ካኒየ ዌስት፡ ናይ ትዊተርን ኢንስተግራምን ኣካዉንቱ ኣጥፊኡ

ካንዬ ዌስት ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣጥፊኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካንዬ ዌስት ኣዘራራቢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ካብ መጥቀሚታት ማሕበራዊ ሚዲያ ጠፊኡ።

ብቐዳም ምሸት ድማ፡ ናይ ትዊተርን ኢንስተግራምን መጥቀሚታቱ ዘጥፍኦም ይመስል።

እዚ 'ዬ' ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝደሊ ራፐር፡ ንግዲ ባርያ ንከብቅዕ ንመበል 13 ግዘ ክመሓየሽ ዝተገበረ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ 'ክጠፍእ' ኣለዎ ብምባሉ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ናብዚ ኣካታዒ ኾይኑ'ዩ ኣሎ።

ካንዬ ዌስት 'ክጠፍእ ኣለዎ' ዝበለሉ ኣገላልጻ ጸኒሑ እንተብርህ፡ 'ክመሓየሽ ኣለዎ' ንምባል'ዩ ኢሉ።

እዚ ደራፊ፡ 'ኣሜሪካ ዳግም ዓባይ ንግበር' ዝብል ጭርሖ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ቖቢዕ ገይሩ፡ ኣብ ቕድሚ ደገፍቱ ዝተርኣየ እንትኾን፡ ነቲ ፕሬዝደንት ዘለዎ ደገፍ ድማ ገሊጹ'ዩ።

"ብዙሕ ግዘ ምስ ጸዓዱ ሰባት እንትዘራረብ፡ 'ከመይ ኣቢልካ ንፕራምፕ ትፈቱዎ፡ ዓሌታዊ'ዩ?' ይብሉኒ። ኣነ ብዛዕባ ዓሌታውነት ዘገድሰኒ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ካብ ኣሜሪካ ምወጻእኹ ነይረ" ኢሉ ዌስት።

ካንዬ ዌስት ቖቢዕ ዶናልድ ትራምፕ ለቢሱ ምርኢት ሙዚቃ እንተቕርብ

ምንጪ ስእሊ, Saturday Night Live / NBC

ካንዬ ዌስት፡ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ መጥቀሚታቱ እንተጥፍእ ንፈላማ እዋን ኣይኮነን። ንነዊሕ ግዘ ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ'ዩ ዳግም ናብ ትዊተር ተመሊሱ።

ናይዚ ማሕበራዊ መራኸቢ መጥቀሚ ሽሙ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን "ዬ" ናብ ዝብል ቐይሩ።