መጥቃዕቲ ትዊተር፡ ኤፍቢኣይ ትዊተር ፍሉጣት ሰባት ዘጥቅዑ ሰርሰርቲ ከጻሪ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP/REUTERS
ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ ኤፍቢኣይ፡ ምስ 'ቢትኮይን' ብዝተኣሳሰር ዝተፈጥረ ምስርሳር ትዊተር ቢልዮነራትን ፍሉጣት ሰባትን ዓለም ከጻሪ ጀሚሩ።
ትማሊ፡ ናይ ቢልዮነራት ሰብሃብቲ ኤሎን መስክን ጄፍ ቤዞስን ከምኡ ድማ ናይ ቢል ጌትስ ሓዊሱ፡ ናይ ብዙሓት ፍሉጣት ኣመሪካውያን ትዊተር ተሰርሲሩ፡ ምስ 'ቢትኮይን' ዝተኣሳሰር መታለሊ ጽሑፍ ተለጢፍዎም።
ናይ በዓል ባራክ ኦባማ፡ ጆ ባይደን ከምኡ ድማ ናይ ካንየ ዌስት ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጻት'ውን፡ ንተኸተልቶም ብክሪፕቶከረንሲ ልግሲ ክገብሩ ዝጽውዕ ጽሑፍ ተጠቒዕዎም እዩ።
ኣብ ናይ ቢል ጌትስ ትዊተር ዝተጠቀዐ ጽሑፍ "ኩሉ ሰብ ክህብ ይሓተኒ እዩ" ይብል እሞ "1,000 ዶላር እንተልኢኽኩም፡ 2000 ዶላር ገይረ ክመልሰልኩም እየ" ይብል።
ትዊተር ከምዝበሎ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ንዝሰርሑ ፍቓድ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ዒላማ ብምግባር፡ ንውሽጣዊ መሳርሕታትን መገድታትን ትዊተር ብምጥቃም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ ኢሉ።
ሓላፊ ትዊተር ጃክ ዶርሲ "ንናይ ትዊተር ሰባት እዚ ከቢድ መዓልቲ እዩ። እዚ ብምፍጣሩ ኣዚና ኢና ሓዚንና" ኢሉ።
ኤፍቢኣይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ ጉሕለት 'ክሪፕቶከረንሲ' ንምፍጻም ዝተገብረ ፈተነ እዩ ኢሉ።
ሓደ ካብ መስረትቲ 'ክራውድ ስትራይክ' ናይ ዝበሃል ኣብ ውሕስነት ሳይበር ዝሰርሕ ትካል፡ ዲሚትሪ ኣልፔሮቪች ንወኪል ዜና ሮይተርስ "ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓብዪ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈጸመ እቲ ዝኸፍአ ናይ ስርሰራ መጥቃዕቲ እዩ" ኢሉ።
ኣብ ወግዓዊ ትዊተር ናይ ኤሎን መስክ ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ድማ፡ ኣብ 30 ደቒቕ ናብ ሓደ ድጂታላዊ ኣድራሻ 'ቢትኮይን' እንተልኢኽኩም ዕጽፊ ገይረ ክመልሰልኩም እየ ዝብል መልእኽቲ እዩ ተጠቂዑ።
"ብምኽንያት ኮቪድ-19 ክልግስ ደልየለኹ" ዝብል እቲ ጽሑፍ ናብ'ቲ ናይ ቢትኮይን ኣድራሻ ዝመርሕ ፈለግ ኸኣ ምስኡ ተጠቂዑ ነይሩ።
እቲ ጽሑፍ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እዩ ካብ ትዊተር ተኣልዩ።

ማእከል ሃገራዊ ድሕነት ሳይበር ብሪጣንያ ንሓለፍቲ ስራሕ ትዊተር "ከም ዝረኸቦም" ክገልጽ እንከሎ፡ "ሰባት ናይ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ውልቃዊ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ምጥቃዕ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም" ዝብል መግለጺ ከም ዝረኸበ ሓቢሩ።
ብርክት ዝበሉ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት ግን ብዙሓት ሕቶታት የቕርቡ ኣለው።
ሴናተር ሪፐብሊካን ጆሽ ሃውሌይ፡ መጥቀሚ ትዊተር ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ግዳይ ኮይኑ ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።
ይኹን'ምበር፡ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትዊተር ትራምፕ ንምጥቃዕ ዝተገብረ ፈተነ የለን ኢሉ።

ካብቶም በዚ መጥቃዕቲ ሳይበር ዝተጸለዉ ፍሉጣት ሰባት
- ስሙይ ራፐር ካንየ ዌስት
- ኪም ካርዳሽያን
- ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ
- ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበርን ሕጂ ድማ ሕጹይ ተወዳዳሪ ሰልፊ ዴሞክራትን ጆ ባይደን
- በዓል ሃብቲ ብሉምበርግ
- ትካል ኡበር
- ትካል ኣፕል

ነዚ መጥቃዕቲ መን ፈጺምዎ?
ገለ ካብቶም ተሰይሮም ዘይናቶም መልእኽቲ ዝተጠቀዐሎም ገጻት፡ cryptoforhealth.com ናብ ዝበሃል ኣድራሻ ዝወስድ ፈለግ እዩ ተጠቒዕዎም ነይሩ።
እዚ ድማ፡ [email protected] ዝብል ናይ ኢሜይል ኣድራሻ ብዝጥቀም ሰርሳሪ ዝተመዝገበ እዩ።
እቲ ዌብሳይት፡ ኣንቶኒ ኤልያስ ብዝብል ሽም እዩ ተኸፊቱ፤ እንተኾነ ስኑዕ ስም ክኸውን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎ።
እቲ Cryptoforhealth ዝብል ስም ናይ ኢንስታግራም ገጽ እውን ነይርዎ። እዚ ድማ፡ ነቲ ስርሰራ ጥራይ ከገልግል ዝተኸፈተ እዩ።
ኣብ'ቲ ናይ ኢንስታግራም ገጽ፡ "ንሕና ኢና" ዝብል መልእኽትን ዝስሕቕ ደቂቕ ምስልን ሰፊሩ ይርከብ።
ኣብ'ቲ ናይ ኢንስታግራም ገጽ "ንሓገዝ ክበሃል ዝተገበረ መጥቃዕቲ እዩ። ገንዘብኩም ኣብ መዓልኡ እዩ ክውዕል" ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ ኣሎ።
ሓቀኛ መንነት ናይ'ዞም ሰርሰርቲ ዛጊድ ኣይተፈለጠን ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







