ሰሜን ኮርያ ንጐረቤታ ደቡብ ኮርያ ጓሓፍ ደፊኣትላ

ሰብመዚ ሴኡል ነበርቲ ናብ ግዳም ከይወጹን ዝዀነ "መንነቱ ዘይተፈልጠ ነገር" ከይትንክፉን ኣጠንቂቖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰብመዚ ሴኡል ነበርቲ ናብ ግዳም ከይወጹን ዝዀነ "እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ነገር" ከይትንክፉን ኣጠንቂቘም

ሰሜን ኮርያ፡ ብኣስታት 260 ዓበይቲ ባሉናት ዝተጸዓነ ጓሓፍ ኣብ ልዕሊ ጐረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ ደፊኣ።

ነዚ ስዒቡ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ እቲ ቀልቀል ከይተረፈ ዝሓዘ ጓሓፍ ምድፋእ “ቅሉዕ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ’ዩ” ክብል ኰኒኑዎ።

ሰብመዚ ሴኡል ነበርቲ ናብ ግዳም ከይወጹን ዝዀነ "መንነቱ ዘይተፈልጠ ነገር" ከይትንክፉን ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

እተን ባሎናት ኣብ ደቡብ ኮርያ ካብ ዝርከባ ትሽዓተ ኣውራጃታት ኣብተን ሸሞንተ ዝተረኸባ ኰይነን ሕጂ ምርመራ ይካየደለን ኣሎ።

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ክልቲአን ካብቲ ኣብ 1950ታት ዝተኻየደ ኲናት ኮርያ ጀሚረን ኣብ ፕሮፖጋንዳ ወፍርታተን ባሎን ክጥቀማ ጸኒሐን እየን።

ኣቐዲሙ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ ኣብተን ባሎናት ናይ ሰሜን ኮርያ ፕሮፖጋንዳ ወረቓቕቲ እንተሃልዩ ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ተሓለቕቲ መሰላት ንጭቆና ሰሜን ኮርያ ዝዅንን ባሉናት ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ኮርያ ብባሉናት ከምዝሰዱ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሰሜን ኮርያ፡ ደለይቲ ፍትሒ ደቡብ ኮርያ ኣብ ከባቢታት ዶባት "ብተደጋጋሚ ዝብትንዎ ወረቓቕትን ካልእ ጓሓፍን" ሕነ ከምትፈዲ ድሕሪ ምግላጻ እዩ እዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሰሜን ኮርያ ኪም ካንግ ኢል ብሰንበት መንግስታዊ ሚድያታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ቀረባ እዋን ጓሓፍን ርስሓትን ንምእላይ ኣብ ዶባዊ ከባቢታትን ውሽጣዊ ክፋልን ደቡብ ኮርያ ክብተን’ዩ፡ ንምእላይ ክሳብ ክንደይ ከምዘጸግም ብቐጥታ ክትመሃር’ያ” ኢሉ ነይሩ።

ትማሊ ሰሉስ ኣጋምሸት ድማ፡ ኣብ ሰሜን ርእሰ ከተማ ሴኡልን ኣብ ዶባዊ ዞባን ዝነብሩ ሰባት፡ "ካብ ናይ ደገ ንጥፈታት ክቝጠቡ" ዝሓትት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ካብ ሰበስልጣን ኣውራጃታቶም በጺሕዎም።

ብተወሳኺ "መንነቱ ዘይተፈልጠ ነገር" እንተረኺቦም ኣብ ቀረባ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ወይ መደበር ፖሊስ ከፍልጡ ተሓቲቶም።

ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ፡ እቶም ባሉናት ይምርመሩ ከምዘለዉ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, South Korean military

መግለጺ ስእሊ, ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ፡ እቶም ባሉናት ይምርመሩ ከምዘለዉ ገሊጾም

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ኣሳእል፡ ወረቐት ሽቓቕ፡ ጸሊም ሓመድን ባትሪን ካልኦት ትሕዝቶታትን ዘለዎም ፌስታላት የርእዩ።

ማዕከን ዜና ደቡብ ኮርያ ዮንሃፕ "ገለ ካብቶም ዝወደቝ ባሎናት ቀልቀል ዝመስል ነገር ዝሓዙ እዮም" ክትብል ጸብጺባ።

ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ነቲ ተግባር "ቅሉዕ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ" ክብል ኰኒንዎ ኣሎ።

"ንድሕነት ህዝብና ብኸቢድ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ሰሜን ኮርያ ነዚ ኢሰብኣውን ጨካንን ስጕምቲ ብቕልጡፍ ደው ከተብሎ ኣትሪርና ነጠንቅቕ" ኢሉ።

ደለይቲ ፍትሒ ደቡብ ኮርያ፡ ካብ ፕሮፖጋንዳ ጸረ ሰሜን ኮርያ ብተወሳኺ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተኸልከለ ምቁር መግቢ ደቡብ ኮርያ ዝሓዙ ባሎናት ፈንዮም እዮም።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝመደበሩ ጕጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጸረ ሰሜን ኮርያ ዝዀኑ ጽሑፋትን ናይ ኮርያ ፖፕ ሙዚቃን ቪድዮታት ዝሓዙ ፍላሻት ዘለዎም 20 ባሎናት ናብ ስግር ዶብ ከምዝሰደደ ምግላጹ ይዝከር።

ፓርላማ ሴኡል ኣብ ታሕሳስ 2020፡ ጸረ ሰሜን ኮርያ ዝዀነ ጽሑፋት ምብታን ከም ገበን ዝቝጽር ሕጊ ኣጽዲቑ እኳ እንተነበረ፡ ነቐፍቲ ግን ምስ ብነጻነት ናይ ምዝራብን ካልኦት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተኣሳሰር ስክፍታታት ከምዘለዎም ይገልጹ።