ኣዴታቶም ዝተቐትለዎም ቆልዑ እናጥበወት ተዕቢ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ኣብ ኣፍጋኒስታን ቆልዓ እተጥብው ኣደ

ምንጪ ስእሊ, FIROOZA OMAR

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍጋኒስታን ከቢድ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከሎ ፌሩዛ ኦማር ኣብ ገዝኣ እያ ነይራ።

ዕጡቓት፡ ኣብ ካቡል ዝርከብ ኣገልግሎት ወሊድ ዝወሃበሉ ሆስፒታል ከጥቅዑ ከለው ሓደሽቲ ዝተወለዱ ህጻናት፣ ኣዴታትን ነርሳትን ዝርከቡዎም 24 ሰባት ቐቲሎም።

"ናይ ባዕለይ ውላድ የጥቡ ስለ ዝነበርኩ ሰንቢደ። ስቓይ ናይቶም ካልኦት ህጻናት ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ኣይጽገምን" ትብል እዛ ጓል 27 ዓመት ሓኪም ኣእምሮ።

ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ቆልዓ ኣለዋ። ብምኽንያት እዚ ሓደጋ ኣዴታቶም ዝሞታ ወይ ዝቖሰላ ህጻናት ክትሕግዝ ድማ ወሲና።

በዓል ቤታ፡ ንሳ ናብዚ ስራሕ ኣብ እትኸደሉ እዋን ውላዶም ክሕብሕብ ስለ ዝተሰማምዐ፡ 100 ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓና ኣዴታትን ህጻናትን ናብ ዝርከብሉ ናይ ህጻናት ሆስፒታል ከይዳ ተገልግል።

እቲ ሆስፒታል ካብ ገዝኣ ክልተ ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ እንተኾነ'ውን፡ በቲ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጥረ ድባብ ስንባደን መህሰይትን ዛጊድ ካብታ ከተማ ኣይጠፍአን።

"ናብቲ ሆስፒታል ምስ ከድኩ 20 ዝኾኑ ህጻናት ርእየ፤ ገሊኦም ቖሲሎም ነይሮም" ትብል ፌሩዛ።

ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ነቶም ህጻናት ጸባ ብምሃብ ክምግቡዎም እንተፈተኑ'ውን ዝኣብዩ ምንባሮም ትዛረብ።

ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ኣርባዕተ ቖልዑ በብተራ ኣጥቢዋ። "ንዓይ ቁሩብ ጽልዋ ነይሩዎ ግን ክሕግዘኦም ስለ ዝኸኣልኩ ሕጉስቲ ነይረ"።

ኣብቶም ዝቕጽሉ መዓልታት፡ እቲ ኣብ ገዛ ዝገደፈቶ ውላዳ መጊባ ተመሊሳ ነቶም ህጻናት ክትምግብ ናብ ሆስፒታል ምዃድ ዳርጋ ስርሓ ኮነ።

ካልኦት ሰባት ኣብዚ ዙርያ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይን ካልኦት ኣዴታት ኣሰራ ንክስዕባን ተሞኩሮኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትጽሕፍ ኣላ።

ብርክት ዝበላ ኣዴታት ክሕግዛ ከም ዝመጽኣ ድማ ትዛረብ።

ፌሩዛ መሓዙታ'ውን ገንዘብ ብምትእኽኻብ ነቶም ዘይጠብው ህጻናት ዝኸውን ጸባን መናጽህን ክገዝኣ ገይራ።

ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሓለፉ ናይ 40 ዓመታት ግጭት ብርክት ዝበለ በደልን ጭካነን ርእያ እያ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ቖልዑ ብሕቑፈን፣ ሓደሽቲ ሓራሳት ኮይነን ዝበጽሐ ብምዃኑ ዓለም ኣሰንቢዱ።

ሕጂ መብዛሕትኦም ሓደሽቲ ዝተወልዱ ህጻናት ካብቲ ሆስፒታል እንተወጽኡ'ውን፡ ፌሩዛ ግን ኣብታ ከተማ ብዘሎ መጥቃዕታት ቀጻሊ ትሰግእ።

"ኣብ ክንዲ ናይ ኣዲኦም ጸባ ዝረኽቡ፡ ኣብ ሆስፒታል ኮይኖም ጸባ ጡብ ዘይፈልጡዎ ሰብ ይምገቡ ብምህላዮም ኣዝየ ይሓዝን" ድማ ትብል።