ሰሜን ኮርያ፡ ንዂናት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ደገፍ ከም ዝሃበት ደጊማ ኣረጋጊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ኲናት ዩክረይን ንሞስኮ "ቅድመ-ኵነት ዘይብሉ ደገፉ፡" ከም ዝሃበ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ፒዮንግያንግ ሓቢረን።
ኪም ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ፒዮንግያንግ ነቲ "ሱር ጠንቂ ቅልውላው ዩክረይን" ንምምካት፡ ኣብ ጐድኒ እቲ "ኵሉ ብመሪሕነት ሩስያ ዝተወስደ ስጕምትታት" ደው ኢላ ከም ዘላ ገሊጹ።
ሰበስልጣን ምዕራብ፡ ፒዮንግያንግ ኣንጻር ዩክረይን ንምውጋእ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 11,000 ሰራዊት ናብ ሩስያ ከም ዝለኣኸት ይኣምኑ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ኣካይዱ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሰሜን ኮርያ ከይ.ሲ.ኤን.ኤ (KCNA)፡ ኪምን ላቭሮቭን ትማሊ ሰንበት፡ "ብጻያዊ ምትእምማን ኣብ ዝመልኦ ምዉቕ ሃዋሁ፡" ከም ዝተራኸቡ ገሊጸን።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ብተወሳኺ፡ "ሰራዊትን ህዝብን ሩስያ፡ ንኽብርን መሰረታዊ ረብሓታትን እታ ሃገር ንምክልኻል ዝዓለመ ቅዱስ ዕላማ ኣብ ምፍጻም ብርግጽ ዓወት ከም ዝጓናጸፍ ጽኑዕ እምነት፡" ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ኣብ ቴለግራም፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ እቶም ክልተ ሰባት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞምን ሓድሕዶም እናተሓቛቖፉን ዘርኢ ቪድዮ ለጢፉ።
ላቭሮቭ ምስ ሰሜን ኮርያዊ መዘናኡ ቾይ ሶን ሁይ'ውን ተራኺቡ ነቶም ንሩስያ ንምሕጋዝ ዝተዋፈሩ "ጀጋኑ" ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ከም ዘመስገነ ሩስያዊ ማዕከን ዜና ታስ ሓቢሩ።
ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ዳግማይ ወተሃደራዊ ደገፍ እትገብሮ ዘላ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ሓጺር ምቍራጽ ናብ ዩክረይን ወተሃደራዊ ቀረብ ዳግማይ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ፓትሪዮት ብመንገዲ እቲ ኪዳን ናብ ዩክረይን ክትሰድድ ምስ ኔቶ ስምምዕ ከም ዝገበረ ገሊጹ።
ፒዮንግያንግ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሩስያ ሰራዊት ከም ዝለኣኸት ኣብ ሚያዝያ ብግልጺ ኣፍልጦ ሂባ።
እዚ ድማ ዩክረይንን ምዕራባውያንን ካብ ሰሜን ኮርያ ናብ ግንባር ሩስያን ዩክረይንን ዝግበር ዘሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ሰራዊት ድሕሪ ምግላጾም ድሕሪ ኣዋርሕ ዝሰዓበ እዩ።
ኪምን መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ ስምምዕ ፈሪሞም። ክልተአን ሃገራት ኣንጻር "ዓመጽ" ክገጥማ እንተዀይነን ሓድሕደን ክደጋገፋ ከም ዘለወን ተሰማሚዐን።
ሰሜን ኮርያ ብዘይካ ወተሃደራት፡ ኣብ ዳግመ-ህንጸት ናይቲ ብዂናት ዝተሃስየ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ዝሕግዙ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ክትልእኽ ምዃና'ውን ሓላፊ ጸጥታ ሞስኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጹ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







