ምኒስተር ጸዓት ዩክረይን ነበር፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምኒስተር ጸዓት ዩክረይን ነበር ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብብልሽውና ስሞም ካብ ዝተጠቐሱ ሰበስልጣናት ሓደ ዝዀነን ድሒሩ ካብ ዝልጣኑ ዝተኣልየን ጀርመን ቻሉሽቼንኮ፡ ዩክረይን ሓዲጉ ክወጽእ ኣብ ባቡር ከም ዝተታሕዘ ተገሊጹ።
እዚ ምኒስተር ነበር፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ምዝማት 100 ሚልዮን ዶላር ዝተሳተፉ ሓያሎ ሰበስልጣን ምንባሩ ኣብ ሓምለ ተጠቒሱ ነይሩ።
እቲ ተግባር ብልሽውና፡ ንምምሕዳር ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ካብ ስልጣኑ ክኣሊ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣንቂሉ ነይሩ።
ምምሕዳር ዘለንስኪ፡ ሃገሩ ቅድሚ ብሩስያ ምውራራ፡ ብልሽውና ካብታ ሃገር ክጸርግ ቃል ብምእታው እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ኣብ እዋን ኲናት ናይ ቀረባ ኣማኻርን ሓላፊ ስታፍን ዘለንስኪ ዝነበረ ኣንድሪ ይርማክ፡ ገዝኡ ድሕሪ ምፍታሹ ስልጣኑ ከም ዝገደፈ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ይዅን ይርማክ ኣጥፊእኩም ተባሂሎም ኣይተኸሰሱን።
እንተዀነ፡ እዚ ናይ ብልሽውና ጉዳይ ምስ ተላዕለ፡ ብመሰረት ቅዋም ዩክረይን፡ እታ ሃገር ካብ 2022 ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ወራር ሩስያ ካብ እትኣቱ መረጻ ኣየካየደትን። እዚ ናይ ብልሽውና ጉዳይ ምስ ተላዕለ መረጻ ከተካይድ ካብ ኣመሪካ ጸቕጢ ክብርትዓ ተራእዩ።
ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ጸረ-ብልሽውና ዩክረይን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መርመርቲ ነቲ ምኒስተር ጸዓት ነበር "ዶባት እታ ሃገር እናሰገረ" ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተውዎ ገሊጹ።
ኣብቲ መግለጺ፡ ጋሉሽቸንኮ ብግልጺ'ኳ እንተ ዘይተጠቕሰ፡ ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ዩክረይን ግን ስሙ ተረቚሑ።
ጋሉሽቸንኮ ንሰለስተ ዓመታት ምኒስተር ጸዓት ኰይኑ ድሕሪ ምስራሕ፡ ንሓጺር እዋን ምኒስተር ፍትሒ ኰይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።
ዘለንስኪ ኣብ ሕዳር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።
ንዓኡ ዝተክአ ስቪትላና ህሪንቹክ'ውን ኢዱ ኣብ ብልሽውና ከም ዘእተወ ምስ ተፈልጠ ካብ ስልጣኑ ክለግስ ተገይሩ።
ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ጸረ ብልሽውና ብዛዕባ ማእሰርቲ ጋሉሽቸንኮ ዝዀነ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተ ዘይሃበ፡ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ግና ሓድሽ ሓበሬታ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ።
ነቶም ሓለዋ ዶባት፡ ክሃድሙ ብዛዕባ ዝፈተኑ ሰበስልጣን ጸብጻብ ክህቡ ድሕሪ ምሕባሮም፡ እቲ ምኒስተር ንተወሳኺ መርመራ ናብ ኪየቭ ከም ዝተወስደ ራድዮ ፍሪ ኤውሮጳ ሓቢራ።
ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ጸረ ብልሽውናን ካልእ ኣካል ጸረ-ብልሽውና ዝዀነ ትካልን ከም ዝገለጹዎ፡ ስርሒት ሚዳስ ዝተሰምየ ሰፊሕ ወፍሪ ጸረ ብልሽውና ን15 ኣዋርሕ መርመራ ከም ዝቐጸለን እዚ ድማ ውጽኢቱ ምዃኑን ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







