ሓንቲ እንግሊዛዊት ኣብ ፌስቡክ 'ፈረስ' ክትብል ስለዝተፃረፈት፡ ኣብ ቀይዲ ውዒላ

ምንጪ ስእሊ, Laleh Shahravesh
ንሓዳሽ በዓልቲ ቤት ናይ ቀደም ሰብኣያ 'ፈረስ' ክትብል ኣብ ፌስቡክ ዝፀረፈት እንግሊዛዊት፡ ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ከም ዝፅበያ ይግለፅ ኣሎ።
ኣብ ለንደር እትነብር ጓል 55 ዓመት ላሌህ ሻህረቨሽ፡ ንቐብሪ ናይ ቀደም በዓል ገዝኣ ናብ ዱባይ ምስ ኣተወት'ያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተታሒዛ።
ኣብ 2016 ምስ ካልእ ዝተመርዓወ በዓልገዝኣ ኣብ ፌስቡክ ዝጠቅዖም ስእልታት ምስረኣየት፡ ብዝፀሓፈቶም ክልተ ርእይቶታት፡ ፍርዲ ማእሰርቲ ይፅበያ።
ሻህረቨሽ ምስ በዓል ገዝኣ ን18 ዓመታት ኣብ ሓዳር ፀኒሖም'ዮም። ምስ ጓላ ናብ እንግሊዝ ምስ ተመለሰት ግን፡ በዓል ገዝኣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተሪፉ። ሽዑ ድማ ፍትሕ ፈፂሞም።
ኣብ ፌስቡክ ተጠቂዑ ብዝረኣየቶ ስእልታት ድማ በዓል ገዝኣ ዝነበረ ሰብ ምስ ካልእ ከም ዝተመርዓወ ክትፈልጥ ኪኢላ።
በዚ ሓሪቓ ክልተ ርእይቶታት ዝፅሓፈት ኮይና፡ እቲ ሓደ "ትሕቲ መሬት ክትኣትዉ ተስፋ እገብር ኣታ ዓሻ፡ ነዛ ፈረስ ክትብል ንዓይ ገዲፍካኒ" ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘሎ፡ ብኢንተርኔት ንዝፍፀሙ ገበናት ('ሳይበር-ክራይምስ') ዝዳንይ ሕጊ፡ ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝጥቅዑ ፀለመታት ብማእሰርትን ገንዘብ ይቐፅዕ።
ላሌህ ሻህረቨሽ ከኣ በቲ ኣብ እንግሊዝ ኮይና ዝፀሓፈቶ ፀርፊ፡ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ ማእሰርተን መቕፃዕቲ 50,000 ፓውንድን ከም ዝፅበያ ይግለፅ ኣሎ።
ኣብ ዱባይ እትነብር ናይ በዓል ገዝኣ ነበር ሓዳሽ ሰበይቲ'ያ ፡ ነቲ ኣብ ፌስቡክ ዝፀሓፈቶ ፀርፍታት ኣመልኪታ ዝኸሰሰት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







