መረጻ 2020፡ 'ካማላ ሃሪስ ንትራም 'ብጉድለት ምሕደራ' ነቒፋቶ

ካማላ ሃሪስ

ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይና ኣብ መረጻ ኣመሪካ ንክትወዳደር ተቐቢላቶ።

እዛ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ብዝወዳደር ዘሎ ጆ ባይደን ከም ምኽትል እዛ ፈላሚት ጸላም ኣመሪካዊት ምኽትል ፕረዚደንት ንኽትከውን ተሮቚሓ ዘላ ካማላ ሃሪስ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ንኪኸውን ዝወዳደር ዘሎ ሕጹይ ሰልፊ ዴሞክራት ጆ ባይደን እዩ ሰምዩዋ።

ካማላ፡ ዶናልድ ትራምፕ "ብምሕደራ ወዲቑ'ዩ" ክትብል ኣብ ዘስመዓቶ መደረ ነቒፋቶ። ኣብ እዋን መሪሕነታ ከኣ "ሓቂ" ከም እትዛረብ ተመጻቢዓ።

ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን ኣብቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ምስ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ምኽትሉ ማይክ ፔንስን እዮም ክወዳደሩ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰልፊ ደሞክራት ምስ ደገፍቱ ዝገብሮ ርክብን ብቐጥታ ዘሕልፎም መልእኽታትን ብምስራዝ ብዝተቐድሐ ምስሊ ከምዝቐርቡ ይገብር ኣሎ።

ትማሊ ሕጹይ ፕረዚደንት ዴሞክራት ጆ ባይደን ዘረባ ኣስሚዑ።

ካብ ጸልማት ብርሃን፡ ካብ ስግኣት ተስፋ ይዓቢ፡ ንኣመሪካ ከኣ ናብ ንቡር ቦትኣን ክብራን ክንመልሳ ኢና ክብል ተዛሪቡ።

ካማላ ሃሪስ እንታይ ኢላ?

ካማላ ብቀጥታ ካብ ዊልሚንግቶን ዴላዌር ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ "ኣብ ቀዋሚ ዕግርግን ፋሉል ዝኾነ ኩነታትን'ዩ ገዲፉና" ኢላ።

እቲ ጉድለት ብቕዓቱ'ውን የስግአና። ቆርበቱ ሮጒድ ስለ ዝኾነ ድማ ንሕና በይንና ተሪፍና" ብምባል ነቒፋቶ።

"ግን ድማ፡ ዝሓሸ ነገር ክንገብር ኢና፤ ዚያዳ'ውን ይግብአና። ዝተፈለየ ነገር ዘምጽአልና፣ ዝሓሸን ዝረብሕን ነገር ክሰርሕ ዝኽእል ፕሬዝደንት ክንመርጽ ግድን እዩ" ኢላ።

ካማላ ሃሪስ

ካብ ህንድን ጀማይካን ካብ ዝመጽኡ ስደተኛታት ስድራ ቤት ዝፈረየት ካማላ ሃሪስ፡ ንሳን ጆ ባይደንን ነታ ብለበዳ ኮሮናቫይረስን ዓሌታዊ ምትፍናንን ዝተዶቕሰት ሃገር ናብ ንቡር ቦትኣ ክንመልሳ ኢና ክትብል ተመባጺዓ።

"ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምሕደራ ብምውዳቑ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና'ዩ። እንተኾን ንዘሎና ብደሆታት ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኣለና" ኢላ።

ብምቕጻል "ሕጂ ነቶም ግድላትና ናብ ፖለቲካዊ ኣጽዋር ዝልውጥ ፕረዚደንት እዩ ዘለና" ክትብል ገሲጻቶ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካማላ ሃሪስ፡ ኣቐዲማ ተወዳዳሪት ጆ ባይደን ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ብጉዳይ ዓሌታውነት ምስ ባይደን ኣትያቶ ዝነበረት ጎነጽ ረሲዓቶ ድያ ክብል ንዘረባ ካማላ ሃሪስ ኣብ ትዊተር ብዝጽሓፎ መልሲ ሂቡሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቐጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ክትዕ ተወዳደርቲ መረጻ ኣመሪካ፡ ካማላ ሃሪስ ንባይደን "ዓሌታዊ ኢኻ ኢለ ኣይኣምንን'የ" ኢላቶ ነይራ።

በዚ ምኽንያት ዶናልድ ትራምፕ ካማላ ሃሪስ ንባይደን "ዓሌታዊ ኢኻ፤ ብቕዓት የብልካን ኣይበለቶን ድያ?" ክብል ነቒፉዋ።