ኮሮናቫይረስ፡ "ሞት ፈሪሕካ እናሃለኻ ኣይትመውትን ኢኻ" ኤርትራዊ ዶ/ር ብእምነት ኣብርሃ

ኤርትራዊ ዶ/ር ብእምነት ኣብርሃ
መግለጺ ስእሊ, ኤርትራዊ ዶ/ር ብእምነት ኣብርሃ

ሃገረ ሽወደን፡ ነዚ ኣብ ዝኽሪ ህሉው ወዲ ኣዳም መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ቅልጣፈን ቁጠዐን ንዓለም ዘንቀጥቀጠ ኮሮና ቫይረስ፡ 'ምክልኻል ብዕጥቂ ሓበሬታ' ብዝዓይነቱ ምናልባት እውን 'ዝወሰደ ወሲዱ ይተዓረቐና' ብዝብል ኣተሓሳስባ ክትርጎም ዝኽእል ኣገባብ እያ ገጢማቶ። ካብ ኣስታት 10 ሚልዮን ብዝሒ ህዝባ ኣስታት 5ሽሕ ሰባት ምስሞቱዋ ፖለቲከኛታታ ሕቶ ኣልዒሎም።

"ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ከምቲ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳን ምዕራብን ዝገበረኦ፡ ንኮቪድ-19 ብምሉእ ዕጽዋ ዘይመከተቶ' ዝብሉን፡ እቲ 'ምክልኻል ብዕጥቂ ሓበሬታ' ዝብል ንቑጠባን ጥዕናን ዘመዛዝን ዝተወስደ ኣገባብ እዩ እቲ ዝሓሸ ዝብሉን ኮይኖም ይካትዑ ኣለው። ነቲ ዘሎ ምጉትን ክርክርን ንኪገልጽ ከኣ'ዩ ዶ/ር ብእምነት፡ " እቲ ክትገብሮ ትኽእል እናገበርካ ደኣ ኢኻ ነቲ ቫይረስ ክትገጥሞ ዘለካ እምበር፡ ብምሒር ፍርሒ፡ እንዳሃለኻ ኣይትመውትን ኢኻ" ዝበለ።

ሓቢሩዎ ኣብ መኣዲ ዘተ ዝነበረ፡ ምሁር ፖለቲካን ሕግን፡ ሙሴ ኤፍረም ግን፡ እቲ ዝተወስደ ኣገባብ ምክልኻል " ጭሕምን ደሊኽን ሰብኣይን ጸሊእክን" ዝዓይነት እዩ። ቁጠባ ሃገር ንከይህሰ፡ ነቲ 'ምክልኻል ብዕጥቂ ሓበሬታ' ዝብል ኣገባብ እኳ እንተተወስደ፡ ካብቶም ሓሙሽተ ሽሕ ዝሞቱ፡ እቶም ክልተ ሽሕ ኣብ መእለይ ዓበይቲ ዝነብሩ ኣረግቶት ስለዝኾኑ፡ ኣብቲ ትካላትን ኣብቶም ንዓበይቲ ዝኣልዩን ሰባት ፍሉይ ጥንቃቐ ዘይምግባሩ ከም ፍሽለት ከምዝርእዩ እዩ ዝዛረብ።

ዶ/ር ብእምነት ኣብርሃ
መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ብእምነት ኣብርሃ

እዚ ኣብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ፡ ኣብ ቻይና ተራእዩ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ቐቲሉ ዘሎ ቫይረስ፡ ክሳብ ሕጂ ዝርገሐኡ ኮነ መጥቃዕቱ ኣይነከየን ዘሎ። ካብታ ውሑድ ዝብዝሒ ህዝባ ሃገረ ሽወደን ኣስታት 5ሽሕ ሰባት ምስ ሞቱ ከኣ'ዩ ኣብታ ሃገር ዛዕባ ኮይኑ ዘዛርብ ዘሎ።

ኣብ ሃገረ ሽወደን እቶም ቀዳሞት ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ሶማልያውያን እዮም። ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 20 ካብ ሕብረተሰብ ሶማል ከምዝሞቱ እዩ ዝንገር። ካብቶም ድሒሮም ዝሰዓቡ እውን እቶም ዝበዝሑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ዝኣተው ስደተኛታት እዮም።

ንመላእ ዓለም ብሓደ ድምጺ ዘዛረበን ተመሳሳሊ ኣገባብ ስጉምቲ ክወስዳ ዘገደደን ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሽወደን ምስ ኣተወ ሞያውያን እታ ሃገር፡ "እንታይ ምስ ዝግበር'ዩ ህዝቢ ብሞራልን ቁጠባን ከይተጎድአን ናይ ምንባር ሸውሃቱ ከየጥፍአን ነዚ ለበዳ ክገጥሞ ዝኽእል" ኢሎም ተዛትዮም ከምዝወሰኑዎ እዮም ሙሴን ብእምነትን ዝገልጹ።

" ንዝኾነ እትወስዶ ስጉምቲ፡ ዘኽፍለካ ዋጋ ፈሊጥካን ገሚትካን እንተኣቲኻዮ ጸገም ኣይኮነን" ዝብል ዶ/ር ብእምነት ኣብቲ ሽወደን ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ሓደ ሓደ ክግበር ዝግበኦ ዝነበረ ዘይተገብረ ነገራት እኳ እንተሎ እቲ 'ምክልኻል ብዕጥቂ ፍልጠት' ዝብል ኣገባብ ግን ግጉይ ዘይምዃኑ እዩ ዝዛረብ።

ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳን ምዕራብን፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኢጣልያ፡ ፈረንሳ፡ ስፐይን እቲ ለበዳ ምስ ኣተወን ብቕልጡፍ ዶባተን ዓጽየን፡ ኩሉ ንጥፈታትን ምንቅስቓስ ሰባትን ከልኪለን፡ ብምሉኡ እቲ ሕብረተ-ሰብ ከምዝውሸብ እየን ገይረን። እቲ ንሳተን ዝተኸተለኦ ፖሊሲ ምክልኻል ኮቪድን ሽወደን ዝተኸተለቶ ኣገባብ ምክልኻልን፡ ጸኒሑ ብሞያውያን ክጽናዕ እኳ እንተለዎ፡ " ካብ ዓሰርተ ሚልዮን ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ክሞቱኻ ግን ቀሊል ኣይኮነን" ይብል ሙሴ ኤፍረም።

ሙሴ ኤፍረም

ብሓፈሽኡ ግን ሽወደን፡ "ንደቂ ሰባት፡ እቲ ክገብሩዎ ዘለዎም ጥንቃቐ ኢኻ ክትነግሮም ዘለካ እምበር ብህጹጽ ኣዋጅ ምንቅስቓስ ክትድርቶም ግቡእ ኣይኮነን" ዝብል ርእይቶም ከምዘለዎም ዘሕብር ሙሴ፡ ንቑጠባ ጥዕናን ዘመዛዝን ምክልኻል ኮቪድ ቀሊል ዘይምንባሩ እዩ ዝዛረብ።

እቲ "ምክልኻል ብዕጥቂ ሓበሬታ" ዝብል ኣገባብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ህዝቢ ሽወደን፡ ካብ ዝኾነ ኣኼባታት ክቑጠብ፡ ምትእኽኻብ መርዓን ቀብርን ከወግድ፡ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም መሰረታዊ ኣገባብ ምክልኻል ዝቖጽሮ ጽሬትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ዝብል መምርሒ ብምልኡ ክትግበር ይእዝዝ። ዋላ እውን ቖልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ እንተዘይበኾሩ፡ ምስቶም ቀንዲ ግዳያት እቲ ቫይረስ ክኾኑ ዝኽእሉ ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ዕደመ ዝደፍኡ ስድራ-ቤትን ምትሕቚቓፍ ከወግዱን ይመክር።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ብሬሾ ክረአ እንከሎ እቶም ካብ ኣፍሪቃን ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ዝመጽኡ ስደተኛታት ብብዝሒ ይህሰዩ ከምዘለው ድሮ ብጸብጻባት ተረጋጊጹ እዩ።

እቲ ተሪፉ ዘሎ ስለምንታይ ንሳቶም ብዝያዳ ግዳያት ይኾኑ ዝብል እዩ። ንዕኡ ከኣ ምስ ድሕረ ባይተኦም ዝተኣሳሰር፡ ንኣነባብረኦም፡ ንቁጠባዊ ትሕዞኦም፡ ኣብ ኣባይቲ ተጨቓጪቕካ ምንባር፡ ኣብ ጉልበታዊ ዕዮን ሓደጋ ኮቪድ ኣብ ዘለዎ ትካላትን ስለዝሰርሑን ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ሞያውያን ገምገምቲ ዝዛረቡ።

ሽወደን

ዶ/ር ብእምነት እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ዘለዎ። ነቲ ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ማይኖሪቲ ሶማላውያን አሕዋትን ሓበሻን ዘጋጠመን ዘጋጥም ዘሎ ሞት ኮቪድ እውን ካብኡ እዩ ዝብገስ።

ንኣብነት፡ ሶማላውያን፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን ደቂ ላቲን ከምኡ እውን ኤሽያውያን ስደተኛታት ሓደ ሰብ እንተሓሚሙዎም ክሳብ ሸውዓተ ኮይኖም እዮም ሒዞም ንሆስፒታል ዝጎዩ። ኣብ ሓንቲ ሩም ኮይኖም ከኣ የተሓምምዎን ክበጽሑዎም ንዝመጽኡ በጻሕቲ ይቕበሉን። እዚ ዓይነት ባህሊ እዚ ኣብ ንቡር እዋን ቅቡል እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ ዝንህረሉ ዘሎ እዋን ግን ምትእኽኻብ ሰባት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ሞትን ቅዝፈትን እዩ።

ስለዝኾነ ይብል ዶ/ር ብእምነት እቲ ቀንዲ ሕማም ናይ ምክልኻል ጥበብ ንባህርን ጠባይን እቲ ሕማም ብዝግባእ ፈሊጥካን ኣጽኒዕካን ብሞያውያን ዝወሃበካ ምኽርን ሓበሬታን ምኽባር እዩ ይብል። ስለዚ ምትእኽኻብ ዝጸልእ ሕማም እንተመጺኡ፡ ምስ ሓደ ሕሙም ኣብ ሓደ ሆስፒታል ክትተኣኻኸብ ኣይግባእን እዩ ክብል ምኽሩ ይልግስ።

ሙሴ ኤፍረም እውን ንጉዳይ ምኽንያት ሞት ውሁዳን ብዝምልክት ቅድሚ ኮቪድ ምምጽኡ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ እውን መብዛሕትኦም ስደተኛታት ግዳያት ሕዱር ሕማማት ሽኮርን ብዝሒ ደምን ካልእን ምዃኖም ብምግላጽ እዞም ውሁዳን ነቲ ዝወሃቦም ሓበሬታን መምርሕን ብዝግባእ ክከታተሉዎ ከምዝግባእ ይሕብር።