ሓንቲ ሰሜን ኮርያዊት ብዝወረዳ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሃገር ክሲ ክትምስርት እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ሰሜን ኮርያዊት ኣብታ ሃገር ተኣሲራትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ብዝወረዳ ግህሰት፡ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡንን ካልኦት ኣርባዕተ ሰበስልጣንን ስቪላውን ገበናውን ክሲ ከተቕርብ ምዃና ተፈሊጡ።
እዛ ቾይ ሚን-ክዩንግ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ኣብ 1997 ናብ ቻይና ሃዲማ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ 2008 ግን ብዘይ ድሌታ ናብ ሰሜን ኮርያ ተመሊሳ። ድሕሪ ምምላሳ ድማ ጾታዊ ዓመጽን ስቅያትን ከም ዝወረዳ ትዛረብ።
እዚ ዓርቢ ናብ ቤትፍርዲ ዝቐርብ ጉዳይ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተወልደ ሰብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ንቾይ ዝሕግዝ ጕጅለ ተጣባቒ መሰላት ገሊጹ።
ኣብያተ ፍርዲ ደቡብ ኮርያ ቅድሚ ሕጂ ብደቡብ ኮርያውያን ብዝቐረበ ተመሳሳሊ ናይ ግህሰት ክሲ ኣንጻር ሰሜን ኮርያ ፍርዲ ሂበን እየን። ይዅን'ምበር፡ እዚ ውሳነታት'ዚ መብዛሕትኡ ምሳልያውን ብሰሜን ኮርያ ፋዕራ ዘይወሃቦን እዩ።
ኤን.ኬ.ዲ.ቢ (North Korea Database) እውን ጉዳይ ቾይ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበንን ንምውሳድ መደብ ኣለዎ።
ቾይ ትማሊ ረቡዕ ብመንገዲ ኤን.ኬ.ዲ.ቢ ኣቢላ፡ "እዚ ንእሽቶ ስጕምቲ፡ ናጽነትን ሰብኣዊ ክብርን ኣብ ምምላስ እምነ-ኵርናዕ ኰይኑ ክሕግዝ ተስፋ እገብር። ስለዚ፡ ድሕሪ ሕጂ ንጹሃት ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ትሕቲ እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ክሳቐዩ የብሎምን።"
ቀጺላ፡ "ከም ሓንቲ ብስርዓት ሰሜን ኮርያ ዝተሳቐየትን ዝደሓነትን ሰብ መጠን፡ ንስድራቤት ኪም ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክሕተቱ ብርቱዕ ሓላፍነት እስምዓኒ፡" ኢላ።
ቾይ ኣብ 2012 ዳግማይ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣምሊጣ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኮርያ ትነብር። ገና ክሳዕ ሕጂ ብናይ ኣእምሮ ስንባደ ከም እትሳቐን መድሃኒት ከም ዘድልያን ገሊጻ።
ኣህጉራውያን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ እሱራት ዝፍጸም ሕማቕ ኣተሓሕዛን ኣብ ጾታን ማሕበራዊ ደርብን ዝተመርኰሰ ዘይፍትሓዊ ኣድልዎን ዝኣመሰሉ ከቢድ ግህሰት ከም ዝፍጸሙ ሰኒዶም እዮም።
ፈጻሚት ዳይረክተር ኤን.ኬ.ዲ.ቢ ሃና ሶንግ ንቢቢሲ ኮርያ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዞም ክስታት ኣገደስቲ ዝዀንሉ ምኽንያት፡ ስቪላዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኰነስ ገበናዊ ክሲታት'ውን ስለ ዘስዕቡ ምዃኖም ገሊጻ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝቐረበ ናይ ቤትፍርዲ ክስታት፡ "ኣብ ስቪላዊ ክርክር ጥራይ ዝተሓጽረ" ምንባሩ ገሊጻ።
ኣብ 2023 ኣብ ሰኡል ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ እዋን ኲናት ኮርያ ከም ምሩኻት ተታሒዞም ኣብ ሰሜን ኮርያ ክሰርሑ ዝተገደዱ ሰለስተ ደቡብ ኮርያውያን፡ ነፍሲወከፎም 50 ሚልዮን ዎን (27,000 ፓውንድ) ክትከፍል ኣዚዙ።
ኣብ 2024፡ ተመሳሳሊ ቤትፍርዲ፡ ሰሜን ኮርያ ንሓሙሽተ ኮርያውያን-ጃፓናውያን 100 ሚልዮን ዎን (55,000 ፓውንድ) ክትከፍል ኣዚዙ።
ኣብ 1960ታትን 1980ታትን ካብ ጃፓን ተበጊሶም ናብ ሰሜን ኮርያ ዝኸዱ ኰይኖም፡ "ገነት ኣብ ምድሪ" ምዃና መብጽዓ ተኣትዩሎም እኳ እንተኸዱ፡ ኣብኡ ዝጸንሖም ግን ማእሰርትን ግዱድ ሽቕለትን እዩ።
ሰሜን ኮርያ ነዚ ክስታት መልሲ ኣይሃበትን።
ፈጻሚት ዳይረክተር ኤን.ኬ.ዲ.ቢ ሃና ሶንግ፡ እዚ ውሳነታት ቤትፍርዲ ነቶም ግዳያት እቲ ጉዳይ መደምደምታ ከም ዝረኸበ ክስምዖም ከም ዝገብር ትዛረብ፣ "ግዳያት ዝያዳ ዝደልዩዎ ገንዘባዊ ካሕሳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክእመኑን ኣፍልጦ ክወሃቦምን'ዩ፡" ክትብል ገሊጻ።
ወሲኻ ድማ፡ "እቲ ቤትፍርዲ ዝህቦ ንዓታቶም ዝጠቕም ውሳነ ዓቢይ ትርጕም ኣለዎ። ታሪኾም ብኣታቶም [በቶም ገፋዕቲ] ጥራይ ከም ዘየኽትም ይነግሮም - ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዝረኸበን ኣብ ታሪኽ ብወግዒ ዝተመዝገበን'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







