ንሃገራት ምዕራብ ዘሻቕል ዘሎ ጽንጽንታ ምብጻሕ ፑቲን ናብ ሰሜን ኮርያ

ፕረዚደንት ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንፖለቲካ ሩስያ ዝከታተሉ ተዓዘብቲ፡ ቭላድሚር ፑቲን ናብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝበጽሕ ኣቐዲሞም ፈሊጦም ጸኒሖም’ዮም።

ኪም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብድርዕቲ ባቡር ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ምስ ፑቲን ከም ዝተራኸበ ይዝከር።

ሽዑ፡ ንፑቲን ንሰሜን ኮርያ ንክበጽሕ ዕድመ ገይሩሉ ነይሩ።

እዚ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ፒቲን ዑደት፡ ኣብ ሓጺር መዓልቲታት ክካየድ ከም ዝኽእል ይግመት፤ ምንጪታት ደቡብ ኮርያ ምናልባት ጽባሕ ሰሉስ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ስእልታት ሳተላይት፡ ድሮ ኣብ ሰሜን ኮርያ ምሽብሻባት ከም ዘሎ የርእዩ።

ስለ ምንታይ ግን ምብጻሕ ፑቲን ኣገዳሲ ኰይኑ?

ብቐዳምነት፡ ፑቲን ፕረዚደንት ሩስያ ካብ ዝኸውን ንድሓር ሕጂ ንኻልኣይ ግዜ’ዩ ናብ ሰሜን ኮርያ ዝኸይድ ዘሎ ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቤን ታቨነር።

መጀመርታ፡ ብ2000 ፕሬዝደንት ኰይኑ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ከካይድ እንከሎ፡ ኣቦ ኪም፡ ኪም ጆንግ ኢል መራሒ ሰሜን ኮርያ ነይሩ።

ሽዑ ግን ካብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ሓሊፉ ከምዚ ሕጂ ንሃገራት ምዕራብ ብዙሕ ዘሻቕለን ኣይነበረን።

ክረምሊን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት “ኣዝዩ ዓሚቕ ዝምድናታት” ክህሉ ተኽልኦ ከም ዘሎ ይገልጽ።

እዚ ንዝዀነ ሰብ ከገድሶ የብሉን እኳ እንተበለ፡ እቶም ነቲ ዝዓቢ ዘሎ ዝምድናታት ክፈታተኑ ዝሓስቡ ግን ዳግመ ግምት ክገብሩ ኣለዎም ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልቲአን ሃገራት፡ ንሓድሕደን እንታይ እየን ክጠቓቐማ ንዝብል ብዙሕ ግምታት ክወሃቡ ጸኒሖም ኣለው።

እቲ ሓደ፡ ቀረባት ድሕነት’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ሩስያ፡ ኣጽዋራት፣ ሰራሕተኛታት ህንጻ ከምኡ’ውን ኣብ ኲናት ዩክረይን ክሳተፉ ዝኽእሉ ወለንታውያን ሰባት ትደሊ ትኸውን ክብል ተመራማሪ ፖለቲካ ሰርገይ ማርኮቭ ይገልጽ።

ከም መልሲ ናይዚ ድማ፡ ፒዮንግያንግ፡ ኣብ ሩስያ ዝፈረየ ንወተሃደራዊ ዕላማታት ዘገልግል ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ዝሓቖፈ ቴክኖሎጂካዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል እያ።

ሩስያ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ንዘላ ኲናት ሓገዝ ከም እትደሊ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ብሉምበርግ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ብምጥቃስ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰሜን ኮርያ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ተተኰስቲ መዳፍዕ ናብ ሩስያ ከም ዝለኣኸት ይሕብር።

ንእገዳን ጽልዋ ምዕራባውያንን ዝካፈል መሻርኽቲ ምርካብ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ዘገድስ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ሰሜን ኮርያ ናይ ንግዲ መሻርኽቲ ንምርካብ ንሩስያ ከም ዓባይ ዕዳጋ ክትርእያ ከም እትኽል ይገልጽ።

ደሓር ከኣ፡ ኣብ ዓለም ከም ሩስያን ሰሜን ኮርያን ብብዝሒ እገዳ ዝተገብረለን ሃገራት የለዋን።

ሰሜን ኮርያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ብምምዕባልን ተኸታታሊ ፈተነታት ባሊስቲክ ሚሳይል ብምክያድን ግዳይ ብርክት ዝበሉ እገዳታት ምዕራብ ከም ዝዀነት ይፍለጥ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ሞስኮ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፒዮንግያንግ ዝተነብረ እገዳ ንምንዋሕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ባይቶ ንዘለዋ ‘ቬቶ’ ተጠቒማ ነጺጋቶ እያ።

እዚ፡ ምሕዝነታዊ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ እዩ።

ካልእ፡ ዋላ’ውን ጥንቃቐ ዝተመልኦን ናይ ንግድን ዝመስል እንተዀነ ምናልባት’ውን፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ሓቀኛ ምሕዝነት ክህሉ ይኽእል’ዩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንእገዳ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ፡ ንመዘንኡ ኪም፡ ፍሉይ ምቾት ዘለዋ ኣብ ሩስያ እተሰርሐት ሌማዚን ህያብ ኣበርኪትሉ ነይሩ።

ኪም ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ሰሜን ኮርያ “ዘይትስኰን መሓዛ” ሩስያ እያ ክብል ገሊጹ።

ብግልጺ ንምዝራብ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሕጂ ነታ ካብ ዓለም ተነጺላ ዘላ ሩስያ ሕቖን መሓዛን እያ - ሰሜን ኮርያ ድማ ሞስኮ ኣዕሩኽ ከም ዘድልዩዋ ትኣግንዘብ እያ።

ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮርያ ብምብጻሕ፡ ንነቐፍቱ ዝደለዮ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ከርኢ ይኽእል።

  • ሕጂ እውን፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዘንበርዎ እገዳ "መፍትሒ ግበርሉ" ክብል፡ ይኽእል እዩ።
  • ንኻልኦት እገዳ ክጥሕሱን ንሩስያ ኣጽዋር ክሸጡን ከእምኖም? ከምኡ እዩ ዝመስል።
  • እቲ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ዝብሎ እናቐጸለ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ሓድሽ ዝምድና ምፍጣር? ብርግጽ ይጽዕር ኣሎ።
ኪም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሩስያ በጺሑ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኪም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሩስያ በጺሑ ነይሩ

ፕረዚደንት ፑቲን ሰራዊቱ ናብ ጐረቤት ሃገር ዩክረይን ካብ ዝልእኽ ንድሓር፡ ዕብለላ ሃገራት ምዕራብ የብቅዕ ኣሎ ንዝብል ሓሳብ ከስርጽ ክጽዕር ጸኒሑ ኣሎ፤ እዚ ድማ ብውሑድ ነዚ ሓሳብ ምስ ዘሰጉሙ መራሕቲ ክራኸብ ኣኽኢሉዎ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ቁጠባ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕዱማት ፑቲን ዝነበረ ፕረዚደንት ዙምባብወ ምዃኑ ከኣ ብኣጋጣሚ ኣይኰነን - ካልእ ብእገዳታት ብብርቱዕ ዝተሃሰየት ሃገር እያ ዚምባብወ።

ሩስያ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ኤስያ፡ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃ - ብመገዲ ኣመሪካ ብዝምራሕ ፖለቲካ ተስፋ ዝቖረጸ ዘበለ ትለቕበሎ። በዚ ከኣ ብዙሓት መሓዙት ከም ዘለውኣ ከተርኢ ጻዕሪ ገይራ።

ብተወሳኺ ፑቲን ምስታ ካልእ ብእገዳ ዝተሃሰየት ኢራን’ውን ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎን ንቴሄራን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ክሸጠላ ድልየት ኣለዎ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ፒዮንግያንግ ናብ እትወስዶ ነፋሪት ምስ ተሰቐለ፡ እቲ ዜና እዝኒ ዓለም ከም ዝሰሓበን ምስ ዝመረጾም መሻርኽቲ ርክባት ንግድን ፖለቲካን ክገብር ድሉው ምዃኑ ከም ዘየጠራጥርን ክርአ ይኽእል።

ቻይና ብወገና፡ ብዛዕባ ምቅርራብ ሩስያን ሰሜን ኮርያ ናይ ገዛእ ርእሳ ዕቃበታት ክህልዋ ይኽእል’ዩ።

እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ፑቲንን ዢ ጂንፒንግን ኣብቲ ፑቲን ንሓሙሻይ ግዜ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ መገሻ ምስ ተራኸቡ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘይሕለፉ ቀይሕ መስመራት ንጹር ገይሮም’ዮም።

ሩስያውያን፡ ሃገሮም ምስ ኤውሮጳን ምዕራብን ዘለዋ ባህላውን ታሪኻውን ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ሃገሮም ምስ ሰሜን ኮርያ እትገብሮ ዘላ ዝምድና ብሓጎስ ይቕበሉዎ እዮም ማለት ኣይኰነን።

እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ፑቲን ክገጥሞ ዝኽእል ብድሆ’ዩ። ብተወሳኺ ድሕሪ’ዚ ምዕራባውያን ሓይልታት ዝውሰድዎ ዝዀነ ሓድሽ ስጉምቲ ዘስግኦ ክኸውን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኪም ጆንግ ኡን ናብ ሩስያ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን እንታይ ከም ዝተሰማምዑ ኣይፈለጥናን።

ሕጂ’ውን ምስ ሰሜን ኮርያ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ስምምዕ እንታይ ከም ዝዀነ ምፍላጥ ኣይክኣልን።

ግን ድማ፡ እቲ ሕጂ ፑቲን ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ፡ ሃገሩ ዋላ’ውን ካብ ዓለም እንተተነጸለት “እወ፤ እኽእል እየ - ርኣዩኒ ጥራይ” ዝብለሉ ዘሎ እዩ ዝመስል።