ምስጢራውያን ድሮናት ብለይቲ ኣብ መላእ ሰማያት ኤውሮጳ ተራእየን፡ ክሳብ ክንደይከ ይጸልወና?

ፈለማ መጠንቀቕታ እዩ ዝመጽእ፣ ናብ መዕቘቢኹም እተዉ ዝብል መልእኽቲ ድምጺ ናብ ነፍስወከፍ ሰብ ይበጽሕ። እታ ከተማ`ውን ብናይ መጠንቀቕታ ደወል ትበሓት።
ብድሕሪ`ዚ፡ ኣማኢት ድሮናት ከም ኣንበጣ ኣብ ሰማይ ኣጽበልቢለን ኒል ዝብል ድምጺ የስምዓ።
ነዚ ስዒቡ፡ ድምጺ ጸረ-ነፈርትን ካብ ርሑቕ ድምጺ ፍንጀራን ንእለቱ ይስማዕ። ካብዚ ቀጺሉ፡ ዝተሃስዩ ንምርዳእ ናይ ዝንቀሳቐሳ ድምጺ ኣምቡላንሳት ይስዕብ።
እዚ ተጓንፎ`ዚ፡ ክየቭን ኣብ መላእ ዩክረይን ዝርከባ ካልኦት ከተማታትን ዝሓልፍኦ ዘለዋ ህይወት እዩ።
እዚ ኵሉ ብሰንኪ ድሮናት ዝጋጠም እዩ። እዚ ኣብዚ ግዜ`ዚ ዝካየድ ዘሎ ዘመናዊ ኲናት ካብ ድሮናት ነጻጺልካ ዝርአ ኣይኰነን።
እንተዀነ፡ ኣብ ዓውደ-ውግእ ጥራሕ ዝተሓጽራ ኣይኰናን።
ድሮናት ካብ ዩክረይን ርሒቐን ኣብ መላእ ምዕራብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ወተሃደራዊ መደበራትን መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ክዛውና ይርኣያ እየን።
እዚ ኵሉ ኣካል ናይቲ ሩስያ እተካይዶ ዘላ ስሩዕን ዘይስሩዕን ኲናት ኰይኑ፡ ገሊኦም ድማ ንተጻዋርነት ናይተን ንዩክረይን ዝሕግዛ ዘለዋ ሃገራት ኔቶ ንምፍታን ከም ዝመጽኣ ግምቶም የስፍሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንፖላንድ፡ በልጁምን ዴንማርክን ሓዊሱ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ መሰረተ-ልምዓታት ዝተራእየ ምዝንባይ ድሮናት፡ ኣብ ገለ ሃገራት ኣባላት ኔቶ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብዚ ግዜ`ዚ ንገለ ክፋል ኤውሮጳ ብቐጸላታት ገይሩ ኣብ ሰማይ ዝሓጽር፡ "መጋረዲ ድሮናት" ክሕንጸጽ ምዃኑ ይዝረብ ኣሎ።
እዚ ግና ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ እዩ? ኣገዳሲ ኰይኑ ዝስዕብ ሕቶ ድማ ክሳዕ ክንደይ ክውንነታዊ እዩ ዝብል ይኸውን።
ንኤውሮጳ ዘበራብር ጻውዒት
ብ9 መስከረም ኣስታት 20 ድሮናት ሩስያ ንዩክረይን ብምውቃዕ ናብ ፖላንድ ብምብራረን ኣርባዕተ መዓርፎ ነፈርቲ ፖላንድ ክዕጸዋ ተገዲደን።
ነፈርቲ ኔቶ ንሓያሎ ድሮናት ሃሪመን፣ ስብርባረን ፈቖዶኡ ፋሕ ኢሉ ኣሎ።
እተን ድሮናት፡ በቶን ኣብ ሰማያት ፖላንድ ፋሕ ዝበላ ነፈርቲ ኔቶ ተሃሪመን ካብ ክሊ ኣየር ፖላንድ ከይወጽኣ ወዲቐን እየን።
እዚ ሃገራት ኤውሮጳ ንኽነቕሓ ደወል ጻውዒት ኰይኑ፡ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅምር ካብ ዝዓበዩን ዝኸበዱን ምጥሓስ ክሊ ኣየር ኔቶ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ስለዝዀነ፡ ንድሮናት ዝድርት ቀጸላታት ሓጹር ኣብ ሰማይ ክትከል ዘኽእል ዘተ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ዝድፍኣሉ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ኣህጉራዊ መደብ ጸጥታ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ካትጃ ቤጎ፡ "እዚ፡ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝተፈጸመ ወራራት ዝተደፋፍአ እዩ፡" ትብል።
ድሮናት ወይ ወግዓዊ ስመን Uncrewed Aerial Systems (UAS) ወይ Unmanned Aerial Vehicles (UAVs) ነዚ ዘመናዊ ውግእ ምሉእ ብምሉእ መልክዑ ቀይረንኦ እየን።
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክረይን፡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕላ ዘለዋ ናይ ሓጺር ርሕቀት ድሮናት፡ ዓቐነንን ኣስታት 25.4 ሰንቲ ሜትር ጥራሕ ኰይኑ፡ ቀተልቲ ተፈንጀርቲ ናይ ምሽካም ዓቕሚ ኣለወን።
እተን ዝዓበያ ድሮናት፡ ንኣስታት 1,000 ኪሎሜትር ብዘይ ጸገም ክበራ ይኽእላ።
እዘን ከምዚ ዓይነት ድሮናት'የን ኣብ ኤውሮጳ 'ሓጹር መከላከሊ ድሮናት' ክህነጽ ጻውዒት ክቐርብ ዝድርኻ ዘለዋ።
ቅድሚ ሕጂ ሩስያ ብሻሂድ 136 ዝፍለጣ ድሮናት ካብ ኢራን ትሽምት ነይራ፣ ሕጂ ግን ባዕላ ነዲፋ ባዕላ ብእትሰርሐን ዘላ እያ እትጥቐም ዘላ።
እተን ሩስያ ባዕላ ተፍርየን ዘላ ድሮናት ጀራን-2 ዝሰመየተን፣ ገለ ካብተን ናብ ሰማያት ፖላንድ ዝኣተዋ እየን።

ስለዚ፡ ሩስያ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 200 ድሮናት እንተ ሰዲዳ ወይ ንበል 2,000 እንተ ልኢኻ፡ ኔቶ እንታይ ዓይነት መልሲ'ዩ ክህብ፣ ብሓቂኸ መልሲ ክህብ ድዩ ዝብል ብዙሓት ዘልዕልዎ ዘለዉ ሕቶ'ዩ።
ንነፍሲወከፍ ምንቅስቓስ ድሮናት፡ ነፈርቲ ውግእ እናኣተንሳእካ ግብረ-መልሲ ክትህበሉ ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ንመንግስታት ኤውሮጳ ድጂታዊ ስርዓታት ዝሃንጽ ናይ ዴንማርክ ናይ ኣገልግሎት ኣይቲ ትካል ኔትካምፓኒ ኣንድሬ ሮጋቸቭስኪ፡ "እዚ ውጽኢታዊ ወይ ርትዓዊ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ኣይኰነን፡" ይብል።
ብዙሕ ምስጢራት ድሮን
ዩክረይን ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሩስያን ከም ትካላት ፔትሮኬሚካል ዝኣመሰሉ ወሰንቲ መሰረተ-ልምዓት፡ ብድሮናት ናይ ምጥቃዕ ዓቕማ ኣሐይላ ከተጥቕዕ ምስ ጀመረት፡ እቲ ኵናት ዳርጋ ንዅሎም ዜጋታት ሩስያ ዝዅሕኵሕ ስለ ዝነበረ፡ መንግስቲ ሩስያ ዜጋታቱ ንኸለዓዕል ሓጊዝዎ'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ብዘይካ'ዚ ናይ ባሕሪ ድሮናት'ውን ኣለዋ፣ እዘን ድሮናት ብጥቓ ጽፍሒ ባሕሪ ወይ ብትሕቲ ማይ ናይ ምብራር ዓቕሚ ኣለወን።
ዩክረይን፡ ነተን 'ብላክ ሲ ፍሌት' ተባሂለን ዝጽውዓ እኩባት መራኽብ ሩስያ'ውን ብኸምዚአን ዓይነት ድሮናት ገይራ'ያ ኣጥቂዓተን።
ገለ እተን ብግልጺ ኣብ ኵናት ዝርከባ ሃገራት ዝጥቀማለን ዘለዋ ድሮናት ዘውርድኦ ዕንወት ከኣ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ።
ብዛዕባ ድሮናት ዘይተገለጸ ብዙሕ ምስጢራት'ዩ ዘሎ።

እተን ኣብ ሰማያት በልጂም፡ ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ሽወደንን ጀርመንን ሊትወንያን ብለይቲ ክዝንብያ ዝተራኣያ ድሮና እንታይ ዓይነት'የን ክሳዕ ሕጂ ኣይተፈለጠን ዘሎ።
ዝዀነ ተፈንጃሪ ነገር ጽዒነን ከም ዘይነበራ ግን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እንታይ ዓይነት ከይተፈልጣ፡ ካበይ ተበጊሰ፡ መን ሰሪሑወንን ኣዚዙወንን ንምፍላት እምብዛ ኣሸጋሪ እዩ።
ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ኢደን ናብ ሩስያ እየን ዘወጣውጣ ዘለዋ፣ ሩስያ ግን ንሳ ከም ዘይኰነት ብምሕባር ነቲ ክሲ ነጺጋቶ ኣላ።
እታ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ከምኡ'ውን ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከበላ በልጁም ቀንዲ ዕለማ ምዝንባይ እተን ድሮናት ዝነበረት ሃገር'ያ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ በልጁም ደስኪሉ ዘሎ 200 ቢልዮን ዩሮ ገንዘብ ሩስያ፡ ንሩስያዶ ይፈነወላ ዋላስ ንዩክረይ ኣብ ምሕጋዝ ይውዓል ኣብ ዝብል ብዙሕ ክትዓት'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
እዚ ክትዕ እዚ ኣብ ዝረሰነሉ፡ ድሮናት ኣብ ሰማያት መዓርፊ ነፈርቲ ብራስለስን ሊጀን ከምኡ ከኣ ኣብ ገለ ሰማያት ወተሃደራዊ መዓስከራት ምርኣየን ናይ ኣጋጣሚ ነገር'ዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስለን።
ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሰማያት በልጁም ካብ ስግኣት ድሮን ናጻ ኣብ ምግባር ንምሕጋዝ ብፍሉይ ኣብ ጸረ-ድሮናት ዝሰልጠኑ ጕጅለ ናብ በልጅም ሰዲዳ ነይራ።
እተን መን ካበይ ኣበጊስወን፡ እንታይ ዓይነት'የን ዘይተፈለጣ ድሮናት ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ምዝንባየን፡ ኣብ ልዕሊ ዝዓልባን ዝበራን ስቪላውያን ነፈርትን ተጓዓዝትን ከውርድኦ ዝኽእላ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ዓቢይ ስግኣት'የን ፈጢረን ዘለዋ።
እተን ድሮናት ኣብ መዓርፊ ነፈርቲ፡ ወተሃደራውያን መዓስከራትን ትካላት ጸዓትን ምዝንባየን ከኣ'ዩ ዝያዳ ኣሻቐልቲ ገይርወን ዘሎ።
ሓጹር ድሮን፡ ናይ ብሓቂ ሓጹር ድዩ?
ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ካብ ሩስያ ብድሮን ክፍጸመን ዝኽእል ናይ ድሮን መጥቓዕቲ ንምክልኻል'የን ዓጹር ክህሉ ኣጥቢቐንን ደጋጊመንን ዘልዕልኦ ዘለዋ።
እቲ መንፈቕ ካብ ሃገራት ባልቲክ ክሳብ ጸሊም ባሕሪ ዝዝርጋሕ ብድርብራብ ቀጸላታት ዘመናውን ዝተራቐቐን ንሰማያት ዝከላኸልን ዘውሕስን ናይ ምክልኻል 'ሲስተም' ዝተሃነጸ'ዩ ክኸውን።
እዚ ብራዳር፡ ሰንሰርን ዝተሓገዘ ድርብራብ ቀጸላታት ንዝዀነት ብኡ እትሓልፍ ድሮን ብቕልጡፍ ኣለልዩ 'ጃም' ብምፍጣር፡ እቲ ዘበገሳ ኣካል ከም ዘይቈጻጸራ ገይሩ ከዕኑ ዝኽእል'ዩ ክኸውን።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ እቲ ምዕብሉን ዝተራቀቐን ጸረ-ሰብ ድሮን፡ ኣብ መወዳእታ 2027 ጀሚሩ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ተግባር ከም ዝውዕል'ያ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Global Images Ukraine via Getty Images
እተን እዚ ሓጹር ድሮናት ክህነጽ ብህንጥዩነት ዝጽበያ ዘለዋ፡ እተን ቀንዲ ብጅኦግራፊ ናብ ሩስያ ዝቐረባ ከም ፊንላንድን ፖላንድን ምዃነን ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን።
ካታጀ ባጎ እዚ ኣገዳስን ንነዊሕ ተሓሲቡ ዝጸንሐን'ዩ ትብል፣ "እዚ ብዛዕባ ድሮናት ጥራሕ ኣይኰነን፡ እቲ ክዝውተር ዝጸንሀ ጸረ-ሚሳኤላት፡ ጸረ- ነፈርትን ንሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ካብ ድሮናት ክኸላኸለንን ኣይከኣለን፡" ትብል።
እቲ ንድሮናት ንምክልኻል ዝህነጽ ሓጹር፡ ናይ ብሓቒ ተግባራዊ ክኸውን'ዩ ኢሎም ዘይኣመንሉ ብዙሓት'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Global Images Ukraine via Getty Images
ካታጀ ባጎ፡ "እተን ምስ ሩስያ ዝዳወባ ወይ ናብ ሩስያ ዝቐረባ ሃገራት ባልቲክ፡ ከምኡ`ውን ፖላንድን ጀርመንን ብቐሊሉ በተን ንነዊሕ ዝጓዓዛ ድሮናት ሩስያ ክጥቅዓ ዝኽእላ'የን። ስለዚ፡ ካብዚ ብምብጋስ ሓጹር ጸረ-ድሮን ነዘን ሃገራት ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ፡" ትብል።
ቀጺሉ፡ "እንተዀነ፡ ብዘለዎ ንውሕን ብዘሎ ቴክኖሎጂን 100 ምኢታዊት ተግባራዊ ክዀነሉ ዝኽእል ነገር ግን ከቢድ'ዩ፡" ትብል።
እቲ ዕላማ ግን ብሓፈሻ ነተን ድሮናት ጃም ብምእታው ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ገይርካ ምዕናወን እዩ።
ኣብ ለንደን ተመራማሪ ስትራተጂ ዝዀነ ፋብያን ሂንዝ፡ "ንኣዝየን ታሕቲ ዝበራ ድሮናትን ከለሊ ዝኽእል ራደራት ክህሉ ይኽእል'ዩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ብ'ኢንፍራሬድ' ዝሰርሕን ንድሮናት ኣለልዩ ዘልምስ ወይ ዘዕኑ ገይርካ'ውን ክስራሕ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock
ፋይናንስያዊ ሕቶታት
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትፍጽም፡ ኣብ ሞንጎ ዩክረይንን ሃገራት ኤውሮጳን ወጥሪ ክልዓል ግዜ ኣይወሰደን።
ሃገራት ኤውሮጳ ሳይበራዊ መጥቓዕትን ካልእን ምስ ዘጋጥመን ኢደን ናብ ሩስያ'የን ዘወጣውጣ፡ ሩስያ ከኣ ነዚ ከምዚ ዓይነት ክሲ ወትሩ ምስ ነጸገቶ'ያ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ባሕረይ ኣብ ዝተኻየደ ንጸጥታ ዝዓለም ዋዕላ ዝተሳተፈ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ሽማግለ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኢጣልያዊ ኣድሚራል ጁሰፔ ካቦ ድራጎን፡ ኔቶ ቀዳምነት ዝህቦ ስርዓት ምክልኻል ኣየር ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ዋላ ደኣ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይወሃብ፡ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ መንደቕ መከላኸሊ ድሮን ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ክጅምር ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ምስ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ብልፍንቲ ዝሰርሕ ኣብ ቨርጂንያ ዝመደበሩ ትካል ኤሲቲ ንነዊሕ ዝዓለም መደብ ሓንጺጹ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ቀሊል ብድሆ ከኣ ኣይኰነን።
ቶላስ እቲ ቀንዲ ብድሆ፡ እቲ ክሕሎ ዘለዎ መስመር ኣዝዩ ነዊሕ ምዃኑ'ዩ ይብል፣ "ብታሕቲ ንዝበራ ዘለሊ ብዙሕ ራዳራትን ብላዕሊ ክበራ ንዝኽእላ ዘለሊ ዓበይቲ ራዳራት የድሊ። እዚ ከኣ ኣብ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ዝዝርጋሕ ቦታ'ዩ ክትከል ዘለዎ፡" ይብል።
"ብተወሳኺ፡ ውጽኢታውያንን ብዋጋ ከኣ ዘይተጋነናን ጃም ዝፈጥራ የድልያካ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ነፍሲወከፍ ካልኢት ድሉው ዝዀነ ሰራዊት ከድሊ'ዩ። ኵሉ እዚ ተደማሚሩ፡ እዚ ሓሳብ ከቢድ ገንዘባዊ ርእሰ-ማል ዝሓትት ከም ዝዀነ ዘተሓታትት ኣይኰነን፡" ይብል።
እቲ ንገንዘብ ዝምልከት ዛዕባ ከኣ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ'ዩ።
ቶላስ፡ "ኣዝዩ ከቢድ ሕቶ'ዩ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምክልኻል ዘውጽአኦ ባጀት የበርኸኦ'ኳ እንተ`ለዋ እዚ ግን ብዙሓት መራኽብ ውግእ፡ ብዙሓት ሳብማሪናት፡ ብዙሕ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር፡ ብዙሓት ሳተላይታት ዝሓትት ስለ ዝዀነ መንደቕ መከላኸሊ ድሮን ብዓይኒ ባጀት ክረአ እንጀሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ'ዩ፡" ኢሉ።
ቶላስ ብምስዓብ፡ "ዳርጋ ኵሉ ሰብ ገለ ነገር ክግበር ከም ዘለዎን ምውህሃድ ከም ዘድልን ይርድኦ'ዩ። ከመይ ገይርካ ነዚ ንመስርዚ ዘድሊ ገንዘብ ትእክቦ? ኣብ ዝብል ብዙሕ ዘተ ክካየደሉ ኣይረአን'ዩ።
"ነቲ ሰማይ ብሓለዋ ዝያዳ ጽኑዕ ንምግባሩ ዝያዳ ገንዘብ'ዩ ክሓትት፡" ይብል ቶላስ።
እቲ መደብ ኣብ 2027 ክዛዘም'ዩ ምባሉ ግን ኣብቲ ዝባሂሉ ዘሎ ክዛዘም ዘሎ ተኽእሎ ኣጠራጣሪ ምዃኑ ቶላስ ዝገልጽ።

ነቲ ዋልታ'ምበር ነቲ ጭማራ ኣይትጨምት
እቲ ካልእ ከቢድ ዝገብሮ ግን ነዘን ሕጂ ዘለዋ ዓይነታት ድሮናት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ቀጸላታት ሓጹር መከላኸሊ ድሮናት ምስ ሰራሕካ፡ ንዕኡ ክበስዓ ዝኽእላ ሓደሽቲ ዓይነት ድሮናት ክስርሓ ተኽእሎ ስለ ዘሎ'ዩ።
ሓደ ካብ መስረትቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ኣብ ቴክኖሎጂ ጸጥታ ዝሰርሕ ጋሎስ ዝተባህለ ትካል ዝዀነ ጂሽ ብርሽ፡ "ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ዘሎ ምህዞታት ናህሪ ኣለዎ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ንውግእ ዝውዕላ ድሮናት፡" ይብል።
"እዚ እንተዀይኑ ከኣ ንድሮናት ንምክልኻል ኢልካ ተማዕብሎ ዝዀነ ዓይነት ቴክኖሎጂ ቀቀልጢፉ ዘይተወዳዳሪ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።"

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ዩክረይን ብሰንኪ ሩስያ ዝፈጸመቶ ናይ ድሮንን ሚሳኤልን መጥቓዕቲ ብዙሓት ሞይቶም'ዮም።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ከምቲ ነቲ ዋልታ'ምበር ነቲ ጭማራ ኣይትጨምት ዝበሃል፡ ካብ ነተን ድሮናት ምክልኻል ነቲ ቀንዲ መደበራት ድሮን ምዕናውዶ ኣይምሓሸን ኢሎም ዝሓቱ ብዙሓት'ዮም።
ቤጎ'ውን፡ "ዝያዳ ተጻዋርነት ዝሓትት ነገር'ዩ፣ እንተዀነ ፈጺሙ እንተ ዘይፍጸም ኣዝዩ ዝሓሸ ምዀነ፡" ትብል።
"እዚ ንሩስያ ወይ ነተን ብድሕሪ እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ዘለዋ ሃገራት ጽቡቕ መልእኽቲ'ዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት መስመር እንተ ሓሊፉ፡ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለን ዝኽእል ሳዕቤን ተሰኪሙለን ከም ዝመጽእ ዘርኢ'ዩ።"
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንዕላማታት ሩስያ እንተ ሃሪሙ ግን ኣዝዩ ሓደገኛን ነቲ ዘሎ ኵነታት ናብ ዝኸፍአ ዘዕርግን ክኸውን ዓቢይ ተኽእሎ ኣሎ።
ሩስያ ካብ 24 ለካቲት 2022 ጀሚራ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንኔቶን ብቐንዱ ንኣመሪካን ዓቢይ ግድል ኰይኑ እዩ። እቲ ኵናት ሩስያ ኣንጻር ኔቶ ንኸይከውን ዩክረይን ንገዛእ-ርእሳ ንኽትከላኸል ምሕጋዝ'ዩ።
ኤውሮጳ ብድሮን ንኸይጥቃዕ ሓጹር መከላኸሊ ጸረ-ድሮናት ምህናጽ ሓደ ነገር'ዩ። ነቲ ድሮናት ዝነቕላሉ ምጥቃዕ ካልእ ኣዝዩ ዝተፈለየ ነገር'ዩ።
ኤውሮጳ ግን ምርጫኣ ዘነጸረት ትመስል፣ ሕጂ ኣብ ክንዲ ነቲ ዋልታ ነቲ ጭማራ ምጭማት'ዩ ሕርያኣ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







