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ ዝበጽሐ ሙሁር ስነ-ገበን

እሱር፣ ሳልሳይ ዲግሪ፣ ሸያጢ ዕጸ ፋርስ፣ ኣቦ . . . ዝብሉ ቃላት ዝተፈላለየ ምስሊ ደቂ-ሰባት ዝህቡ እዮም።
ሓደ ካብዚኦም፡ ብትክክል መንነት ሓደ ሰብ ክነግሩኹም ኣይኽእሉን።
ኩሎም ኣብ ህይወቱ ዝርኣዮም ሰብ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ቃላት ሙሉእ ነገር ክብል ይኽእል።
ስቴፈን ኣክባቢዮ፡ ሸያጢ እጸ ፋርስ ዝነበረን ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣሰረን በዓል ሓዳር ሰብኣይ'ዩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ተማሂሩ ድማ ክሳይ ሳልሳይ ዲግሪ በጺሑ። ታሪኹ ከምዚ ዝስዕብ የዘንትዎ።

ስቴፈን ኣክባቢዮ ክለመንቶውስኪ ይበሃል፤ ሕጹይ ተመራቒ ሳልሳይ ዲግሪ [ፒኤችዲ] እየ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦፕን ስነ-ገበን (ክሪሚኖሎጂ) ይምህር። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከቡ ተማሃሮ እየ ዝምህር . . . እቲ ዝሰርሖ'ውን ይፈትዎ።
ኣብ ሓደ እዋን እሱር ስለ ዝነበርኩ እቲ ሕጂ ዝገብሮ ካብ ውሽጠይ ዝስምዓንን ናይ ልበይን'ዩ።
ኩሉ እቲ ንሓደ እሱር ዝወሃቦ ሽማ ሽምን ንዓይ እውን በጺሑኒ'ዩ፤ ስለዚ ኣነ ክዓቢ ከለኹ ህይወት ኣዝያ ከባድ ነይራ።
ወላዲ ኣቦይ ብሓደጋ መኪና ክመውት እንከሎ ኮተቴ ስለ ዝነበርኩ በዚ ኣዝየ ተጎዲአ እየ።
በዚ ምኽንያት ንዓለም ብጽቡቕን ብሙሉእነት ብቕዓትን ኣይርእያን። ስለዚ ዝረኸብኩዎ ክወስድ ነይሩኒ።
ግን ድማ፡ ብመሸጣ እጸ ፋርስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ከለኹ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣጋጣሚ ነይሩ። ን16 ዓመታት እዩ ተፈሪዱኒ።
ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ዋላ ሓደ ዘዛርቦ ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ኣብ ክሽነ ክሰርሕ ምስ ጀመርኩ ቁሩብ ምስ ገለ ሰባት ተላልየ። ሸዑ'የ ንትምህርቲ ዘለኒ ዓቕሚ ተፈሊጡ።
እቲ ዘለኒ ዓቕሚ ምስ ተገምገመ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፕን ንክምዝገብ የተባብዑኒ።

ግን፡ ሓደ ዓብዪ ማሕለኻ ነይሩ፤ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ነገር። ዝኾነ ዓይነት መረጋገጺ ብቕዓትን ደረጃ ትምህርተይ ዝገልጽ መረዳእታን ከይሓዝኩ'የ ትምህርቲ ኣቋሪጸዮ።
በዚ መጻእየይ የሻቕለኒ ነይሩ፤ ግን ድማ ክፍትኖ ኣለኒ ኢለ ወሲነ።
ኣብ ሰዓታት ቀትሪ እንዳ ክሽነ ይሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፡ ምሸት ጥራይ እየ ከንብብ ዝኽእል። መዳቕስተይ ድማ ሓርናኺ ስለዝነበረ ኣብ ሽቓቕ ኮይንካ ምንባብ ከም ኣማራጺ ወሲደ ኣብኡ የጽንዕ ነይረ።
እቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ተተባቢዐ፣ ተስፋ ረኺበ። ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ምምላስ የለን ኢለ ስነይ ነኺሰ ቀጺለ።
ገሊ እሱራትን ዋርድያታትን፡ ምምሃር ንዝሰራሕካዮ ገበን ዘጥፍእ ኣይኮነን፤ ግዜኻ ኣይተጥፍእ ይብሉኒ ነይሮም።
'እንታይ'ዩ ክገብረልካ? ምእንተ ርእሱ ብገበን ተኸሲስካ ኢኻ ተኣሲርካ ዘለኻ። ገበነኛ ምዃንካ ዝነግር ታሪኽ ከኣ እግሪ እግርኻ ክስዕብ እዩ። ዋላ ተማሂርካ እውን ኣየናይ ትካል እዩ ስራሕ ክቖጽረካ - ስለዚ ስቕ ኢልካ ኣይትድከም' ይብሉኒ ነይሮም።
ኣነ ግን ይልወጥ ከም ዘለኹ ይስምዓኒ ነይሩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፤ ትምህርቲ ከም ዝፈቱ ስለ ዝፈለጥኩ በዚኣ ጥራሕ ተተባቢዐ ክቕጽል ኣለኒ ዝብል እምነት ኣሕዲረ።
ካብቲ ዝተዋህበኒ ፍርዲ ማእሰርቲ 16 ዓመታት ነተን 8ተ ወዲአ ክወጽእ እንከለኹ፡ ቀዳማይ ዲግሪ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ክልተ ብደረጃ ካልኣይ ዲግሪ ወዲአ ነይረ።

ስለዚ ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጻእኹ ምስ እሱራት ዘስርሓኒ ስራሕ ረኺበ። እዚ ብምኽንያት እቲ ዝሓለፍኩዎ ህይወት ዘይኮነ ስለ ዝተምሃርኩ እየ ረኺበዮ።
መምህር ኮይነ ስራሕ ምስ ጀመርኩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኸድኩላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ዝተሰምዓኒ ስምዒት ብቃላት ዝገልጾ ኣይኮነን።
ሰባት ኣነ ፍሉይነት ሃሊዩኒ ዘይኮነ ዝኾነ ሰብ ግን ዝደለዮ ከዐውት ከም ዝኽእል ክፈልጡ እየ ዝደሊ።
ዳርጋ ፍርቂ እቶም እሱራት ዋላ ሓደ መረጋገጺ ብቅዓት ከይሓዙ ትምህርቲ ዘቋረጹ'ዮም። እዚ እንታይ ዓይነት ስምዒት ከም ዝፈጥረልካ ብዝግባእ ይፈልጦ'የ፤ ኣብ ርእሰ ተኣማንነተይ ዝነበሮ ጽልዋ ዝርስዖ ኣይኮንኩን።
እዚ ግን ክትመሃር ዓቕሚ የብልካን ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ሰብ ክልወጠሉ ዝኽእል ተኽእሎን ሓይልን ኣለዎ።
በዚ ስለ ዝሓለፍኩ ይፈልጦ'የ። ዊኒስተን ቸርችል፡ "እንተጽዒርካ ኣብ ልቢ ነብሲ ወከፍ ሰብ ዕቑር ጸጋ ኣሎ" ይብል - ሓቁ እዩ። እነኹ እኳ ኣነ ተቐይረ።
ካብ ቤት ማእሰርታት እንታይ ንደሊ?
ቀንዲ ልኡኽ ቤት ማእሰርታት ንሰባት ምቕጻዕ ድዩ ዋላስ ዝተፈለየ ኣንፈት ለውጢ ምርኣይ?
ሓቂ'ዩ፡ እቲ ፖሊሲ ጥርኑፍ ኣይኮነን። መጽናዕታት ትምህርቲ ገበንን በደልን የጉድል እዩ ይብሉ።
ትምህርቲ፡ እሱራት ዝነበሩ ሰባት ዝተፈልየ መገድን ኣነባብራን ከጥርዩን ክመርጹን ይሕግዝ።
ስለዚ ምስቶም እሱራት ኮፍ ክብል እንከለኹ፡ ንነብሰይ ኣብ ቦተኦም ኣእትየ እየ ዝርእያ።
"ኣነ'ውን ኣብ ናትኩም ቦታ ነይረ'የ፤ ሕጂ ግን ተፈቲሐ ኣለኹ። ካብዚ ወጺአ ጽቡቕ ስራሕ፣ ጽቡቕ ህይወትን ናብራን ኣለኒ" ይብሎም።
ቖልዓ ከለኹ ከማይ ዝበለ እንተዝረክብ ነይረ ብዙሓት ነገራት ዝተፈለዩ ምኾኑ ነይሮም።
ነቶም ምሳይ ዝዓበዩ መዛኖይ ኩነታተይ ክነግሮም እንከለኹ ዝኣምነኒ የለን። ምናልባት እንተዘይእሰር ዛንታይ ካልእ ምኾነ።
ክቕየር ይኽእል'ዩ ኢሉ ዝሓስብ እንተነይሩ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ቁውም ነገር ክገብር ይኽእል'ዩ ኢሉ ዝጽበ ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን። ኣነ እውን ንባዕለይ ቁውም ነገር ክገብር ይኽእል እየ ዝብል ግምት ኣይነበረንን።
ኣብዚ ንክበጽሕ 20 ዓመት ወሲዱለይ። እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
እቲ "እሱር" ዝብል ቃል ተለጣፊ'ዩ። ኣነ ግን ናጽነት ዝረኸበ አእምሮ ኣለኒ።
ክትመሃሩን ክትቅየሩን ዓቕሚ ከም ዘለኩም ኣይትዘንግዑ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍና ሕቡእ ጸጋን ሃብትን ኣሎ። ነብስና ምፍታሽን ጸጋታትና ምልላይን ጥራሕ እዩ ዘድልየና።
ኣብ ቢቢሲ ራድዮ -4 ዝተቃለሐ ዶኩሜንታሪ







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







