ብፍቕሪ ዝምሕሉ ህንዳውያን ዓይነ-ስዉራን

ምንጪ ስእሊ, NIRAJ GERA
ከምቲ ኣብ መብዛሕኡ ዓለምና ዘሎ ኣበሃህላ "ፍቕሪ ዕዉር እዩ"። ይኹን ደኣ እምበር፡ ፍቕሪ ክልተ ዓይነ-ስዉራን'ከ እንታይ ይመስል ይኸውን?
"ፍሉይ ዓይነት ፍቕሪ፡ ደጋዊ ጽባቐ ኣብ ግምት ዘየእተወ ፍቕሪ፡ ክንዮ እቲ ብዓይንኻ ዝረአ ፍቕሪ'ዩ" ይብል ተዓዋቲ ሽልማት ህንዳዊ ሰኣላይ ኒራጅ ጌራ።
ንሱ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘቕረቦ 'ዝተቐደሰ ፍቕሪ' ዝተሰምየ ተኸታታሊ ምርኢት ስእልታት፡ ብ13 ስእልታት ገይሩ ንታሪኽ ፍቕሪ ዓይነ-ስዉራን የዘንቱ።
"ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ደልሂ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ክዓዳድግ ኣብ ዝኸድኩሉ፡ ደስ ዘብሉ መጻምድቲ ርእየ።
ኣእዳዎም ተተሓሒዞም፡ እናዕለሉን ፍሽኽ እናበሉን ብእግሮም ይጎዓዙ ነይሮም " ብምባል ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቶም መጻምድቲ ብሓደ ሰብኣይ ተሓጊዞም ናብቲ መዋፈሪ ባቡር ገጾም ይጎዓዙ ነይሮም።
ኣቶ ጌራ ከምዘስደሞሞ ብምግላጽ፡ "ንመጀመርያ ዓይነ-ስዉራን መጻምድቲ ዝረኣኹሉ ግዜ እዩ ነይሩ" ይብል።
ናብኦም ብምኻድ ናብቲ መዋፈሪ ባቡር ከብጽሖም ከምዝደሊ ገሊጸሎም። "እናተጎዓዝና ከነዕልል ጀሚርና፡ መጻምድቲ እንተ ኾይኖም ምስ ሓተትኩዎም ከኣ እወ ኢሎምኒ"።

ምንጪ ስእሊ, NIRAJ GERA
ዛንታ ህይወቶም ክነግሩኒ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ሓቲተዮም። ንሳቶም ከኣ ሕራይ ኢሎሙኒ፡" ይብል ንሱ።
ዝተቐደሰ ፍቕሪ ዛንታ ናይ ክልተ ብፌስቡክ (ማሕበራዊ ሚድያ) ዝተራኸቡ ደቂ 21 ዓመት ዲፓክ ቫዳውን ኣርቲ ቻውራስያን ዝትርኽ'ዩ።
ናይ ክልቲኦም ምዕቡላት ቴለፎናት ንዓነ ስዉራን ክጥቀምሎም ዝኽእሉ "ኣክሰሲቢሊቲ ኣፕ" ዝበሃል መተግበሪታት ኣለወን ይብል ዲፓክ።
"ነቲ 'ቶክባክ' ዝብል መሳርሒ ምስ ወላዕካዮ፡ ናይ ዘረባ ግብረ-መልሲ ትረክብ" ይብል።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018፡ ስም ናይ ኣርቲ ከም ምልክታ መጺኡኒ ይብል ዲፓክ።
ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ "ብዙሕ ሓባራዊ ነገራት ከም ዘለና ሓሲበ ናይ ምሕዝነት ጠለብ ሰዲደላ" ይብል።
ኣርቲ ክትምልስ ክልተ ሰሙን ምሉእ ወሲዱላ። "ኣይፈልጦን'የ ነይረ፡ ስለዚ መን'ዩ ኢል እሓስብ ነይረ" ድማ ትብል። ድሒራ ግን ተቀቢላቶ።
ቀልጢፎም መልእኽቲ ክጸሓሓፉ ጀሚሮም፡ ተመኩሮታቶምን ካልእ ዛንታታን ምልውዋጥ ቀጺሎም፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ቁጽሪ ስልኮም ተለዋዊጦም።
"ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሓምለ 31 ኢና ተዛሪብና" ዝበለ ዲፓክ፡ "እቲ ዕላል 90 ደቓይቕ ዝወሰደ'ዩ ነይሩ" ይብል።
ቀጻሊ ከዕልሉ ጀሚሮም፡ ሓደ መዓልቲ ኣርቲ ዓርኪ እንተላቶ ሓቲታቶ። "የብለይን ኢሉ፡ እቲ ቦታ ነጻ እዩ" ኢላ እናሳሓቐት።

ምንጪ ስእሊ, NIRAJ GERA
ፍቕራ ክትገልጸሉ ብዙሕ ኣይወሰደላን። እዚ ዝኾነሉ ከኣ ኣብ ዕለት 10 ነሓሰ እዩ ነይሩ።
"ብስልኪ ንዘራረብ ነይርና። ምስ መሓዛይ ኮፍ ኢለ ነይረ 'የፍቅረካ እየ' ኢላ ኣደፋፊራትኒ። ከምኡ ከኣ ኢለ" ትብል ኣርቲ።
ዲፓክ ንሓደ ደቒቕ ዝኸውን ጸጥ ከም ዝበለ'ዩ ዝዛረብ። "ኣነ ክብሎ ዝግብኒ እንድዩ ኢለ ሓሲበ። ከመይ ጌይራ ኢላቶ? ንቁሩብ ግዜ ዝን ኢለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከምታ ናታ ጌረ መሊሰላ።"
ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ዲፓክ ናብቲ እትነብረሉ ሆስተል ከይድዋ ንፈለማ ግዜ ከኣ ተራኺቦም።
ካብታ ግዜ እቲኣ ዲፓክን ኣርቲን ቀጻሊ ክራኸቡ ጀሚሮም፡ ርክብና እናሓየለ መጺኡ ከኣ ይብሉ።
ዲፓክ ክሳብ እዛ ግዜ እዚኣ ዛንታ ፍቕራዊ ሂወቶም ካብቶም ዓቃባውያን ኢሉ ዝጽውዖም ስድርኡ ሓቢእዎ ከም ዝነበረ ይገልጽ።
ኣቦይ "ካብዚ ፍቕርን ፍቕራውነትን ረሓቕ፡ ኣብ መጻኢ ነዚ ዝኸውን ብዙሕ ግዜ ኣለካ። ሕጂ ኣብ መጽናዕትኻን ኣብ ስራሕካን ኣተኲር" ይብለኒ።

ምንጪ ስእሊ, NIRAJ GERA
ኣርቲ ከኣ ብዛዕባ ርክባ ምስ ዲፓክ ብዘይካ ኣቡኣ ኩሉም ስድራኣ ይፈልጡ እዮም ትብል።
ወለዶም ነዚ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ብምስማዕ ብዛዕባ ዝምድንኦም እንተፈሊጦም እንታይ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ሓቲተዮም።
"ክሰስምዕዎ እዮም ኢልና ተስፋ ንገብር" ይብል ዲፓክ።
"መራኸቢ ብዙሃን ንዝምድናና እንተደኣ ከድንቕዎ ተሰሚዕም፡ ንሳቶም እውን ብዛዕባና እወንታ ማተሓሳስባ ክሓድሮም'ዩ ኢለ እሓስብ" ኢላ ትውስኽ ኣርቲ።
እቶም መጻምድቲ ንመጻኢኦም ከውሕሱ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ይርከቡ።
"ሓዴና ስራሕ ኣብ ዝረኽበሉ ግዜ ቀልጢፍና ሕጸ ክንገብር ኢና" ትብል ኣርቲ። "እንተኾነ ግን ቅድሚ ስራሕ ረኺብና ውሑስ ሓዳር ምምስራትናን ከይንኣርግ ከኣ እሻቀል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







