ኤርትራዊ ገዛኢ ነጋሲ፡ ወትሩ ተማሃራይ ገጣማይ እየ

ኣብ ሆላንድ ዝነብር ኤርትራዊ ገጣማይ መንእሰይ ገዛኢ ፍትዊ ብ 1999 ምስ ስነ- ጥበብ ተላልዩ።
ኣብ ውሽጡ ፍቕሪ ግጥሚ እናጠጠዐ ስለዝመጽአ ከኣ ብርዑ ሒዙ ክሓናጥጥ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን ንሃገራዊ ፍቕሪ ዘንጸባርቑ ብዙሓት ግጥምታት ይጸሓፉ ስለዝነበሩ፡ ናይ ካልኦት ግጥምታት ካብ ምድጋምን ምስትምቓርን ሓሊፉ ናተይ ዝብሎምን ንስምዒታቱ ዝውክሉን ግጥምታት ክጽሕፍ ጀሚሩ።
ብግጥምታት ሃይለ ቢዘንን መለስ ንጉሰን፡ ሰለሙን ድራርን ኢሳይያስ ጸጋይን ዝተመሰጠ ገዛኢ፡ ንብዙሓት ናይ ስነ-ግጥሚ ኣፍልጦ ዝነበሮም ካልኦት ይሓትትን፡ መጻሕፍቶም ክህቡዎን ተሞክሮኦም ከካፍሉዎን ይሓቶም ምንባሩ ብምሕባር ንኣበጋግስኡ ይዝክር።
እቶም ብዝጽሕፍዎም ግጥምታት ኣኽቢሩን ንኢዱን ዝቐረቦም ጽሓፍቲ ከኣ ኩሉ ግዜ የተባብዕዎን የበራትዑዎን ምንባሮም ይምስክር። ከምኡ እናበለ ከኣ ምስ ጥበብን ግጥምን ተመሓዝዩ።
ኣብ 2004 ከኣ፡ ዳርጋ ጸኒሓ ንስሙ ብምትካእ 'ሞንኮስየን' ዝብል ሳጓ ንኽለግቦ ምኽንያት ዝኾነት፡ ኣፍልጦ ሕማም ኤይድስ ንምዕባይ 'ምምንኳስ ምሓሸ' እትብል ግጥሚ ገጢሙ።
ቀንዲ መልእኽቲ እታ ግጥሚ፡ ክትጥንቀቕ ዘይትኽእል እንተኼንካ፡ ካብ ብስቓይ ትልከፍ፡ ንኻልኦት ትለክፍ፡ ተለኻኺፍካ ትረግፍ፡ "ሓዳርን ፍቕርን ይትረፍካ፡ ምምንኳስ ይሓይሽ" ዝበሃለሉ እዋን ብምንባሩ ነታ ግጥሚ ከም ዝጸሓፈ ይነግር።
ገዛኢ ሓያሎ ናይ ፍቕሪ ግጥምታት እውን ጽሒፉ እዩ። ምስተሰደ ከኣ ንውሽጣዊ ስምዒታቱ ዝገልጽ: "ከይደ" እትብል ብኸምዚ ስዒቡ ዝቕረበ እትንበብ ስምዒታዊት ግጥሙ ጽሒፉ።
ከይደ ናበይ ምዃነይ ግን እንድዒ
ከይደ እግረይ ናብ ዝመርሓኒ
ከይደ ይበፅሖ'ዶ ኣይበፅሖን
ከይደ ይኾኖ'ዶ ኣይኮነን
እንድዒ ምልክት ሕቶ?
እንድዒ ንዘይፈልጦ
ግን ከይደ….
ንስድራይ ንሃገረይ ንድሕረይ ሂበ
ከይደ….
እምለስ'ዶ ምስ ስኒትን ፍቕርን
ይምለስ'ዶ ባህ እናበለንን እናተሓጎስኩን
ከይደ …ምምላሰይ ግን እንድዒ
ክገድፈሉ ንፈጣሪ! እትብል ነይራ።

ዘድንቖም ስነ-ጥበባውያን
ገዛኢ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ገጠምቲ ነናቶም ብልጫን ፍሉይነትን ከም ዘለዎም ብምእማን ዝተፈላለየ ገጻት ህይወትን፡ ዕምቆት ጥበብን ስለዘርእዩኻ ሃብቲ እዮም ይብል።
ንግጥምታት መለስ ንጉሰ፡ በየነ ሃይለ፡ ሰሎሞን ድራርን ኣስመሮም ሃብተማርያምን ከምዝመራመረሉን ከምዝመሃረሉን ይሕብር። ናይ መምህር ተኽለ ተኸስተ 'ማትሪክ ኮይንኪ ምጽኒ' እትብል ግጥሚ ግን ፈጺሙ ከም ዘይርስዓ ይዛረብ።
እታ ግጥሚ ንዓለም ዝገጠመላ እያ። "ብኹሉ ፈትንንኒ፡ ብድላይኪ ምጽኒ!" ዝብል መልእኽቲ ኣለዋ" ክብል ድማ ይዝክራ።
ገጣሚት ሳባ ኪዳነ ብዛዕባ ሓደ ነዲኡ ልመና ከብርያ ናብ ጎደና ዝወጽአ ብላህጅኡ ዝልምን ሕጻን ዝጸሓፈታ ግጥሚ እውን ኣብ ዝኽሩ ኣላ። እቲ ቖልዓ፡ ኣብ ክንድቲ እቲ ሓላፍት ዘይተሰምዖ ኣቡኡ ኮይኑ፡ ነዲኡ ከብርያን ክብሪ ክህባን ዝፈተነ ሕጻን ከምዘይርስዖ ይዛረብ።
ገዛኢ፡ ካብ ኤርትራ ምስ ወጽአ፡ ኣብ ደገ ምስ ብዙሓት መንእሰያት ገጠምቲ ተራኺቡ'ዩ።
ስለዝኾነ ናይ መኖም ግጥሚ ደስ ይብለካ? ምስተባህለ፡ ካብ ነብሲ ወከፎም ሓሓደ ግጥሚ ከም ዝመርጽ'ዩ ዝዛረብ። "ግጥሚ ንስኻ ከም እተረዳእኻዮ እዩ" ዝብል እምነት ከኣ ኣለዎ።
ኩሎም እቶም መቐይሮ ህይወተይ እዮም ዝብሎም ገጠምቲ፡ በብደረጅኦም እንታይ ከም ዝጽሕፍ መገዲ ስለዘርኣዩዎ ኣብ ህይወቱ ዓቢ ለውጢ ከምዘለዎም የረድእ።
ገዛኢ ዝተፈላለየ ግጥምታት ጸሒፉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዩ ዝዝርግሖም። "ተኾነን እንተዝብለካ" ንእትብል ግጥሙ ከኣ ብፍሉይ ይዝክራ።
'ተኾነን እንተዝብለካ!'
ተኾነን እንተዝብለካ ብሰማይን ምድርን
ተኾነን እንተዝብለካ ካብ ስኒትን ፍቕርን
ተኾነን እንተዝብለካ ካብ ፍትሕን ሰላምን
ተኾነን እንተዝብለካ ካብ ህድኣትን ቅሳነትን
የብርስካ ከም ሱር ቆልቋል
የብርስካ ከም 'ዳይኖሰር'
እንተዝብለካ ከም ሕሱም ረጋሚ
ክትጸንት ከየትረፍካ ዘርኢ
ተቐንዘዎ ከምቲ ዝቕንዘዎ፤ ኩኖ ዝኾንክዎ
እንተዝብለካ፡ ካብቲ ኣካይዳኻ እንታይ ለውጢ ኣለዎ? እያ ትብል።
ገና ነዊሕ ጉዕዞ ዝጽበየኒ ተማሃራይ ገጣማይ እየ ዝብል ገዛኢ፡ግጥመታቱ ውሽጣዊ ስምዒቱ ክገልጽ ስለዝፈቐድሉን ቃንዝኡ ስለዘፋኹሱሉን ሕጉስ እዩ። " ክስመዓኒ ወይ ክነብዕ ከለኹ፤ ብውሽጣዊ ንብዓተይ ስለዝገጠምክዎ ንዓይ ይገልጸኒ እዩ።" ክብል ብዛዕባ ግጥሙ ይዛረብ።
ገጣማይ ገዛኢ፡ ነታ "ተኾነን እንተዝብለካ" እትብል ግጥሙ ከብርህ እንከሎ፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ካብ ፍቕሪ ወላዲ፣ ስድርኡ፣ ሃገሩ፣ ፀሓይን ንፋስን ዓዱ ተኾኒኑ'ዩ ዘሎ። "ሰብ ብምርጭኡ ኣይኮነን ዝስደድ፤ ፈትዩ ኣይኮነን ዓዱን ስድርኡን ገዲፉ ዝኸይድ። ተገዲዱ እዩ።
ስደት ዝምረጽ ነገር ኣይኮነን። ደሓን ኩኑ ከይበልካ፡ ከይተሰናበትካ ኢኻ ትወጽእ። ነቶም ትፈትዎም ገዲፍካ ክትወጽእ እንከለኻ ከኣ ኣኺሉካ ተኾኒንካ ኣለኻ ማለት'ዩ" ይብል።
ብዛዕባ ህይወት፣ ስደት፣ ፍቕሪ፡ ሓዳር፡ ንእስነት ዝጸሓፎም ብዙሓት ግጥምታት ከምዘለውዎ ዝነግር ገዛኢ፡ ግጥሚ ንስኻ ንዝኾንካዮ ኩሉ እትገልጸሉ መገዲ ከም ዝኾነ ይኣምን። "ግጥሚ ኣይትሓሱ እዩ ዝብል፤ ክትሕሱ እንተፈቲንካ ትስእኖ። ከምቲ ዘለዎ ክትጽሕፎ ኢኻ ትግደድ" ይብል።
ትነብዕ እንተሃሊኻ ትነብዕ፤ ጽንዓት ይስመዓካ እንተልዩ ብጽንዓት ትዛረብ፤ ዝሰኣንካዮ ነገር እንተሃልዩ'ውን ነቲ ትስእኖ ዘለኻ ንኽትዛረቦ ይሕግዘካ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ግጥሚ ንኹሉ ሰብ ብዝርድኦ ቋንቋን ኣበሃህላን ክጸሓፍ ዝበለጸ እዩ። "ንዓይ ድማ መስተንፈሲየይ እዩ። ሕርቃነይን ሓጎሰይን እገልፀሉ።" ክብል ነቲ ዓውዲ ዘለዎ ዓሚቚ ፍቕሪ ይገልጽ።
ኣበርክቶ ፍልጠት ቋንቋ ኣብ ግጥሚ
ገዛኢ ኣብ ርሑቕ ገጠር እዩ ዓብዩ። ገጠራት ኤርትራ ከኣ ብባህልን ቋንቋን ሃብታም እዩ። ክኢላ ቋንቋ እየ እኳ እንተዘይበለ ኣብ ሕምብርቲ እቲ ያታም ልምድን ህዝቢ ስለዝዓበየ ኣብ ዕድመኡ ብዙሕ ኣዋህሊሉ እዩ።
ይኹን እምበር ትግርኛ ብገሊኦም ሰባት ክዝረብ እንከሎ፡ "ኣብ ትግርኛ ማዕረ ክንድዚ ብቕዓት ዘለዎኸ ኣሎ ድዩ? ኢለ ዝዛረበሉ መዓልቲ'ውን ኣሎ" ይብል ወትሩ ተማሃራይ ምዃኑ ብምግላጽ።
ከም ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝተኾለፈ'ዩ ዝዛረብ።
"ሕልመይ ገና እናረኣኽዎ ሓሪሩ፤ ዕደለይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቀምሲሉ። ተስፋ ስለዘይተርፍ በቲ ዝኽእልኦ ክነብር እቃለስ ኣለኹ።" ይብል ሓቦ ብዝመልኦ መንፈስ።
"ስነ ጥበባውያን ናይ ዓለም መምህራን እዮም" ዝብል ርድኢት ዘለዎ ገዛኢ፡ ብጥበቦም ፍቕርን ሕውነትን ጽንዓትን ትብዓትን ከዐምብቡ ይምሕጸን:




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







