መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ጆ ባይደን ኣብ መረጻ ኣመሪካ ዝሓጸያ ጓል ኣንስተይቲ መን'ያ?

ካማል ሃሪስ ኣብዚ ዓመት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኻልኣይ ግዜ ዝተስኣለቶ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ናይ ምዃን ሕልምታታ ጠጠው ምስ በለ ድሕሪ ኣዋርሕ፡ ካማላ ሃሪስ ካልእ ናይ ዴሞክራት ቲከት ረኺባ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ተኸታተልቲ ከበድቲ ክትዓት እንትካየዱ፡ ሴናተር ካሊፎርኒያ ሃሪስ ኣብ ማእከል ብዙሓት ሕጹያት ተወዳደርቲ መረጻ ኣመሪካ ኮይና ኣብ ጉዳይ ዓሌት ምስ ጆ ባይደን ሓያል ንሕንሕን ተርኢ ነይራ።

ኣብ መወዳእታ 2019 ግን እቲ እተካይዶ ዝነበረት ጎስጓስ ፈሺሉ።

ሕጂ ድማ ጓል 55 ዓመት ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ዴሞክራት ክትከውን ጆ ባይደን ንሃማላ ሃሪስ ምኽትሉ ገይሩ መዚዙዋ ኣሎ።

ካማላ ሃሪስ ግን መን'ያ?

ካብ ክልተ ስደተኛታት፡ ኣብ ኦክላንድ ካሊሮርኒያ'ያ ተወሊዳ። ብትውልዲ፡ ኣዲኣ ህንዳዊት ኣቦኣ ድማ ጀማይካዊ'ዮም።

ወለዳ ምስ ተፋትሑ ግን ተመራማሪት መንሽሮን ተሓላቒት መሰላት ሲቪልን ዝኾነት ኣዲኣ ሺኣማላ ጎፓላን ሃሪስ እያ ኣዕቢያታ።

ካማላ ሃሪስን ንኡሽቶ ሓፍታ ማያን [ኣደ ሃሪስ ዘዕበየታ] ብውርሻታት ህንዲ ዓብየን፤ ግን ድማ ካማላ ሃሪስ 'ኣደይ ባህሊ ጸለምቲ ኦክላንድ'ያ ወሪሳ' ክትብል ትገልጻ።

"ኣደይ ጸለምቲ ቆልዑ ተዕቢ ከም ዘላ ብዝግባእ ትፈልጥ ነይራ" ብምባል ርእሰ ታሪኻ ኣብ ዘዘንቱ "ዘ ትሩዝ ዊ ሆልድ" (The Truths We Hold) ዝተባህለ መጽሓፍ ኣስፊራቶ'ያ።

"እታ ዝዓበየትላ ሃገር ንዓይን ንማያን ከም ጸለምቲ ከምትቖጽረና ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ ርእሰ ተኣማንነት ዘለና ሕቡናት ጸለምቲ ክንከውን ገይራ'ያ ኣዕቢያትና"።

ጎስጓስ መረጻ ሃሪስ ጽቡቕ ክግስግስ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ መሊኡ ግን ኣይሰመረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጎስጓስ መረጻ ሃሪስ ጽቡቕ ክግስግስ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ መሊኡ ግን ኣይሰመረን

ሴናተር ሃሪስ ኣብ ካናዳ'ውን ተቐሚጣ እያ። ኣዲኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማክጊል መምህር ኮይና ምስ ከደት ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ካናዳ ጸኒሐን።

ብታሪኽ ናይ ጸለምቲ ኣብ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ሆዋርድ ኣመሪካ ድማ ትምህርታ ወዲኣ። ንርእሳ "ኣመሪካዊት" ኢላ እያ ትገልጽ።

ብ2019 ንዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕትት ፖለቲከኛታት ብድሕረ ባይትኦም ወይ'ውን ሕብሪ ቆርበቶም ናብ ውድድር ክሕረዩ የብሎምን ኢላ ነይራ።

ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆዋርድ ምስ ጸንሐት ናብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ብምኻድ ሕጊ ተማሂራ። ድሕሪኡ ዓቃቢት ሕጊ ዞባ ኣልሜዳ ኮይና ስራሕ ጀሚራ።

ቅድሚ ፈላመይቲ ጓል አንስተይትን ፈላመይቲ ዓቃቢት ሕጊ ካሊፎርኒያን ምዃና ድማ፡ ብ2003 ላዕለወይቲ ኣኽባሪት ሕጊ ሳን ፍራንሲስኮ ኮይና ኣገልጊላ።

ንክልተ ዓመት ዓቃቢት ሕጊ ኮይና ክትሰርሕ እንከላ ኣብ ሰልፊ ዴሞክራት እናደመቐት ዝመጽአት ኮኾብ ትኸውን። ነዚ ኣብ 2017 ንኡስ ሴናተር ካሊፎርኒያ ንምዃን ተጠቒማትሉ።

ሴናተር ካማል ሃሪስ፡ ንፍዕቲ ዓቀቢት ሕጊ ተባሂላ ትንኣድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሴናተር ካማል ሃሪስ፡ ንፍዕቲ ዓቀቢት ሕጊ ተባሂላ ትንኣድ

ኣብ መጀመርታ፡ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦክላንድ ልዕሊ 20 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ከም እትሳተፍ ክትገልጽ እንከላ፡ ጽቡቕ ተበግሶ ነይሩዋ።

ይኹን'ምበር፡ እዛ ሴናተር ኣብ ከም ጥዕና ዝበሉ ወሰንቲ ፖሊሲታት እትህቦ ዝነበረ መልሲ ዝተሓዋወሰ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ጎስገጓስ መረጻ ንጹር ሓሳባት ኣየንጸባረቐትን።

በቲ ናይ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ምሕታት ክእለታ ተጠቒማ ጆ ባይደን ኣብ መጻወድያ መጥቃዕቲ ክተእትዎ እንተኽኣለት'ውን፡ ንባዕላ ዘጉልሑዋ ንጹር ፖሊሲታት ኣብ ምቕራብ ግን ኣይነፍዐትን።

ስለዚ ፕረዚደንት ናይ ምዃን ሕልማ ኣይሰመረን። ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ድማ ንምኽትል ፕረዚደንት ዝነበረ ጆ ባይደን ብሙሉእ ሓይላ ከም እትድግፎ ተዛሪባ።

"ንሱ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ንክምረጽ ብዓቕመይ ኩሉ ክገብር'የ" ኢላ።

ኩሉ ሰብ ኩለንተንኡ ሙሉእ ኣይኮነን'ሞ፡ እዛ ንፍዕቲ ጠበቓን በዓልቲ ሞያ ሕግን'ውን እትንቀፈሎም ድኽመታት ኣለውዋ።

ኣብ ከም መርዓ ሕደ ጾታውያንን መቕጻዕቲ ሞትን ጸጋማዊ መርገጺ ስለ ዘለዋ፡ ብተደጋጋሚ ሰጓሚት ኣይኮነትን [ብፍላይ ድማ ካብ ፕሮፌሰር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ሳን ፍራንሲስኮ ላራ ባዜሎን] ዝብል ነቐፌታ ይቐርበላ ነይሩ።

ሴናተር ሃሪስ ጎስጓስ መረጻ ክትጅምር እንከላ፡ ፕሮፌሰር ላራ ኣብ ዙርያ ምምሕያሽ ኣሰራርሓ ፖሊስ፣ ዕጸ ፋርስን ብጌጋ ዝፍረዱ ፍርድታትን ገስጋሳይ ቓልሲ ኣይትገብርን ብምባል ነቒፋታ ነይራ።

ካማላ ካብቲ እተካይዶ ዝነበረት ጎስጓስ መረጻ ንክትስሕብ ብርክት ዝበሉ ጸቕጢታት ይበጽሓ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ዳግም እቲ ዕድል ዝረኸበቶ ትመስል።

ካማላ ሃሪስን ጆ ባይደንን ኣብ እዋን ክትዓት መረጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካማላ ሃሪስን ጆ ባይደንን ኣብ እዋን ክትዓት መረጻ

ካማላ ሃሪስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራማት ቀሪባ ኣብ መለእ ኣሜሪካ ዘሎ ኣሰራርሓ ፖሊስ ክቕየር ትጠልብ፤ ብትዊተር ጓል 26 ዓመት ጸላም ኣሜሪካዊት ብሪኦና ታይለት ዝቐተለ ፖሊስ ክእሰር ትጽውዕ፤ ብተደጋጋሚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓሌታውነት ክስበር ትጉስጉስ ነይራ።

ሕጂ ድማ፡ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምኽትሉ ገይሩ ሓሪዩዋ ኣሎ።