"ሕቶታት ንኢሳይያስ" ዝብል ጎስጓስ ትዊተር ተጀሚሩ

ኤርእራውያን ኣብ ወጻኢ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ

ምንጪ ስእሊ, ONE DAY SEYOUM

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕ ትጽቢት ይግበረሉ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ "ሃሽታግ ኮሽንስ ፎር ኢሳይያስ" (ሕቶታት ንኢሳይያስ) ዝብል ጎስጓስ ትዊተር ጀሚሮም።

ካብቲ እቶም ተጣበቕቲ ዘልዕልዎ ዘለዉ ሕቶታት፡ ምፍታሕ እሱራት ሕልና፣ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ክፍሊት 2 ሚኢታዊት፣ ኩነታት ስደተኛታት፣ ቅዋም፣ ስርዓተ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ይርከብዎም።

እቲ ሕቶታት ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘቕነዐ'ዩ።

እቲ ጎስጓስ ብቨኔሳ በርሀ ዝተባህለት ተጣባቒት ሰባዊ መሰላትን መስራቲት 'ዋን ደይ ስዩም' ('ሓደ መዓልቲ ስዩም') ዝተባህለ ፕሮጀክት ዝተጀመረ ኾይኑ፡ ብዙሓት ደገፍ ብምርካቡ ኣብ ትዊተር እናተላበዐ ይኸይድ ኣሎ።

"ስለምንታይ ኢኻ ክሳዕ ክንዲዚ ትጸልኣና" ክትብል ሓንቲ ሄለን ዝብል መጸውዒ ትዊተር ዘለዋ ሰብ ሕቶ ኣቕሪባ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቲ ፕሮጀክት ኣኮኣ ንቨኔሳ ዝኾነ ጋዜጠኛ ስዩም ጽሃየ ኣብ 2001 ብመንግስቲ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ሃለዋቱ ኮነ ኩነታቱ ስለዘይፍለጥ፡ ንዕኡ ንምጥባቕ ኢላ ዝመስረተቶ እዩ።

ስዩም ጸሃየ፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረን፡ ብ"ተጋዳላይ ሰኣላይ" ዝፍለጥ ንናይ ኤርትራ ናይ ናጽነት ኲናት ዝሰነደ'ዩ ነይሩ።

ንሳ ዕላማ ናይቲ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ክትገልጽ እንከላ፡ "ዕላማና ነቲ ኢሳይያስ ዝኣተዎ መብጽዓ ንምዝኽኻር'ዩ። ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮነ ናይ ፓለቲካ እሱራት ክሕተት እንከሎ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ግጭት'ዩ ከም ምኽንያት'ዩ ዘቕርቦ። ሕጂ ግን ሰላም ኮይኑ'ዩ ተባሂሉ እንከሎ፡ ነዞም ጉዳያት እዚኣቶም ኣይፈትሖምን ዘሎ" ትብል።

ንስዩም ጸሃየ ክፍታሕ ዝጽውዑ ተጣበቕቲ

ምንጪ ስእሊ, ONE DAY SEYOUM

መግለጺ ስእሊ, ስዩም ጸሃየ ፍሉጥ ሳኣላይ ጋዜጠኛን ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረን እዩ

"ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፡ ዓለም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ክትርዳእን ክትፈልጥን ምግባር'ዩ ኢልና ዘበገስናዩ'ዩ"።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ግጭት ብወግዒ ድሕሪ ምብቅዑ፡ ፓለቲካዊ ለውጢ ክትገብር ካብ ብዙሓት ወገናት ትጽቢት ይግበረላ።

እታ ሃገር ብሰንኪ'ቲ ዶባዊ ግጭት፡ ኣብ ዘይእዉጅ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ክትመሓደር ጸኒሓ ክባሃል ጸኒሐ'ዩ። ሕጂ ግን እቲ ምኽንያት ተኣልዩ ስለዘሎ ለውጥታት ክተኣታቶ ይጽውዑ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት።

"መዓስ ኢኻ ኩሎም ኤርትራውያን ብናጻ ከምልኹ ተፍቅደሎም" ክትብል'ውን ካልእ ተጠቃሚት ትዊተር ሓቲታ።

ኣብ ኤርትራ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝነበሩ ዝርከብዎም ናይ ፓለቲካ እሱራት፡ ኣስታት 21 ዝኾኑ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ካልኦት ዜጋታትን ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ተኣሲሮም ከምዘለዉ መርበብ ሓበሬታ 'ዋን ደይ ስዩም' ይጠቅስ።