ጆ ባይደን ንፈለማ እዋን ጸላም ኣመሪካዊት ሕጽይቲ ምክትል ፕረዚደንት መሪጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንሰልፊ ደሞክራሲ ወኪሉ ንፕረዚደንት ዝወዳደር ዘሎ ጆ ባይደን፡ ንፈለማ እዋን ጸላም ኣመሪካዊት ኣባል ሰነት ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ምክትል ፕረዚደንት ክትኮኖ መሪጹዋ።
ክልቲኦም ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣንጻር ሪፓብሊካውያን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ምክትሉ ማይክ ፐንስን ከወዳደሩ'ዮም።
ሰነተር ካማላ ሃሪስ፡ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ንሕጹይ ፕረዚደንት ዝግበር ዝነበረ ውድድር (ፕራይሜሪ) ምስ ጆ ባይደንን ካልኦትን ተወዳዲራ ምንባራ ይዝከር።
ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ ሰነት እትውክሎ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ፡ ናይ መጀመርታ ጸላም ኣኽባሪት ሕጊ ኮይና ተመሪጻ ምንባራ'ውን ይፍለጥ።
ምክትል ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ዝነበረ ጆ ባይደን፡ "ኣብ ክንዲ'ቶም ሓይሊ ዘይብሎም ኣብ ምቅላስ ክምህ ዘይትብል፡ ሓንቲ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ኣገልገልቲ ናይዛ ሃገር እያ" ክብል ገሊጽዋ።
ናይ ህንድን ጃማይካን ትውልዲ ዘለዋ ሃሪስ፡ "ሕጽይቲ ምክትል ፕረዚደንት ፓርትና ምዃነይ ክብሪ ይስምዓኒ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ንምግባሩ ድማ ዝከኣለኒ ክገብር እየ" ኢላ።
ባይደን "ንህዝቢ ኣመሪካ ከሕብሮ ይኽእል'ዩ፡ ምኽንያቱ፡ ኣብ ክንዳና ምሉእ ሂወቱ ክቃለስ ዘሕለፈ'ዩ። ከም ፕረዚደንት ድማ፡ ንራኢታታ እትበቅዕ ኣመሪካ ክሃንጽ እዩ"
ክልቲኦም፡ ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ከተማ ዊልሚንግተን፡ ክፍለሃገር ደለዌር ብሓባር መግለጺ ክህቡ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ጎስጓሶም ሓቢሩ'ሎ።
ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዝተወለዐ ድጉል ሓዊ ዓሌታዊ ኣድልዎን ጭካነ ፖሊስን ተተሓሒዙ፡ ባይደን ጸላም ጓለንስተይቲ ክመርጽ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።
ገለ ካብተን ክምረጻ ይኽእላ'የን ክበሃለለን ዝቐነየ፡ ኣማኻሪት ጸጥታዊ ጉዳያት ፕረዚደንት ኦባማ ነበር ሱዛን ራይስ፡ ከንቲባ ከተማ ኣትላንታን ይርብአን።
ጓል-ኣንስተይቲ ክመርጽ ምዃኑ ግን ኣቐዲሙ ኣብ ሓደ ካብ ናይ ክትዓት መድረኻት ባዕሉ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
ጓል 55 ዓመት ዝኾነት ሃሪስ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንዲሞክራቲክ ወኪላ ኣብ ፕረዚደንትዊ ምርጫ ንኽትሳተፍ ዝነበራ ውጥን ክትዕወተሉ ስለዘይከኣለት፡ ንፕረዚደንትንት ናይ ምውድዳር ውጥና ኣቋሪጻቶ።
ኣብ ቅድመ ውድድር ዝግበር ክትዓት ምስ ጆ ባይድን፡ ፍልልይ ናይ ሓሳባት ብምምጻእ ብቀጸዓሊ'ዮም ዝጋጨዉ ነይሮም።
ዲሞክራት ዝኾነት ሃሪስ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ካብ ክልተ ናብ ኣሜሪካ ብስደት ዝኣተዉ ስድራ'ያ ተወሊዳ፡ ካብ ህንዲ እትውለድ ኣደን ካብ ጀመይካ ዝውለድ ኣቦን።
ሃሪስ ኣብቲ ጸለምቲ ብብዝሒ ዝምሃርሉ ሃዋርድ ዩኒቨርስቲ'ያ ትምህርታ ዛዚማ፡ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝነበረትሉ ከኣ እቲ ዝዓበየ ናይ ህይወት ተመክሮ ከምዝቐሰመት'ያ ትሕብር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







