ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ሃገራት፡ ኣብ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ጽልዋ ይህልዎ'ዶ?

ኣብ ማሊ ኣብ መግሃጫ ፋሕ ዝበላ ከብቲ

ምንጪ ስእሊ, MICHELE CATTANI

ውዑይ ኩነታት ኣየር ንኮሮናቫይረስ ክዓግቶ ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኩለን ሃገራት ምስ ምዝርግሑ፡ እቲ ተስፋ ዝሃፍፍ ዘሎ ይመስል፡ እንተኾነ ሓደሽቲ ዝግበሩ ዘለዉ መጽናዕትታት ጭልምልም ዝብል ተስፋ ዝሓዘሉ ይመስሉ።

ኮሮናቫይረስ ወቕታዊ ድዩ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ሕጂ ዝውሃቡ ግምታት ናብ መደምደምታ ዘብጽሑ ቅኑዓት መንገዲ ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ምኽንያቱ ኮሮናቫይረስ ወቕታዊ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቦታታት ንሓደ ዓመት ምሉእ (ንኹሎም ወቕትታት) ምክትታልን ምምዝጋብን የድሊ።

ከም ኣካል እቲ ዓመት ክወስድ ዝኽእል መጽናዕቲ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ዝርገሐን ኣብ ነብሲ ወከፍ ኪለማዊ ለውጥታት ምግላጽ ሓደ ነገር ከትሕዘና ይኽእል እዩ።

ክሳብ ሕጂ ዘለዉ መርትዖታት እንታይ እዮም?

ክሳብ ሕጂ ዘሎ መርትዖ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ደረቕ ዛሕሊ ዘለዎ ዞባታት፡ ዝያዳ ዝዓመረ ከምዝኾነ ክርኣይ ይከኣል።

ሓደ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ እተን ዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ተጠቒዐን ዘለዋ ሃገራት (ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተገበረ መጽናዕቲ)፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኩነታት ኣየር ናይተን ሃገራት ዛሕሊ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ።

ፖሊስ ብብሽክለታ ንዝንቀሳቀስ ደው ኣቢሎም እናሓተትዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልእ፡ ኣብ ልዕሊ 40 ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ነበርቲ ዝተረኽብወን 100 ከተማታት ቻይና ዝተገበረ መጽናዕቲ'ውን ፡ ልዑል ሙቀትን ራህድን (ራሕሲ) ዘለወን ከተማታት፡ ውሑድ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ከምዝተራኣየን የመልክት።

ሳልሳይ ዝተገበረ መጽናዕቲ እውን፡ ክሳብ 23 መጋቢት ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብተን ብተዛማዲ ዝሑልን ደረቕን ኩነታት ኣየር ዘለወን ሃገራት፡ ልዑል ምንባሩ ይገልጽ።

እንተኾነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 'ሎንዶን ስኩል ኦፍ ሃይጂን ኤንድ ትሮፒካል መዲስን' ዝርከቡ ተመራመርቲ ግን፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኩሉ ዓይነት ክሊማ ዘለወን ሃገራት ድሮ ተዘርጊሑ ስለዘሎ 'እዚ ቫይረስ ኣብ ደረቅ ዛሕሊ ዘለወንን ራህዲ ዘለዎን፡ ዝያዳ ዝርገሐ ኣለዎ ምባል ህዉኽ መደምደምታ ከይኸውን ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም ኣለዉ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ንፍቀ ክቢ ዝተፈላለየ ዝርገሐ ድዩ ዘለዎ?

'ፉሉ' ዝርከቦም ሓያሎ ቫይረሳት፡ ኣብ ወቕቲ ዝተመሞርኮሱ ኮይኖም ኣብ ደቡባውን ሰሙናውን ንፍቀ ክቢ ዝተፈላለየ ዝርገሐ እዩ ነይርዎም፡ እንተኾነ እተን ኣብ ቅናት ምድሪ ዝርከባ ሃገራት፡ ካብ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ንፍቀ ክቢ ዝርከባ ሃገራት ዝተፈለየ ተርእዮታት እዩ ዘለወን።

ኣብ ቅናት ምድሪ ዝርከባ ከም ማሌዥያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝኣመሰላ ዋዕን ራህድን ዘለወን ሃገራት፡ እሞ ድማ ድሮ ኮሮናቫይረስ እውን ኣትይወን ስለዘሎ፡ ንወቕታዊ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት፡ ኣብዘን ሃገራት እንታይ ክመስል ይኽእል፡ ንምግማቱ የጸግም እዩ።

ኮሮናቫይረስ ዋላ ወቕታዊ ይኹን፡ ከምዝሓለፉ ቫይረሳት፡ ኣብዘን ሃገራት ዝተፈለየ ክስተታት ከየጋጥም ከም ነጥቢ ክቕመጥ ዝቕስብ እዩ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ቦንዲ ዝብሃል ገምገም ውቕያኖስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ቦንዲ ዝብሃል ገምገም ውቕያኖስ

ናብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዝርከባ ሃገራት ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ገጽና ምስ እነብል ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ክረምተን እዩ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ተርእዮታት ኮሮናቫይረስ ተቐላቂልወን፤ ምስ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዝርከባ ሃገራት ብምዝማድ ድማ፡ ዝወሓዱ ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓዙ ሰባት እዮም ዘለዉወን።

ነዚ ምሉእ መደምደምታ ንምሃብ ግን፡ ከም ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ዝነብሩ በዝሒ ህዝብን ካልኦት ረቛሒታትን ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ቫይረስ ኣብ ኩሉ ዓለም ይረአ ስለዘሎ ኸኣ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሃገርን ዞባን ምስ ዝህሉ ምልውዋጥ ናይ ወቕቲ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝህልዎ ምትእስሳር፡ ውርጹጽ (ርጉጽ) መደምደምታ ምሃብ ታህዋኽ እዩ።

ካልኦት ኮሮናቫይረስከ ወቕታውያን ድዮም ነይሮም?

ቅድሚ ሕጂ ተራእዮም ካብ ዝነበሩ ኮሮናቫይረሳት ዝያዳ ኣብ ሓጋይ ዝልዓለ ዝርገሐ ከምዝነበሮም፡ ኣብ 'ሎንዶን ስኩል ኦፍ ሃይጂን ኤንድ ትሮፒካል መዲስን' ዝርከቡ ተመራመርቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ይሕብር።

እዞም ተመራመርቲ ንልዕሊ 2000 ሰባት ዝምላእ መሕትትን ብምሃብ፡ ካብ ኣባላት ስድረኦም ዝኾነ ምስ ምስትንፋስ ዝተኣሳሰር ጸገማት እንተ ኣጋጢምዎም፡ ቅምሶ ናብቶም ተመራመርቲ ክልእኹ እዮም ሓቲተሞም።

ብድሕሪ እዚ ነቲ ዝተለኣኸሎም ቅምሶ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነታት ቫይረሳት፡ መርመራ ገይረሙሉ።

በዚ መሰረት፡ ብዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝብገሱ ሕማማት፡ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ዝያዳ ከምዝርኣዩን፡ ኣብ ክረምቲ ዝውሓደ ዝርገሐ ከምዘለዎምን፡ እዞም ተመራመርቲ ናብ መደምደምታ ከምዝበጽሑ ይሕብሩ።

ሓንቲ ካብዞም ኣብ 'ሎንዶን ስኩል ኦፍ ሃይጂን ኤንድ ትሮፒካል መዲስን' ዝርከቡ ተመራመርቲ ኢለን ፍራንጋዚ ኮይና፡ ዝርገሐ ካልኦት ቫይረሳት ኣብ እዋን ክረምቲ ትሑት ምዃኑ እፎይታ ዝፈጥር እዩ፡ እንተኾነ እዚ ሓዲሽ ኮቪድ-19 እንታይ እዩ ክመስል ብኣንክሮ ኢና ንከታተሎ ዘለና" ትብል።

ኢለን ፍራንጋዚ ብምስዓብ፡ ቅልጡፍ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስን ሸፊንዎ ዘሎ ቦታን ኣብ ግምት ብምእታው ግን "ተስፋታትን ከነዕቢ የብልናን" ትብል።

እዚ ሓዲሽ ኮሮናቫይረስ'ከ ከምቶም ካልኦት ኮሮናቫይረሳት ድዩ?

እዚ ሳርስ ኮቭ-2 ዝብሃል ኮቪድ-19 ዝብሃል ሕማም ዘኸትል ኣብ ምትሕላላፉ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ቫይረሳት እዩ።

እቲ ፍሉዩነቱ ርዝነት ናይቲ ሕማም ክሳብ ክንደይ'ዩ፡ ከምኡ እውን ብዝሒ ናብ ሞት ዘቃልዖም ሰባትን እዩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምፕተን ዶክተር ሚካኤል፡ እዚ ሕጂ ዝላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣገባብ ኣመዓባብልኡን ዝፈጠሮ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋን ኣብ ግምት ብምእታው " እዚ ቫይረስ፡ ካብቶም ሰዓል ዘኸትሉ ዓይነት ቫይረሳት ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ" ይብል።

"ኮቪድ-19 ከምቶም ካልኦት ምስኡ ዝመሳሰሉ ኮሮናቫይረሳት ኣብ ክሊማዊ ለውጢ፡ ወቕቲ፡ ዓቀን ሙቐትን ራህድን ይምርኮስ ድዩ ንዝብል፡ ዓለም መልሲ ክትረኽበሉ ሃንቀው ትብል ዘላ ሕቶ ንምላስ ግን፡ ዘገም ኢልካ ምርኣይ ከድሊ'ዩ" ዝብል መልሲ እዩ ዘለዎ።

ኮሮና
ኮሮና