መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ንህልውና ትራምፕ ወሰንቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ

ሜርሊ ዳሊ-ፓርከር፣ ዳኒኤላ ፊሊፕስን ኪም ክሪቤልን

ምንጪ ስእሊ, Jose Moreno

ኣብ ሓውሲ ገጠር ዝኾኑ ከባቢታት ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ግዜ መረጻ፡ ፕሬዝደንት ኣመሪካ መን ይኹን ንዝብል ጉዳይ ኣብ ምውሳን ዓብዪ ተራ ኣለወን።

እዘን መረጽቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕቦ እዞም ክልተ ሕጹያት ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኮይኖም ቀሪቦም ዘለው ፖለቲከኛታት ዝብልኦ ኣለወን።

ኣብዚ ጉዳይ ሓቂ ኣለዎ፤ ኣብዚኣ ግን ተጋግዩ እናበላ እውን ይዳንይኦም።

ኪምበርሊ ክሪቤል፡ ኣብ ገጠር ከባቢ ፊላደልፊያ እያ ትነብር።

ጓል 46 ዓመት ኪልቤል፡ ትራምፕ ደጋፊ ፖሊሲታት ቢዝነስ ምዃኑ ትንእዶ፤ ኣብ ስልጣን እንተጸኒሑ ድማ ንሳን በዓል ቤታን መንበሪ ገዛ ክዕድጉ ዕድል ከም ዝህልዎም ትኣምን።

"ብርግጽ ነቲ ቑጠባ ክቆጻጸሮ'ዩ" ትብል።

ብክርስቲያናዊ ግብረ-ገብ/ ሞራል ስለ ዝዓበየት ድማ፡ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ምዃኑ ንትራምፕ ትንእዶ።

እዚ ካልኦት ጎረባብታ'ውን ዝኣምናሉ ኣተሓሳስባ እዩ። ኩለን ግን ኣይኮናን።

ጓል 54 ዓመት ነርስ ሜርሊ ዳሊ-ፓርከር ሓንቲ ካብአን እያ። ብዛዕባ ትራምፕ እንተሓቲትኩምዋ ግን ትስሕቐኩም ጥራይ።

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብታ ሃገር ብዘሎ ዓሌታውነት፣ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ልዑል ሽቕለተ ኣልቦነትን ኣዝያ ትሻቐል።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ "ከም ሃገር ብዙሓት ዝፍትኑና ነገራት ኣለው" ትብል። ነዚኦም ድማ ትራምፕ'ዩ ሰማይ ከም ዝዓርጉ ገይሩዎም ኢላ ትሓስብ።

ክልቲአን ኣብዚ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ክልቲአን ግን ብዛዕባ ፕሬዝደንት ትራምፕ ዝቃዶ ርድኢት የብለንን።

መጽናዕቲ ፒው ከም ዘመላኽቶ፡ ኣብ እዋን መረጻ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ተራ ኣለዎ።

ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝመርጻ'ውን ንሳተን እየን።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ኣመሪካ ጥራሕ'ኳ እንተርኢና፡ ብመሰረት ኤቢሲ ዘውጽኦ ሓበሬታ 61 ሚኢታዊት ኣብ ፔንሲሊቫኒያ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ መረጽቲ ንባይደን ክሕግዛ እንከለዋ፡ እተን 38 ሚኢታዊት ድማ ንትራምፕ ይድግፋ።

ፔንሲልቫኒያ፡ ውጽኢት መረጻ ካብ ዝውስና ግዝኣታት ኣመሪካ እያ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብታ ግዝኣት ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ሕጂ'ውን ሓያል ፖለቲካዊ ጽልዋ ኣለወን።

ትራምፕ ድማ በዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣቢሉ ክዕወት ኣብ ጻዕሪ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዝነበሮ ጎስጓስ መረጻ፡ መንበሪ ገዛኽን እየ ዘድሕን ዘለኹ፤ ገበን ካብ ጥቓኽን ክርሕቕን ሕብረተሰብ ድሕነቱ ከምዝሕሎን እየ ዝገብር ዘለኹ ኢሉ ብቐጥታ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ተዛሪቡወን እዩ።

ማሪ ዳሌ-ፓርከር

ምንጪ ስእሊ, Jose Moreno

መግለጺ ስእሊ, ማሪ ዳሌ-ፓርከር

ኣብ ፔንሲልቫኒያ ኣብ ዝነበሮ ተመሳሳሊ መድረኽ'ውን፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ተቐባልነት ንምርግጋጽ ብዝመስል፡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ "ትፈትውኒ ዲኺ?" ኢሉ ሓቲቱዋ።

ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን'ውን የዋጽአኒ'ዩ ዝበሎ መገዲ ጎስጓስ ተጠቒሙ ቀልቢ እተን ደቂ ኣንስትዮ ክረክብ ጽዒሩ እዩ።

ክሊማዊ ለውጢ፣ ጥዕናን ትምህርትን ከኣ ይጥቀም።

ደጋፊት ትራምፕ ኪምበርሊ ክሪቤልን ደጋፊት ጆ ባይደን ሜርሊ ዳሊ-ፓርከርን ዝነብራሉ ከባቢ ዓብዪ ታሪኽ ተስተውዕለሉ።

ቅድም ኢሉ፡ ገጠራት ኣመሪካ ጸዓዱን ዓቃባውያንን ዝነብርሉ ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ ዳሊ- ፓርከር እትነብረሉ ከባቢ ዝተፈላለየ ዓሌትን ሰጓሚ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ዝነብርሉ ይኸውን ኣሎ።

ኣብዚ ከባቢ ብሓደ ገጽ ናይ ትራምፕ፤ ብሓደ ሸነኽ ድማ ናይ ባይደን ምስሊ ተሰቒሉ ይርአ።

ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ዕዮ ኪርቤል፡ "መጀመርታ ናይ ባይደን ስእሊ ክስቀል እንከሎ፤ ጸኒሑ ድማ ናይ ትራምፕ ተሰቒሉ" ትብል።

ኣብ ዞባ ሞንትጎሜሪ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ድምጺ፡ ዴሞክራት ዓብላሊ ድምጺ ይረኽቡ ኣለው።

ኣብዚ ኣስታት 300 ሽሕ ዴሞክራትን ኣስታት 210 ሽሕ ሪፐብሊካንን ኣለው።

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ሓንቲ መገዲ ከይተረፈት እያ ብፖለቲካ ዝተኸፋፈለት እትኸውን።

ገለ ተዓዘብቲ፡ ደጋፊት ትራምፕ ዝኾነት ኪርቤል፡ ብ2016 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መረጻ'ውን ንሂላሪ ክሊንተን ትድግፍ ነይራ ይብሉዋ።

ፖለቲካ መገዲ ከይተረፈ እዩ ዝኸፋፍል፤ ናይ ባይደንን ትራምፕን ስእሊ ዝተሰቐሎ ገዛ

ካልእ ደጋፊት ትራምፕ ጓል 51 ዓመት ዳሻ ፕሩት ኣብ ሓደ ኩባኒያ መድሕን (ኢንሹራንስ) እያ ትሰርሕ።

ከም ምንካይ ግብሪ፣ ፖሊሲ ስደትን "ሕግን ስርዓትን" ዝበሉ ፖሊሲታት ትራምፕ ከም እትንእድ ትዛረብ።

"ኣብ ሃገርና ውሕስናን ድሕንትን ክህሉ እዩ ዝደሊ" ትብል።

ዳሻ ፕሩት

ምንጪ ስእሊ, Jose Moreno

መግለጺ ስእሊ, ዳሻ ፕሩት

ፕሩት፡ ጓል 10 ዓመት እንከላ ካብ ሜክሲኮ ተሰዲዳ ዝመጽአት ኣመሪካዊት እያ።

ኣብዚ እዋን ድማ ንሪፐብሊካን ወኪላ ኣባል ኮንግረንስ ንምዃን ትወዳደር ኣላ።

ትራምፕ ድማ፡ ኣብዚ ዝቕጽል እብረ ስልጣን ክዕወት ተስፋ ትገብር።

"ቐዳምነት ንኣመሪካ ክብል ከሎ ይፈትወሉ" ብምባል ንትራምፕ ዘለዎ ጽቡቕ ኣመለኻኽታ ትገልጽ።

ብ2016፡ ከምኣ ዝበላ ብዙሓት ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ትራምፕ ማእለያ ዘይብሉ ናእዳ የቕርባ ነይረን።

ብጠቕላላ 52 ሚኢታዊት ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ንትራምፕ እየን መሪጸን።

ጸኒሑ ግን ካብ ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ዝረኽቦ ዝነበረ ደገፍ ነክዩ'ዩ።

ኣብዚ እዋን 54 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ንባይደን ክድግፋ ከለዋ፡ ትራምፕ ድማ 45 ሚኢታዊት ደገፍ ከም ዘለዎ ብደረጃ ሃገር ዝተኻየደ ዳህሳስ ይሕብር።

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካልእ ቤዝ ጃክሲር ዝተባህለት ጓል 29 ዓመት ላይቤሪያዊት፡ ናይ ባይደን ስእልን፡ ህይወት ጸለምቲ ዋጋ ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል ጽሑፍን ኣብ ማእከል መንበሪ ገዝኣ ተሰቒሉ ይርአ።

ትራምፕ ንስምምዕ ክሊማዊ ለውጢ ኣይግዛእን ምባሉ ከም ዘሕዝና ብምግላጽ፡ "ነዛ ሃገርና ዘየዕኑ ሰብ ክመጽእ እየ ተስፋ ዝገብር" ኢላ።

ጉዳይ ዓሌታውነት ካልእ ፕሬዝደንት ትራምፕ ዝሕመየሉ ኮይኑ ኣብ ፔንሲልቫኒያ ኣብ ሞንጎ ጸዓዱን ጸለምትን ዝነብርሉ ከባቢ ብኣነባብራ ከይተረፈ ፍልልይ ክህሉ ከም ዝገብር እተን ደቂ ኣንስትዮ ይዛረባ።

ቢቢሲ ነዚ ዛንታ ንምስራሕ ካብ ዘዛረበን ኣስታት 30 ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ገጠር ከባቢታት ኣመሪካ፡ ብቐንዱ ዓሌታውን ማሕበረ ቑጠባውን ብዙሕነት ተሓልዩ ክኸይድ ከም ዝደልያ እየን ዝገልጻ።

ንዳሊ-ፓርከር ድማ ዘጨንቓ ጉዳይ ድማ ምስ ገበን ዝተኣሳሰር ኣይኮነን።

ዚያዳ በቲ ሕጂ ዘሎ ለበዳ ጥዕናን ዓሌታውነትን ስለእትጭነቕ መፍትሒ ትደልየሎም።

"ኣነ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ቖልዑ ኣለውኒ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለት ዓለም ድማ ኣይኮነን ክነብሩ ዝደሊ" ትብል።

ንሳ ኣብዚ ዓመት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ ስለ ዝነበረት፤ በዓል ቤታን ሓንቲ ጓሎምን'ውን ሓሚሞም ነይሮም።

ስለዚ፡ በዚ ሕማም ተለኺፍካ ዘጋጥም ናይ ጥዕና ጸገማት እንታይ ይመስል ዝብል ስለ እትፈልጦ፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ኣይትንእደሉን።

ብሓጺሩ፡ "መሪሕነት ይጎድሎ'ዩ፤ ዘይርድኦ ዘሎ ክትዕን ኮቪድን ዝተፈላለዩ ምዃኖም እዩ። ግንከ ብኸምኡ ሰባት ዝኾነ ዓይነት መደብ ከም ዘይብሉ ንከይፈልጡ ይገብሮም ኣሎ" ብምባል ትነቅፍ።

መብዛሕትአን ኣብዚ ዛንታ ርኢይቶ ዝሃባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ትራምፕ ቅድሚ ምምጽኡ ፖለቲከኛታት ኣይነበራን።

ንሱ ግን ዳርጋ ኩሎም ነገራት ንኹሉ ዝትንክፉ ከምዝኾኑ ገይሩ'ዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ገሊአን ከም ጅግና ይቖጽርኦ፤ ንኻልኦት ግን መገዲ ጸልማት እዩ።