ደቁ ንትራምፕ 'ንኣቦና ዘይደገፉ' ንዝበሉዎም ኣባላት ሪፐብሊካን ነቒፎም

ዓብዪ ወዱ ዶን ጁንየር እቲ ሰልፊ "ድኹም እዩ" ክብል እንደሎ ኤሪክ ድማ "ከም ዕስለ ኣባጊዕ እንተኾይንም መረጽቲ ፍጹም ኣይርስዑዎን" ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልተ ደቁ ንዶናልድ ትራምፕ ባላት ሪፐብሊካን ኣቦና ኣብ መረጻ ኣመሪካ ንክዕወት ዝገብሮ ቃልሲ ኣይደገፉን ብምባል ነቒፎም።

ዓብዪ ወዱ ዶን ጁንየር እቲ ሰልፊ "ድኹም እዩ" ክብል እንደሎ ኤሪክ ድማ "ከም ዕስለ ኣባጊዕ እንተኾይንም መረጽቲ ፍጹም ኣይርስዑዎን" ኢሉ።

ደቁ ንትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ሪፐብሊካን ነቐፌታ ከስምዑ ዝጀመሩ፡ ወላዲ ኣቡኦም ምስቲ ሰልፊ ኣብ ቅርሕንቲ ድሕሪ ምእታው እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ጆ ባይደን ኣብቲ መረጻ ዝዕወተሉ ዕድል ይሰፍሕ ኣሎ።

ትራምፕ ዋላ'ውን መረዳእታ እንተዘይኣቕረበ፡ ኣብቲ መረጻ "ምጥፍፋእ" ተፈጺሙ እዩ እናበለ ብተደጋጋሚ ይኸስስ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ክሲ ከም ዝምስርትን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከም ዝወስዶን ይዛረብ።

ከም ሚት ሮምኒ ዝሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሪፐብሊካን ድማ ነዚ ዘረባ ኮኒኖምዎ ኣለው።

ዝንባለ ፖለቲካ ዘለዎ ዶን ጁንየር ኣብ 2024 ንዝካየድ መረጻ ከይተረፈ ብገንኡ ነቒፉ ኣሎ።

ንሱ ኣብ ትዊተር ከም ዝጽሓፎ፡ "ኣብ 2024 ኣብ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ክንሳተፍ ኢና ኢሎም ዝሓስቡ ኩሎም ኣባላት ሪፐብሊካን ዋላ ሓደ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ይገርም" ኢሉ።

ብተወሳኺ "ሕጂ ንቓልሲ ድሉዋት ምዃኖም ከርእዩ ይኽእሉ ነይሮም። ግን ድማ ግዲ የብልኩምን፤ ትራምፕ ስዒሩ ክቃለሶ እዩ። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝለመዱዎ ኣማዕድዮም ክርእዩዎ እዮም" ኢሉ።

Section divider
Section divider

ማይክ ኮርኖቪች ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት ደቂ ተባዕትዮን ደጋፊ ትራምፕን ኣብ ትዊተር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ኣመረካ ንዝነበረ ዝነቅፍ ጽሑፍ ብምጽሓፉ እዩ ዶን ጁንየር ተቖጢዑ።

ሪፐብሊካን ንዓሰርታት ዓመታት ድኹማት ስለ ዝኾኑ ጸጋማውያን ድላዮም ንክገብሩ ባይታ ኣጣጢሖም ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ።

ኤሪክ ድማ "ሪፐብሊካን ኣበይ ኣለው" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ክልቲኦም ጽቡቕ ድጋፍ ገይሮም እዮም ንዝበሉዎም ሪፐብሊካን ንኢዶም ኣለው።