መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ጽባሕ እንታይ ክንሰምዕ ንኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም ዘይብጻሕ የለን ግዜ ኣኺሉ ኣመሪካውያን ፕሬዝደንቶም ንምምራጽ ድምጾም ይህቡ ኣለው። እዚ መረጻ ዳርጋ መላእ ዓለም ብሃንቀውታ ዝጽበዮ እዩ።
መረጻ ኣመሪካ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ስለ ዘይኣኽሎ፡ መረጽቲ ድምጾም ምሃብ ካብ ዝጅምሩ ቀንዮም።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 90 ሚሊዮን ሰባት ድምጾም ሂቦም ኣለው።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ናይ መወዳእታ እዩ። ጽባሕ ከኣ ሰለስተ ዓበይቲ ዜናታት ክንጽበ ኢና።
ሓደ፡ ባይደን ብቐሊሉ ተዓዊቱ
መረጻ ኣመሪካ ብትንበያ ዝተመልአ ስለ ዝኾነ፡ ትካላት ብሕትን መራኸብቲ ሓፋሽን ነቲ ህዝቢ ‘ንመን ክትመርጽ ሓሲብካ?’ ኢሎም ብምሕታት ውጽኢት ቅድመ ትንበያ ሒዞም ይቐርቡ።
በዚ ቅድመ ትንበየዓ ባይደን ነቲ መረጻ ክዕወተሉ እዩ።
ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፈ መረጻ 2016 ተነሓናሒት ዴሞክራት ዝነበት ሂላሪ ክሊንተን ክትዕወት እያ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ትጽቢት ዘይተገብረሉዩ ኮይኑ’።
ናይዚ ዓመት ትንበያ ግን ካብ ሕሉፍ ዝተፈለየ ክኸውን እዩ ዝብሉ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኣይ፡ ትራምፕ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ ውጽኢት ተዓዊቱ
ጽባሕ ፕሬዝደንት ትራምፕ ብዘሰንብድ ውጽኢት ተዓዊቱ ዝብል ዜና ክንሰምዕ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ እንተኢልኩም እቲ ትንበያ ካልእ እቲ ውጽኢት ድማ ካልእ ክኸውን ስለ ዝኽእል።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣመሪካ ትራምፕ ኣብቲ መረጻ እንተተዓዊቱ፡ ሕጂ’ውን ‘እቲ ቅድመ ትንበያ ስሕተት ነይሩዎ’ ምባሎም ኣይተርፍን።
ትራምፕ ኣብ ግዝኣታት ፍሎሪዳእ ፔንሲልቫኒያን ክዕወት እንተኽኢሉ ጆ ባይደን እቲ ውድድር ክኸብዶ እዩ።
ትራምፕ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ መረጻ ብዝዛይድ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ተቐባልነት ኣለዎ እዩ ዝብሃል ዘሎ። እዚ ድማ ንግዝኣት ፍሎሪዳ ዓብዪ እታወት እዩ።
ብኻልእ ወገን ፔንሲልቫኒያ ብዙሓት ጸዓዱ ሰራሕተኛታት ጉልበት ዝነብሩላ ስለ ዝኾነት ንትራምፕ ከተስግኦ ትኽእል እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳልሳይ፡ ጆ ባይደን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ተዓዊቱ
እቲ ቅድመ ትንበያ ጆ ባይደን ክዕወት እዩ ምባሉ ኣይተርፍን።
ይኹን እምበር ብጸቢብ ኣፈላላይ ከም ዝኸውን ምግማት ይከኣል።
እቲ ሳልሳይ ዜና ግን፡ ምናልባት ጆ ባይደን ነቲ ቅድመ ትንበያ ሓሊፉ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ተዓዊቱ ዝብል ክኸውን ይኽእል።
እቲ ውጽኢት ከምዚ እንተኾይኑ ድማ፡ ትራምፕ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ እዩ ተሳዒሩ ክብሃል እዩ።
ኣብ መረጻ 2016 ትራምፕ፡ ሓጹር ሜክሲኮ ክሃንጽ’የ፣ እስላም ስደተኛታት ክኽልክል እየ፣ ኣብ ንግዲ ወጻኢ’ውን ስጉምቲ ክወስድ እየ ዝብል ግልጺ መርገጺ ሒዙ እዩ ቀሪቡ።
ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ዝጭበጥ መደብ የብሉን።
እዚ ጆ ባይደን ዘይተጸበዮ ሽሻይ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብዝኾነ ጽባሕ ቑርጹ ክፍለጥ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







