ፑቲን፡ ንደቡብ ኮርያ ብትሪ ዘጠንቀቐሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፑቲን፡ ደቡብ ኮርያ ንዩክረይን እንድሕር ኣዕጢቓታ “ዓቢ ጌጋ” ከምዝኾነ ብምሕባር ብትሪ ኣጠንቂቑ።
ደቡብ ኮርያ፡ ከም ግብረ መልሲ እቲ ሰሜን ኮርያን ሩስያን ንዝኾነ ተጻብኦታት ብሓባር ክምክታ ዝኣተወኦ ስምምዕ፡ ንሳ’ውን ንዩክረይን ኣዕነውቲ ኣጽዋራት ከተዕጥቓ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባራ’ዩ ፕረዚደንት ፑቱን ነቲ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።
ፑቲን ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ደቡብ ኮርያ ንዩክረይን እንተ ኣዕጢቓታ “እቲ ንሕና ንውስኖ ብርግጽ ነዞም ዘለዉ መራሕቲ ደቡብ ኮርያ ዘየሐጉስ’ዩ ክኸውን” ኢሉ።
ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንጉ ኡን ኣብ ምክልኻል ሓባራዊ ስምምዕ ድሕሪ ምፍረራሙ ናብ ቬትናም ዝገሸ ፑቲን፡ ነቲ መግለጺ ካብ ቬትናም ኮይኑ’ዩ ተዛሪብዎ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ደቡብ ኮርያ ቻንግ ሆ ጂን፡ ስምምዕ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ንሃገራዊ ድሕነት ደቡብ ኮርያ ስግኣት ከምዝኾነ ብምጥቃስ ሃገሩ “ዩክረይን ብኣዕናዊ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ንምሕጋዝ ዳግማይ ክትሓስበሉ'ያ” ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ድሕሪ መግለጺ ፑቲን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ብዙሕ ተክእሎታት’ዩ ዘሎ” ድሕሪ ምባል ደቡብ ኮርያ ንዩክረይን ብወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሕግዝን ዘይክትሕግዝን “ኣብ ሩስያ’ዩ ዝምርኮስ” ክብል ሓቢሩ።
ነቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዘለዎ ተቋውሞ ድማ ገሊጹ።
ዮንሃፕ ዝተብሃል ማዕከን ዜና ደቡብ ኮርያ’ውን ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታቱ ብምጥቃም፡ ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ዘለዎም ተቃውሞ ንምስማዕ ኣብ ሃገሮም ንዘሎ ኣምባሳደር ሩስያ ክጽውዕዎ ምዃኖም ጸብጺቡ።
ደቡብ ኮርያ ኣቐድም ኣቢላ ዩክረይን ሰብኣዊ ረድኤት ክትህብ ጽኒሓ’ያ፡ ኣዕናዊ ኣጽዋር ግን ብተደጋጋሚ ተሓቲታ ፖሊሲኣ ኣብ ኵናት ንዝርከባ ሃገራት ንሓዲአን ምዕጣቕ ከምዘየፍቕደላ ብምጥቃስ ክትኣቢ ጸኒሓ።
ሰሜን ኮርያ፡ ንሩስያ ብሚሳኤላት ከተዕጥቃ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ናይ ሕጂ ርክቦም’ውን ፕረዚደንት ኪም ንሩሰያ ኣብቲ ኣንጻር ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኵናት ምሉእ ደገፍ ከምዝገብረላ ቃል ኣትዩ’ሎ።
ሎሚ ንግሆ ኣማኻሪ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ንስምምዕ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስምምዕ እዘን ክልተ ሃገራት “ንዝኾነት ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ክህሉ ትሓስብ ሃገር ዘሻቕል’ዩ” ኢሉ።
ስምምዕ እዞም ክልተ መራሕቲ ካብ ጃፓን’ውን ተቃውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ውሃቢ ቃል መንግስቲ ጃፓን ዮሺማሳ ሃያሺ ነቲ ስምምዕ “ዘይቅቡል” ብምባል ሃገሩ ዘለዋ ተቃውሞ ኣስሚዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







