ስለምንታይ እዩ ብዙሓት ሰባት ካብ ዜና ዝርሕቑ ዘለው?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዘጨንቕን፣ ኣሰልቻውን ዕረፍቲ ዘይብሉን’ዩ ብምባል ብዙሓት ሰባት ካብ ዜና ይርሕቑ ከም ዘለው ሓደ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ኣርባዕተ ካብ ዓሰርተ (39 ሚኢታዊት) ሰባት ሓሓሊፉ ወይ መብዛሕትኡ ግዜ ኰነ ኢሎም ካብ ዜና ይርሕቑ ኣለው።
እዚ ኣብ 2017 ዓ.ም 29 ሚኢታዊት ከም ዝነበረ ሮይተርስ ኢንስቲትዩት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር።
ብሰንኪ ኣብ ዩክንረይን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየዱ ዘለው ውግኣት፡ ሰባት ነቲ ዜና ናይ ዘይምድላይ ድልየቶም ክዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ጸሓፍቲ እቲ ጸብጻብ የመልክቱ።
ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ለካቲት ብዩጐቭ (YouGov) ኣብ ዝተኻየደ ዲጂታላዊ መጽናዕቲ ብድምር ኣብ 47 ሃገራት ዝርከቡ 94 ሽሕ 943 መእሰያት ተሳቲፎም።
ኣብዞም ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዓለም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሃገራውን ዞባውን መረጻታት ከም ዝተኻየዱ ድማ ይዝከር።
እቲ ጸብጻብ፡ ኣመሪካ ሓዊሱ ኣብ ውሑዳት ሃገራት ተገዳስነት ዜናታት መረጻ ከም ዝወሰኸ ይገልጽ፤ ይኹን’ምበር እቲ ሓፈሻዊ ዝንባለ ብዝለዓለ ቁጽሪ ይትሕት ከም ዘሎ ይሕብር።
ኣብ መላእ ዓለም፡ 46 ሚኢታዊት ሰባት ኣብ ዜና ልዑል ተገዳስነት ኣለዎም። ኣብ 2017 እዚ ቑጽሪ 63 ሚኢታዊት’ዩ ነይሩ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 2015 ጀሚሩ ተገዳስነት ዜና ዳርጋ ብፍርቂ ነክዩ።
ጸሓፊ እዚ ጸብጻብ ዝዀነ ኒክ ኒውማን፡ “ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣጀንዳ ዜና ከቢድ ምንባሩ ርዱእ'ዩ። ለበዳ ኮቪድ-19 [ከምኡ'ውን] ውግኣት ኣጋጢሙ'ዩ፤ ስለዚ ሰባት ጥዕናዊ ኣእምሮኦም ንምሕላው ወይ'ውን ምስ ዝተረፈ ህይወቶም ክቕጽሉ ጥራይ ምድላዮም ካብ ዜና ይርሕቑ ኣለው፤ እዚ ድማ ብመጠኑ ባህርያዊ ግብረ-መልሲ'ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኒውማን፡ እቶም መሪጾም ካብ ዜና ዝርሕቑ ዘለው ድማ መብዛሕትኡ ግዜ “ሓይሊ ኣልቦ” ስለዝስምዖም እዩ ይብል።
ገለ ሰባት በቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ብዝሒ ዜናታት እናተደናገሩን እናተውሓጡን ክኸዱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብፖለቲካ ድኻም ይስምዖም ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን በቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ብዝሒ ዜናታት ድኻም ክስምዖም ከም ዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዜናታት ዘሎ እምነት 40 ሚኢታዊት ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ካብቲ ኣብ ጥርዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ብ4 ሚእታዊት ከም ዝነከየ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዜናታት ዝነበረ እምነት ቁሩብ ወሲኹ -36 ሚእታዊት ኰይኑ፡ ካብቲ ቅድሚ ኣብ 2016 ዝተኻየደ ረፈረንደም ብረክዚት ግን ብኣስታት 15 ሚእታዊት ትሑት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ግደ ማሕበራዊ ሚዲያ
እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ተዓዘብቲ ባህላዊ ምንጪታት ዜና (ከም ቴሌቪዥንን ጋዜጣን) ኣዝዩ ከም ዝነከየን፡ መንእሰያት ዜናታቶም ብኢንተርነት ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ክረኽብዎ ከም ዝመርጹን ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 73 ሚእታዊት ሰባት ዜናታቶም ብኢንተርነት ከም ዝረኽብዎ ክገልጹ እንከለዉ፡ 50 ሚእታዊት ካብ ቴሌቪዥን፡ 14 ሚታዊት ድማ ካብ ጋዜጣ ከም ዝረኽቡዎ ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዋላ’ውን ምንቁልቋል እንተሃለወ፡ ፌስቡክ ሕጂ’ውን ምንጪ ዜና ብዙሓት እዩ።
ዩትዩብን ዋትስኣፕን ንብዙሓት ኣገደስቲ ምንጪ ዜና ኰይኖም ክቕጽሉ እንከለዉ፡ ቲክቶክ ድማ ይዓቢ ከም ዘሎን ንመጀመርታ ግዜ ንኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) በሊጽዎ ከም ዘሎን ኣመልኪቱ።
13 ሚእታዊት ቪድዮ ዜና ንምልውዋጥ ቲክቶክ ክጥቀሙሉ እንከለዉ፡ 10 ሚእታዊት ድማ ኤክስ ይጥቀሙ።
እቲ ኣሃዝ ቲክቶክ ብደረጃ ዓለም ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ኣብ ዘለው መንእሰያት ከም ዝውስኽን 23 ሚኢታዊት ከም ዝሕዝን የመልክት።
ሓጸርቲ ናይ ዜና ቪድዮታት ድማ ዝያዳ ንተጠቀምቲ ከም ዝስሕቡዎም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







