ንሽልማት ክብል፡ ዕርቃኑ ክሳብ መግቢ ከልቢ ምብላዕ ዝበጽሐ ተወዳዳሪ

ምንጪ ስእሊ, Hulu
ኣብ 1998 ዓ.ም እዩ።
ኣብ ጃፓን ንሪያሊቲ ሸው ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ‘ቻሌንጅ’ ፡ ኣብ ባዶ ገዛ ዕርቃኑ ወፂኡ፡ ንብሕቱ ክዕጾ ተገይሩ።
ናሱቢ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቶሞኪ ሃማስቱ እዩ።
ኣወሃሃድቲ እዚ ‘ቻሌንጅ’ ናሱቢ፡ ኣብታ ዝተዓጽወላ ገዛ እስክርቢቶ፣ ገለ ናጻ ወረቓቕቲ፣ ቴሌፎንን ብርክት ዝበለ ጋዜጣን ጥራይ ገዲፎምሉ።
ኣብዚ ገዛ ዝተዓጸወሉ ምኽንያት ግን ንከንብብ ወይ ንክጽሕፍ ኣይነበረን።
እቲ ሪያሊቲ ሸው፡ ሰባት ሽልማታት ብምስዓር ጥራይ ክነብሩ ይኽእሉ’ዶ ዝብል ሓሳብ ሒዙ’ዩ ነዚ ኣበጊሱዎ።
እዚ ቻሌንጅ ንክትስዕር ድማ፡ ዋጋ ናይቲ እትረኽቦ ሽልማት ሓደ ሚሊየን የን (በቲ ግዜ እቲ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ፓውንድ) ክበጽሕ ኣለዎ ይብል።
በዚ መሰረት፡ እቲ መደብ ናሱቢ ኣብታ ዝተዓጽወላ ገዛ ን15 ኣዋርሕ ክጸንሕ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ብሰንኪ ጥምየትን ተነጽሎን ቀስ ብቐስ ናብ ጭንቀትን ጽላለን ክበጽሕ ጀሚሩ።
ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመታት’ውን እንተዀነ፡ እቲ ሽዑ ዘጋጠሞ መከራ ጌና ኣይሃሰሰን ዘሎ።
ታሪኽ ናሱቢ ድማ ኣብ ፈስቲቫል ሰነዳዊ ፊልም ሸፊልድ ክርኣይ ተገይሩ ኣሎ።
“ኣብ ካልእ ፕሮጀክት ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ እዋን’የ ብዛዕብኡ ሰሚዐ፤ ዝበዝሕ ግን ኣነዋሪ ኰይኑ ረኺበዮ። ብሓቂ ብዛዕባ ዛንታ ናሱቢ ብዕምቆት ዝገልጽ ነገር ኣይነበረን። ስለምንታይ ኣብኡ ጸኒሑ? ጽልዋኡኸ እንታይ ነይሩ ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ነይሮምኒ። ስለዚ ብዛዕባ ተሞክሮኻ ፊልም ክሰርሕ እደሊ’የ ኢለዮ” ትብል ዳይረክተር ዘ ኮንተስታንት ክሌር ቲትሊ።
ናሱቢ ኣብቲ እዋን፡ ብህይወት ንኽነብር ዝሕግዞ ሽልማት ንምዕዋት ኣብ ኣሽሓት ውድድራት መጽሔታት ተሳቲፉ።
ኣብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ውድድራት ድማ፡ ይቕዳሕ ከም ዘሎ ይፈልጥ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣበይ’ዩ ክዝርጋሕ ብዛዕባ ዝብል ግን ሙሉእ መብርሂ ኣይተዋህቦን፤ ስለዚ ዘይዝርጋሕ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ ሓሲቡ።
እቲ ክውንነት ግን ብኣንጻሩ ነበረ፤ እዚ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ በብቑሩብ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ፍሉጣት ሰባት እታ ሃገር ይኸውን ነይሩ።
እቲ ዕርቃኑ ዝቕረጾ ኣብታ ሃገር ፍሉጥ ኣብ ዝዀነ ሪያሊቲ ሸው ደንፓ ሾነን ይቐርብ።
መብዛሕትኦም ነቐፍቲ ነቲ መደብ ይጸልእዎ’ኳ እንተነበሩ፡ ቀልቢ ብዙሓት መንእሰያት ክስሕብ ክኢሉ’ዩ። ኑሲቡ ብዛዕባ ህይወት ብሽልማት ዝብል ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን።
“ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታት ዓመታት ዩቱዩብ ብምስፍሕፋሑ ሰባት ብዛዕባኡ ዝያዳ ሰሚዖም ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም፤ ኣብቲ እዋን'ቲ ግን ካብ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ወጻእ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ትብል ቲትሊ።
ኣብቲ እዋን እቲ ኮሜድያን ክኸውን ዝደሊ ዝነበረ ናሱቢ፡ እቲ ‘ቻሌንጅ’ ቅድሚ ምጅማሩ እንታይ ከም ዝኸውን ብዙሕ ዝርዝር ኣይፈልጥን ነይሩ።
ማዕጾ ኣብ ዘይብሉ ገዛ፡ ክዳን ኰነ ካልኦት መሰረታዊ ነገራት ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ክዕጾን ምስ ሰባት ከይራኸብን ተገይሩ።
ዘ ኮንተስታንት፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ምስ ናሱቢን ሓደ ፕሮዲዩሰርን ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ጃፓን ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሓዊሱ ካልኦት ነዚ ጉዳይ ሽፋን ዝህቡ ዝነበሩ ሰባት’ውን ተኻቲቶም ኣለው።
ቲትሊን መሳርሕታን እቶም ናሱቢ ዝተቐድሓሎም ቪድዮታት ክርእዩ እንከለው፡ “ኣዝዩ ዘሕምም” ከም ዝነበረ ትዛረብ።
እዞም ምስሊታት፡ ናይ ባጫ ሰሓቕ፣ ጭራሕምራሕ ድምጺታትን ምስሊታትን ዝተወሃሃድሉ ከም ዝዀነ’ውን ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Hulu
ፕሮዲዩሰር እቲ ሸው፡ ናሲቡ ሽልማት ሩዝ እንተዘይዕወት ነይሩ ምሞተ ይብል።
ሃያስን ነቓፊ ፊልምን ኢንዳይዋየርስ ዝዀነ ዴቪድ ኤርሊች፡ እቶም ምስሊታት ካልእ ክቕንዞ፡ ክዋረድ ብምግባር ዕግበት ንምርካብ ዝግበር ነገራት ዘርእዩ’ዮም ክብል የብርህ።
እቲ ሪያሊቲ ሸው እናዓበየ ክመጽእ እንከሎ፡ ናሱቢ ኣብ ብዙሓት ዝሳተፈሎም ውድድራት’ኳ እንተተዓወተ፡ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ሽልማታት ግን ኣይነበሩን።
እቲ ዝመጽኦ ዝነበረ ሽልማታት፡ ናይ መኪና ጐማ፣ ናይ ጐልፍ ኵዕሶ፣ ጓንት፣ ባንቡላን ቲኬታት ፊልምን ይርከቦ።
ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ግን ሰብነቱ እናደኸመ ምስ መጽአ፡ ሓደ ካብ ኣዳለውቲ እቲ ሪያሊቲ ሸው ናሱቢ ሽልማት ሩዝ እንተዘይተዓዊቱ ክመውት’ዩ ከም ዝበለ ይግለጽ።
ድሕሪኡ፡ ሽኮር ዘለዎም መስተታትን ናይ ኸልቢ መግብን ተዓዊቱ፤ ንንውሕ ዝበሉ ሰሙናት ድማ ብህይወት ክጸንሕ ክኢሉ።
እዚ መደብ ኣስታት 15 ሚሊዮን ሰባት ይርእዩዎ ነይሮም። ናሱቢ፡ እዚ ኹሉ ክሳብ ዝውዳእ ጥራይ ዝባኑ’ዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ድማ ዝዀነ ኣብ ነብሱ ክድርቦ ዝኽእል ክዳን ኣይተዓወተን።
(ፍረ ነብሱ ድማ፡ እቶም ፕሮዲዩሰራት ብዝተጠቐምሉ ኢሞጂ እዩ ዝሽፈን ነይሩ)።
ማዕጾ እቲ ዝነበረሉ ክፍሊ ኣይቑለፍን፤ ግን ክኣ ካብቲ ገዛ ኣይወጽአን።
እዚ ዝዀነሉ ብዙሓት ምኽንያታት ክህልው ከም ዝኽእሉ ቲትሊ ትዛረብ።
“ሓደ፡ ጸዋር’ዩ ነይሩ፤ ስድራኡ ክኣ ኣዝዮም ኣዝዮም ሓያላት’ዮም ነይሮም። ብተወሳኺ ኣዝዩ እሙን ሰብ’ዩ ነይሩ። ናብ ዝዀነ ዓይነት ጸገም ክኣቱ ዘይደሊ መንእሰይ’ዩ ነይሩ። ካብዚ ብዝሰገረ ‘ነዚ ብጽንዓት ክዕወተሉ’ዩ’ ዝብል ጃፓናዊ መንፈስ ሱሙራይ ክኣለ ኣሎ” ትብል።
ስቓይ

ምንጪ ስእሊ, Joe Short (@joeshortetc)
ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመታት፡ ናሱቢ ነቲ ሪያሊቲ ሸው “ጨካን” ክብል ገሊጽዎ፤ ኣነ ዝዀነ “ሓጎስን ናጽነትን ኣይነበረን” እውን ኢሉ።
“ካብ ህይወተይ ምናልባት ኣብ ሰሙን ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ደቓይቕ እየን ተራእየን። እዚ ድማ [ሽልማት] ምስ ተዓወትኩ ዝነበረኒ ሓጎስ ንምጉላሕ ዝተኣርየ'ዩ” ክብል ንዴድላይን ተዛሪቡ።
“ብርግጽ ተዓዘብቲ 'እዋይ ርኣዩ፡ ገለ ዘዘናግዕን ዘስተማቕሮን ነገር ይገብር ኣሎ...' ይብሉኒ ነይሮም፤ መብዛሕትኡ ህይወተይ ግን ኣብ ስቓይ’ዩ ነይሩ”።
ከምኡ'ውን ኰይኑ ግን ሕጂ’ውን እወንታዊ መንፈስ ዘለዎ ሰብ’ዩ ክትብል ቲትሊ ትገልጾ።
“ሰባት ትጠዓስ’ዶ ኢሎም ክሓቱዎ ከለዉ፡ ዳግማይ ክገብሮ እኳ እንተዘይደለኹ ሕጂ ዘለኒ መንነት ግን ኣይምሃለወንን” ከም ዝብል ተዛሪባ።
ኣብ መወዳእታ ናሱቢ፡ መናድቕ እቲ ዝነበረሉ ክፍሊ እናፈረሰ ንክርኣይ ናብ ካልእ ስኑዕ ክፍሊ ተወሲዱ።
እዚ ድማ፡ ብግሃድ ኣብ መድረኽ ብቐጥታ ምስ ተዓዘብቲ ክርአን ሽሙ እናጸውዑ ሓጐሶም ክገልጹን ዘርኢ ምስሊ ንምቕዳሕ ዝዓለመ ነበረ።
እቲ ሰነዳዊ ፊልም ንናሱቢ ድሕሪ ምፍታሑ'ውን ዝከታተሎ ኮይኑ፡ ነቲ ሓድሽ ዝናኡ ንጽቡቕ ዕላማ ንምጥቃም ዝገበሮ ጻዕሪ ዘርኢ'ዩ - ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ዕግበት ስምዒት ከም ዝህቦ'ዩ።
ኣብ 1990ታት ዝነበረ ኣሰራርሓ ተገዳስነት ከምቲ ሕጂ ዘሎ ኣይኰነን፤ ተዓዘብቲ’ውን ንኸምዚ ዝኣመለሰ ኣሰራርሓ ክጻወሩዎ’ዮም ኢልካ ኣይሕሰብን።
እቲ ታሪኽ ናሱቢ መልዓሊ ገይሩ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ግን ኣብ ዓውዲ መዘናግዒ ክስመር ዘለዎ ደረት እንታይ’ዩ? ሽውሃት ተዓዘብቲ’ኸ ክሳብ ክንደይ ደረት ክህልዎ ይግበር ኣሎ ዝብሉ ሕቶታት ዘልዓለ’ዩ።
“ሰባት ምስ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሪያሊቲ ሾው ቴሌቪዥናትን ዘለዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ዝምድናታት ክፍትሹ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ኩላትና ከም ተዓዘብትን ተጠቀምትን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ጕዳያት ክሳብ ክንደይ ተሓባበርቲ ንኸውን ኣለና ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ” ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







