ሩስያን ሰሜን ኮርያን ወተሃደራዊ ኪዳን ክገብራ ተሰማሚዐን

ፑቲንን ኪም ጆንግ ኡንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያን ሰሜን ኮርያን፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓዲአን መጥቃዐቲ እንተተፈጺሙ ተሓባቢረን ንኽምክታ ከምዝተሰማምዓ ፕረዚደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን ሓቢሩ።

መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ነቲ ፕረዚደንት ብምጥቃስ ከም ዘጋውሐኦ፡ ፒዮንግያንግን ሞስኮን ዝተፈራረሞኦ ስምምዕ፣ ኣብ ሓዲአን መጥቓዐቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ወቕቲ እታ ካልእ ሃገር ድጋፍ ብምሃብ ብሓባር ክምክታ'የን ተሰማሚዐን።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሩስያ፡ ፑቲንን ኪም ጆንግ ኡንን ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ድልድል ክሃንጹን ኣብ ዓውድታት ጥዕና፡ ትምህርቲን ስነፍልጠትን እውን ብሓባር ክሰርሑን እዮም።

ቭላድሚር ፑቲን ናብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ናብ ኣደባባይ ብዘውጸ ህዝቢን ብድሙቕ ወተሃደራዊ ምርኢትን ምዉቕ ኣቀባብላ ክግበረሉ እንከሎ፡ መዘኑኡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ናብ ሞስኮ ንክመጽእ ድማ ወግዓዊ ዕድመ ኣቕሪብሉ ኣሎ።

ኪም ጆንግ ኡን፡ ሩስያ ናይ ሰሜን ኮርያ ሓቀኛ ፈታዊት እያ ክብል እንከሎ፡ ፑቲን ድማ 'ህዝቢ ኮርያ እንፈትዎ ፈታዊና'ዩ' ብምባል ንሓድሕዶም ከምዝተሞጋገሱ ወኪል ዜና ሩስያ ጠቂሱ።

ብተወሳኺ ፑቲን ብግዲኡ ምሉእ መቐረቢ ሻሂ፡ ስርሓት ሩስያ ዝዀነት ኣውራስ ዝተባህለት መኪናን ጉራዴን ብህያብ መልክዕ ንኪም ኣበርኪትሉ እዩ።

እቶም ክልተ መራሕቲ ተራኺቦም ንክልተ ሰዓታት ከምዝዘተዩ እውን ዝተፈላልዩ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ቁጥዐ ደቡብ ኮርያ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኪምን ፑቲንን ዘይተሓስበ ምሕዝነት ንደቡብ ኮርያ ኣየሕጎሳን።

መራሕቲ ደቡብ ኮርያ፡ እቶም መራሕቲ ክልቴን ሃገራት ኣብ ዝተራኸብሉ ወተሃደራዊ ስምምዓት ከምዝፍጽሙ፡ ኣቐዲሙ በጺሑና'ዩ ብምባል፡ ሩስያ ኣብቲ ምስ ሰሜን ኮርያ እትገብሮ ርክባት ቀይሕ መስመር ክትሓልፍ ከምዘይብላ ገሊጾም።

ኣማኻሪ ጸጥታን ድሕንነትን ደቡብ ኮርያ ቻንግ ሆ-ጂን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትካይዶ ዘላ ጦርነት ምስ ኣብቅዐ፡ ምሕዝነታ ምስ ስሜን ኮርያ ወይ ድማ ምስ ደቡብ ኮርያ ክትቕጽል ከምዘለዋ ክትፈልጥ ኣለዋ ኢሉ።

ዩክረይን ካብ ሩስያ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸማ ንደሓር ንደቡብ ኮርያ ዘቅረበቶ ሕቶ ወተሃደራዊ ድጋፍ ምላሽ ኣይረኸበን።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘካይዶ ዑደት ምስ ዛዘመ ናብ ቬትናም ከምዘምርሕ ቤት ጽሕፈት'ቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቬትናማዊት ከተማ ሃኖይውን ንፕረዚደንት ሩስያ ንምቕባል ዓቢ ምሽብሻብ ኣብ ምግባር ትርከብ።