'ቻይና፡ ዝዓበየት ስግኣት ናጽነት እያ' በዓል መዚ ስለያ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ላዕለዋይ በዓል መዚ ስለያ ኣመሪካ፡ "ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ ቻይና ስግኣት ናጽነትን ዴሞክራስን'ያ" ኢሉ።
ጆን ራትክሊፍ ንዎል ስትሪት ኣብ ዝጽሓፎ፡ ቻይና ሚስጢራት ኣመሪካ ብምዝማትን ትካላት ኣመሪካ ኣብ ዕዳጋ ብምትካእን እያ ሓይላ ክተዕቢ ክኢላ ኢሉ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ቻይና ቐረጽ ብምድንጋግን መሰል ዋንነት ዘሚታ ዝብል ክሲ ብምቕራብን ከቢድ ስጉምቲ ክወስድ ጸኒሑ'ዩ።
ቻይና ኣብዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ መልሲ የለን።
ይኹን'ምበር፡ ካብ ኣመሪካ ንዝመጽኣ ጸቕጢ ቐረጽ ንግድን ኩባኒያ ቴሌኮም ሁዋዌ ካብ ዕዳጋ ኣመሪካ ንምውጻእ ንዝነበረ ጸቕጥን ምላሽ ሂባትሎም'ያ።
ቻይና፡ ምስ ኣመሪካ ንምጉናጽ፡ ንዓለም "ብቑጠባ፣ ወተሃደራውን ቴክኖሎጂካውን" ክትቆጻጸር ምድላው ክትገብር ጸኒሓ ይብል ራትክሊፍ።
ኣብዚ እዋን፡ ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ኣውስትራልያ ቐረጽ ብምቕማጥ፣ ከተማ ካንቤራ ባህርያታ ክትቕይር ኣለዋ ብማለት፣ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዘለዎ ተራ ብምትኹታኽ፡ ንመሓዛ ኣመሪካ ጸቕጢ ትገብር ምህላዋ ይግለጽ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ኣመሪካ ራትክሊፍ፡ ቻይና፡ ንሩስያ ብምትካእ ቀንዲ ሕምብርቲ ምንቅስቓስ ስለያ ኣመሪካ ጸረ-ሽበራውያን ክኸውንን ትደሊ ኣላ ኢሉ።
መመንጨዊ ጸዓት ዝኾነ ኩባንያ ቻይና ካብ ተመሳሳሊ ትካል ኣመሪካ ብምስራቑ ገበነኛ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ፡ እቲ ኩባንያ ኣመሪካ ድማ ዋግኡ ብምስኣን ሰራሕተኛታት ክሰጉግ ምግዳዱ ብኣብነት ብምጥቃስ፡ ቻይና፡ "ምስራቕ፣ ምቕዳሕን ምትካእን" ብዝብል ቑጠባዊ ስለያ ክተካይድ ጸኒሓ'ያ ይብል።
ዋጋ መሰል ዋንነት እዚ ኩባንያ 500 ቢልየዮን ዶላር ኮይኑ፡ በብዓመቱ ይዝመት ከም ዝነበረ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ኤፍቢኣይ፡ መጽናዕቲ እዚ ኩባንያ ንዝሰረቑ ቻይናውያን ክኣስር እንከሎ፡ ቻይና ድማ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቀይዲ ንዝውዓለ ንሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ኬምስትሪ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ወርሓዊ 50 ሽሕ ዶላር ክትኸፍሎ ጸኒሓ'ያ።
ሓላፊ ትካል ስለያ ኣመሪካ ራትክሊፍ፡ ትካላት ስለያ ቻይና ከም ሁዋዌ ብዝበሉ ኩባንያታት ምስ መንግስቲ ቻይና ርከብ ስለዘለዎም፡ ምስ ኩባንያት ኣመሪካ ተሻሪኾም ክሰርሑ ከምዘይብሎም ኣጠንቂቑ።
ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ዘነጻጸረ "ጽዑቕ ጎስጓስ" ተካይድ ነይራ እያ እቲ ሓላፊ፡ እዚ ድማ "ልዕሊ ሽዱሽተ ዕጽፊ ሩሲያ፤ 12 ዕጽፊ ኢራን" እዩ ክብል ገሊጹዎ።
ካልኦት ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከም ዝገጠመን ራትክሊፍ ተዛሪቡ።
ምምሕዳር ትራምፕን ቻይናን
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ምስ ቻይና ናብ ወጥሪ ኣትያ'ያ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ነንሓድሕደን ቢልዮናት ዶላራት ኣብ ልዕሊ ዘውጽኡ ኣቑሑት ቐረጽ ኣንቢረን፤ ኣዝዮም ዝተራቐቑ ኣብ ዝበልዎም ምህርታት ሰደድ'ውን ጥቡቕ ቑጽጽር ክግበር ኣዚዘን'የን።
ብሓሙስ ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ ምስ ሰራዊት ቻይና ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ኣርባዕተ ትካላት ቻይና ኣብ ዝርዝር ዘይእሙናት ትካላት ክኣትው ገይሩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ኣመሪካ ኣብ ሆስቶን ዝነበረ ቆንስል ቻይና ንክዕጾ ክትእዝዝ እንከላ፡ ቻይና ብወገና ኣብ ከተማ ቼንጉዱ ዝነበረ ቖንስል ኣመሪካ ክዕጾ ኣዚዛ። ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ጋዜጠኛታት ሰጒገን'የን።
ብኻልእ ወገን፡ ክልትኣዊ ዝምድና እዘን ሓያላት ሃገራት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክሕርፍፍ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ "ቫይረስ ቻይና" እናበለ ንቻይና ይኸስስ።
ብተወሳኺ ኣመሪካ ኡግሁር ንዝብሃሉ ዓሌት ሙስሊም "ዘስካሕክሕን ስልታውን" ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትፍጽመሎም'ያ ብምባል ንቻይና ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ፖለቲከኛታት ማዕቀብ ኣንቢራ።
ቻይና፡ ኣብ ዞባ ዢንጃንግ ንዝርከቡ ውሑዳት ዓሌት ኡግሁርን ካልኦትን ብብዝሒ ብምእሳር፣ ሃይማኖታዊ ስቅያት ብምፍጻምን ኣገዲድካ ብምምካን እንተተኸሰሰት፡ ቻይና ግን ነዚ ኹሉ ትነጽጎ።
ምምሕዳር ተዓዋቲ መረጻ ኣመሪካ ጆ ባይደን'ውን፡ ምስ ካልኦት መላፍንቲ ሃገራት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘሎ ተመሳሳሊ መርገጺ ትራምፕ ከቐጽል ትጽቢት ይግበር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







