ክሲ ትራምፕን ጻውዒት ሰላም ባይደንን

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዴሞክራት ኣብቲ መረጻ ንክዕወቱ ምጥፍፋእ ይፍጽሙ ኣለው ክብል ብተደጋጋሚ ይኸስስ ኣሎ።
ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ብወገኑ ቖጸራ ድምጺ ይቕጽል ስለ ዘሎ ህድእ ንበል ይብል።
ባይደን፡ ኣብተን ውጽኢት እዚ መረጻ ኣብ ምውሳን ዓብዪ ተራ ዘለወን ግዝኣታት ኔቫዳን ኣሪዞናን ብጸቢብ ውጽኢት ይመርሕ ኣሎ።
ኣብ ፔንሲልቫኒያን ጆርጂያን ድማ ይስዕብ ኣሎ።
ባይደን ክሳብ ሕጂ ድምጺ 73 ሚሊዮን መረጽቲ ክረክብ እንከሎ፡ እዚ ኣብ ታሪኽ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣመሪካ እቲ ዝበዝሐ እዩ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ ኣስታት 70 ሚሊዮን ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ትራምፕ እንታይ ይብል?
ንሱ፡ ሕጋዊ ድምጺ እንተተቖጺሩ “ክዕወት እየ” ይብል። ይኹን’ምበር ዴሞክራት ኣብቲ መረጻ ምጥፍፋእ ክፍጽሙ ህርዲግ ይብሉ ኣለው ብምባል ይኸስስ።
ትራምፕ ዋላ’ውን ከምዚ እንተበለ ዘቕረቦ መረዳእታ (መርትዖ) ግን የብሉን።
ኣብ ወሳኒ ናይ ውድድር ግዝኣታት ብሰፊሕ ኣፈላላይ ክመርሕ ከም ዝጸንሐን ድሕሪኡ “ትጽቢት ከይገበርኩሉ እቲ ቑጽሪ ኣንቆልቊሉ” ይብል።
ነቐፍቲ ትራምፕ፡ መብዛሕትኦም ደገፍቲ ባይደን ድምጾም ብፖስታ ስለ ዝልኣኹአ እዩ ናይ ትራምፕ ቑጽሪ ጎዲሉ ይብሉ።
ሪፐብሊካን እውን እንተኾኑ ንዘረባ ትራምፕ ይኹንኑዎ ኣለው።
ሚት ሮምኒ “እቲ ድምጺ ይቆጸር። ሕጊ እንተተጥሒሱ ከኣ ይጻረ። ካብዚ ወጻእ ኣብ ዴሞክራሲ፣ ሕገ መንግስትናን ህዝብናን እምነት ይሃልወና” ኢሉ።
ኣመሓዳሪ ሜሪላንድ ሌሪ ሆገን ዘረባ እቲ ፕሬዝደንት ንዴሞክራሲ ሃገርና ዘነኣእሰ እዩ ብምባል ኮኒኑዎ።
ባይደንከ እንታይ በለ?
ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ኣብቲ መረጻ ከም ዝዕወት እምነቱ ልዑል ከም ዝኾነ ብምግላጽ እታ ሃገር ክትረጋጋእ ጸዊዑ።
“ሓሓሊፉ ዴሞክራሲ ትዕግስቲ ይሓትት እዩ። እዚ ን240 ዓመታት ጠቒሙና እዩ። ዓለም እትቐንአሉ ስርዓት እዩ ዘለና” ኢሉ።
ምቑጻር ድምጺ ክውዳእ እንከሎ እቲ ውጽኢት ከም ዝፍለጥ ብምግላጽ ክሳብ ሽዑ ህዝቢ ክረጋጋእ ኣተሓሳሲቡ።
ደገፍቲ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ግን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም እዮም።
ብኻልእ ወገን ድምጺ ብዘይተዓዘብቲ ይቑጸር ኣሎ ዝብል ክሲ ዘቕርብ ዘሎ ትራምፕ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ክሳብ ሕጂ ዘሎ ምዕባለ
ኣብ ግዝኣታት ዊስኮንሰን፣ ፔንሲልቫኒያ፣ ኔቫዳ፣ ኣሪዞና፣ ጆርጂያ፣ ሚቺጋንን ኖርዝ ካሮሊናን ውጽኢት ኣይተፈለጠን።
ይኹን’ምበር ጆ ባይደን ኣብ ሚቺጋን ከም ዝተዓወተን ኣብ ዊስኮንሰን’ውን ክዕወት ሰፊሕ ዕድል ከም ዘለዎን ይዝረብ።
ባይደን ክሳብ ሕጂ 253 ድምጺ ኢሎክቶራል ኮሌጅ ረኺቡ ኣሎ። ትራምፕ ድማ 214።

ንምዃኑ ክሲ ትራምፕ እንታይ'ዩ ዝብል?
እቲ መረጻ ግልጽነት የብሉን ዝብል ትራምፕ ድምጺ ግዝኣት ዊስኮንሰን ዳግም ይቆጸር ይብል ኣሎ።
ኣብዛ ግዝኣት ትራምፕ 20 ሽሕ ድምጺ ብምርካብ ንባይደን ይመርሖ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ሚቺጋንን ጆርጂያን ኣብ ዝተኻየደ ምቑጻር ድምጺ'ውን ቅርታ ኣለዎ።
ኣብ ጆርጂያ ዘንጊዖም ዝበጽሑ 53 ድምጺታት ተቖጺሮም እዮም ኢሉ ክኸስስ እንከሎ፡ ቤት ፍርዲ መረዳእታ ኣይረኸብኩን ክብል ነጺጉዎ።
ትራምፕ ኣብ ፔንሲልቫኒያ'ውን ተመሳሳሊ ክሲ ኣቕሪቡ፤ ተቐባልነት ረኺቡ ተዓዘብቲ ሪፐብሊካን ብቐረባ እቲ ምቑጻር ድምጺ ክከታተሉ ክፍቀድ ተወሲኑ።
ዴሞክራት ግን ነዚ ውሳነ ጥሒሶም ተዓዘብቲ ሪፐብሊካን ከም ዝኸልከሉዎም ተገሊጹ።
ጨንፈር ሪፐብሊካን ግዝኣት ኔቫዳ ብውሑድ 3062 ድምጺ ተጠፋፊኡ እዩ ዝብል ቅርታ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ካብታ ግዝኣት ዝወጽኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ብዘይሕጋዊ መገዲ ድምጺ ከም ዝሃቡ ይዝረብ።
መሓዛ ትራምፕን ዓቃቢ ሕጊ ኔቫዳ ዝነበረን ኣዳም ላክሴት "ድምጺ ዝሞቱ ሰባት ተቖጺሩ" ኢሉ ኣሎ።
ኣማኸርቲ ሕጊ ባይደን ብወገኖም "ጭብጢ ዘይብሉ" ክሲ ኢሎም ይነጽጉዎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







