'ምስጢራዊ' እማመ ሰላም ዩክረይን፡ ዛጊት እንፈልጦን ዘይንፈልጦን እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ዩክረይን ዝካይድ ዘሎ ኲናት ንምቍራጽ ሓድሽ እማመ ሰላም ከም ዘዳለዋ ይንገር፣ እዚ ምእንቲ ክፍጸም ድማ ካብ ኪቭ ሕድገት ምግባር ከም ዘድልዩ እዩ ዝግለጽ።
እቲ እማመ፡ ዩክረይን ገና እትቈጻጸሮ ዘላ ግዝኣት ክትሓድግን ብዝሒ ሰራዊታ ክትቅንስን ከም ዝሓትት ሓያሎ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።
ሰበስልጣን ኤውሮጳ ኮነ ዩክረይን ኣብቲ ዘተ ከም ዘይሳተፉ ይእመን። እቲ እማመ ብዓቢኡ ንሩስያ ዘርብሕ ከይከውን ስግኣት ኣለዓዒሉ ይርከብ።
ኣመሪካ፡ "ዝርዝራውን ቅቡልን" እማመ ሰላም ከም ዝዀነ ትኣምን። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሩስያን ዩክረይንን፡ "ስምምዕ ሰላም ምፍጻም ምሕንጋዶም፡" ስክፍታኡ ከም ዝዓበየን ነዚ ንምስላጥ ዘቘመ ጕጅለ ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐትን ገሊጹ።
ሩስያ፡ ብዛዕባ እቲ እማመ ዘረጋግጽ መግለጺ ኣይሃበትን።
ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ "ብወገን ኣመሪካ ዝቐረበ ወግዓዊ ንድፊ፡" ከም ዝተቐበለን ዲፕሎማሲ ዳግማይ ንምሕያል ከም ዝሕግዝን መግለጺ ኣውጺኡ።
ቀዳመይቲ ምኒስተር ዩክረይን ዩልያ ስቪሪደንኮ ብሓሙስ ኣብ ኪቭ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ተራኺባ። ቤትጽሕፈት ዘለንስኪ፡ "እቶም ወገናት ኣብ ድንጋገታት ናይቲ እማመ ክሰርሑ ተሰማሚዖም። እዚ ድማ ነቲ ኲናት ፍትሓዊ መዕለቢ ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል መንገዲ ዝወስድ እዩ፡" ኢሉ።
ሩስያ ኣብ 2022 ምሉእ ወራር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝጀመረት ኰይና፡ እዚ ግጭት ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ኰይኑ ኣሎ።
ዛጊት እንፈልጦ፡ ሓያሎ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ዝርዝር ናይቲ 28 ነጥብታት ከም ዘለዎ ዝንገረሉ እማመ ጸብጺበን ነይረን። ነዚ ድማ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ ከምኡ'ውን ልኡኽ ሩስያ ኪሪል ድሚትሪየቭ ከም ዝተሰማምዕሉ ተገሊጹ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ፡ ዊትኮፍ ኣብቲ እማመ፡ "ዓው-ዓው ከይበለ ክሰርሕ" ከም ዝጸንሐን ካብ ሩስያውያንን ዩክረናውያንን "ኲናት ደው ንምባል ቅቡላት ዝዀኑ ነጥብታት፡" ርእይቶ ከም ዝተዋህበን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ እማመ፡ ዩክረይን ዓበይቲ ሕድገታት ክትገብር ከም ዝሓትት ዝሕብር ጸብጻባት ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክወጽእ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ቢቢሲ ቃለመሕትት ዘካየደሉ ብዓል ስልጣን ግና፡ "ዩክረይን ጥራሕ ዘይኰነት፡ ክልተኦም ወገናት ሕድገታት ክገብሩ ክግደዱ እዮም፡" ኢሉ።
ከም ኣክሲዮስ፡ ፋይናንሻል ታይምስን ሮይተርስን ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ብምጥቃስ፡ ኪቭ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻራ ዘሎ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝርከብ ዞባ ዶንባስ ክትገድፍ ትጽቢት ከም ዝግበር፡ ብዝሒ ሰራዊታ ክትቅንስን ብዙሕ ኣጽዋራ ከም እትሓድግን ጸብጺቡ።
ብዛዕባ እቲ ውጥን ንፈለማ ዝጸብጸት ኣክስዮስ፡ ዩክረይን ንዞባ ዶንባስ ክትሓድግ እንከላ፡ ኪቭን ኤውሮጳን ድማ ከም ኣምሳያኡ ሩስያ መጥቃዕቲ ከይተካይድ ካብ ኣመሪካ ውሕስነት ጸጥታ ክረኽባ ምዃነን ትገልጽ።
ፋይናንሻል ታይምስ፡ ዩክረይን ንወተሃደራዊ ሓይላ ብፍርቂ ከተጕድሎ ከም እትሰማማዕ ሓቢራ። ዩክረይን ንቛንቋ ሩስያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህቦን ንኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሩስያ ከለላ ክትህቦን ብተወሳኺ ይጠልብ።
ተለግራፍ ግን፡ ኪቭ ሕጋዊ ዋንነት ዶንባስ ክህልዋ እንከሎ፡ ሩስያ ከም ኣምሳያ ኣብኡ እትጸንሖ ክራይ ክትከፍል ምዃና ትገልጽ።
ብመሰረት ቅዋም ዩክረይን፡ ግዝኣታዊ ሕቶታት ብሃገራዊ ረፈረንደም እዩ ክውሰን ዘለዎ፣ እዚ ድማ ዳርጋ ብርግጽ ዝፈሽል ድምጺ እዩ።
ብማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ቃለመሕትት ዝተገብረሉ ሓደ ምንጪ፡ እቲ እማመ፡ "ነቲ ሩስያ ዝተቘጻጸረቶ ክረምያን ካልኦት ዞባታትን ኣፍልጦ ንምሃብ፡" ዝጽውዕ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓይልታት ሩስያ ሓደ ሕምሲት ክፋል መሬት ዩክረይን ተቘጻጺሮም ገና ይቕጽሉ ኣለዉ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ዩክረይን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ትፍጽም ኣላ።
ኣብ 2022 ክረምሊን ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን - ዶነስክ፡ ሉሃንስክ፡ ዛፖሪዚዝያን ከርሰንን ምስኣ ጸንቢራተን - ዋላ እኳ ገና ምሉእ ምቍጽጻር እንተ ዘይሃለዋ።
ሩስያ፡ ኣብ 2014 ንክረምያ ካብ ዩክረይን መንዚዓ ጸንቢራታ።

ምንጪ ስእሊ, EPA / Shutterstock
ኣብቲ ጸብጻብ እማመ ዘይነጸረ እንታይ እዩ?
ምሉእ ዝርዝር ናይቲ እማመ ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ብመሰረት ብኤኤፍፒ ዝተጠቕሰ ሓደ ምንጪ፡ ኣምሳያ ናይቲ ኪቭ ክትገብሮ እትኽእል ሕድገት ሩስያ እንታይ እያ ክትክሕስ ንጹር ኣይኰነን ይብል። ኪቭ ነቲ ሕድገት ኢድካ ምሃብ እያ እትብሎ።
ፑቲን ዩክረይን ናብቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኔቶ ናይ ምእታው ውጥና ክተቋርጾን ካብቲ ሞስኮ ከም ኣካላ እትቘጽሮ ኣርባዕተ ጾባታት ሰራዊታ ከተውጽእን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክጠልብ ጸኒሑ እዩ።
ሩስያ ካብቶም ጠለባታ ዝሓደገቶ ነጥቢ እንተሎ ዝዀነ ምልክት ኣየርኣየትን። ዩክረይን ብወገና'ውን ከም ዘይትቕበሎ ቅድሚ ሕጂ ኣነጺራ ነይራ እያ።
ዝወሃብ ዘሎ ግብረመልሲ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters / EPA / Shutterstock
ኣመሪካ ሓደ እማመ ከም ዝተነድፈ እኳ እንተ ገለጸት፡ ሩስያ ግን ዛጊት ዝሃበቶ መግለጺ የሎን።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ክልተኦም ወገናት ሰላም ንምስፋን ኣድላዪ ሕድገታት ክገብሩ ከም ዘድልዮም ጽሒፉ። ኣመሪካ ምስ ክልተኦም ወገናት ነቲ ኲናት ደው ከብሎ ዝኽእል ሓሳባት ከምጽኡ ትዘራረብ ከም ዘላ ገሊጹ።
ወሃቢ-ቓል ክረምሊን ድሚትሪ ፔስኮቭ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኣመሪካ "ርክብ" ከም ዝተኻየደ፣ እንተዀነ፡ ዝዀነ ዝርርብ ወይ ዘተ ከም ዘይተኻየደ ገሊጹ።
ወሃቢ-ቓል ፔስኮቭ ብቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብዛዕባ ህላወ ናይቲ እማመ ከረጋግጾ ዝኽእል ነገር ከም ዘየሎ፣ "ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ኣንኮራጅ ዝበልናዮ ክንውስኾ እንኽእል የብልናን። ኣብዚ ጉዳይ ሓድሽ ክንብሎ እንኽእል የሎን፡" ኢሉ።
ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ ዝዀነ እማመ ደገፍ ዩክረናውያንን ኤውሮጳውያንን ክህልዎ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዣን-ኖይል ባሮት ወሲኹ፡ "ዩክረናውያን ዝዀነ ኢድካ ምሃብ ኣይደልዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ቤትጽሕፈት ዘለንስኪ ብሓሙስ ቅድሚ ምዝራቡ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዩክረይን ብዛዕባ እቲ ዝውረየሉ ዘሎ እማመ ኣይተዘራረበን። ዩልያ ስቪሪደንኮ ግን ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝገበረቶ ርክብ፡ እቶም ሰበስልጣን ነቲ ኲነታት ክግምግሙዎን ሳዕቤን ወራር ሩስያ ክርእዩዎን ዕድል ከም ዝሃቦም ገሊጻ።
ዘለንስኪ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ሩስያ መሬት ዩክረይን ክትወስድ ንዝብል ሓሳብ ክቃወም ጸኒሑ እዩ።
ኪቭን ኣመሪካ እትርከበን ምዕራባውያን መሻርኽታን ቅጽበታዊ ምቍራጽ ተዅሲ ክካየድ ይደልያ።
ሞስኮ ግን ነዚ ኣይትቕበሎን፣ ዩክረይን ስዩም ክትብል ትጠልብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







