ቴሌግራም፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፍቓደን ወጻኢ ዕርቃነን ዘርእይ ስእሊ ዝጥቅዐሉ ማሕበራዊ ሚዲያ

ምንጪ ስእሊ, Klawe Rzeczy
ደቂ ኣንስትዮ ንምጥቃዕ፣ ንምሽምቓቕን ሽመን ንምጥፋእን ዕርቃነን ዘርእይ ስእሊ ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቴሌግራም ከም ዝዝርጋሕ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ጾታዊ ትሕዝቶ ኣለዎ።

ሳራ፡ ሓደ መዓልቲ ዕርቃና ኮይና ዝተስኣለቶም ስእልታት ልሒኾም ብምውጻእ ኣብ ቴሌግራም ተዘርጊሖም።
ብቕጽበት ህይወታ ተቐይሩ።
እዚ ቑጽሪ ቴሌፎና ሓዊሱ፡ ኣብ ናይ ፌስቡክን ኢንስታግራምን መጥቀሚታታ'ውን ወጺኡ።
በዚ ምኽንያት ዘይትፈልጦም ሰብኡት ካልኦት ተመሳሰልቲ ስእልታት ክትልእኸሎም ክሓትዋ ጀሚሮም።
"ዕርቃነይ ዘርእዩ ስእልታት ብምውጽኦም ኣመንዝራ ከም ዝኾንኩ ክስምዓኒ ገይሮም [ኣሚኖም]። ከም ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነ ክብሪ ዘይብለይ'ዩ ዝመስል" ትብል።

ሳራ፡ [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] እቶም ስእልታት ናብ ሓደ ሰብ ጥራይ'ያ ልኢኻቶም ነይራ።
ይኹን'ምበር እቶም ስእልታት ኩሎም፡ 18 ሽሕ ተኸተልቲ ናብ ዘለዎ ናይ ኢንስተግራም ጉጅለ በጺሖም፤ መብዛሕትኦም ኣብ ኲባ ሃቫና ደቂ ገዛውታ እዮም።
ካብዚ ብዝብገስ ናብ ደገ ክትወጽእ እንከላ ዘይትፈልጦ፡ ግን ዕርቃና ኮይና ዝርኣያ ሰብ ከይረኽባ ትፈርሕ።
"ክወጽእ ኣይደልን፤ ምስ መሓዙተይ'ውን ክራኸብ ኣይደልን። ብዙሕ'የ ተሳቕየ" ትብል። ሳራ ግን በይና ኣይኮነትን።
ቢቢሲ፡ ድሕሪ ንኣዋርሕ ዝገበሮ መርመራ ኣብ 20 ሃገራት ብሚስጢር ዝተቐድሑ ቪድዮታት፣ ዝተሰርቑ ወይ ልሒኾም ዝወጽኡ ስእልታት ደቂ ኣንስትዮ ዝዝርግሑ ካልኦት ዓበይቲ ጉጅለታት ከም ዘለው ኣረጋጊጹ።
እቲ ማሕበራዊ መተግበሪ እዞም ጸገማት ንምቅላስ ዝወስዶም ዘለው ስጉምታት ድማ ዘዕግቡ ኣይኮኑን።
ኒጋር፡ ካብ ኲባ ኣሽሓት ማይላት ርሒቓ ኣብ ስደት ትርከብ።

ኒጋር፡ ኣዘርባጃናዊት ኮይና፡ ብሰንኪ እዚ ጸገማት ካብ ዓዳ ወጺኣ።
ብ2021፡ ምስ በዓል ቤታ ጾታዊ ርክብ እናፈጸመት ዘርኢ ቪድዮ ናብ ስድርኣ ተላኢኹ፤ ድሕሪኡ ኣብ ሓደ ናይ ቴሌግራም ጉጅለ ተዘርጊሑ።
"ኣደይ እናበኸየት 'ናባይ ዝተላእኸ ቪድዮ ኣሎ' ትብለኒ። ሰንቢደ፤ ሕምሽሽ ኢለ" ትብል።
እዚ ቪድዮ 40 ሽሕ ኣባላት ኣብ ዘለውዎ ጉጅለ እዩ ተዘርጊሑ።
ኣብቲ ምስሊ፡ ገጽ እቲ በዓል ቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ከም ዘይርኣይ ተገይሩ፤ ናታ ግን ብግልጺ ይርኣይ።
ኒጋር፡ እቲ በዓል ቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ብሕቡእ ቀሪጹ ንሓዋ (ፍሉጥ ነቓፊ ፕሬዝደንት ኣዘርባጃን) ንምህዳድ ከም ዝተጠቐመሉ ትኣምን።
ሓዋ እቲ ዘቕርቦ ነቐፌታታት ጠጠው እንተዘይኣቢሉ እቲ ቪድዮ ክንዝርግሖ ኢና ኢሎም ንኣዲኣ ከም ዘፈራርሑዋ ትዛረብ።
"ተመርዒኺ ምንባርኪ ብዘየገድስ ኩሉ ከም ዝተዋረደት ሰብ እዩ ዝርእየኪ" ትብል ኒጋር።
ኒጋር፡ ብዛዕባ እዚ ንበዓል ቤታ እንተሓተቶ'ውን ኣይውዓልኩዎን እዩ ኢሉዋ።
ንሱ ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ንክህብ ቢቢሲ ሓቲቱዎ'ኳ እንተነበረ መልሲ ንምሃብ ግን ፍቓደኛ ኣይኮነን።
ኒጋር ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ጸገም ወዲቓ ትርከብ።
"ክሓዊ ኣይክኣልኩን። ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ናብ ሰብ ሞያ ሕክምና ይኸይድ እየ። እንተኾነ ለውጢ የብልንክን'ዮም ዝብሉኒ። ክትርስዕዮ ትኽእሊ'ዶ ኢሎም ይሓቱኒ፤ ግን ኣይክእልን" ኢላ።
ሳራን ኒጋርን ብዛዕባ እቶም ስእልታት ናብ ቴሌግራም ሪፖርት እኳ እንተገበራ፡ ቴሌግራም ግን መልሲ ኣይሃበንን።
ቢቢሲ፡ ካብ ሩሲያ ክሳብ ብራዚል፣ ካብ ኬንያ ክሳብ ማሌዥያ ዘለው 18 ቻነላትን 24 ጉጅለታትን ቴሌግራም ክከታተል'ዩ ጸኒሑ።
እዚኦም ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ተጠቀምቲ ኣለውዎም።

ጎና ጎኒ እቶም ሕቡኣት ስእልታት ናይ ገዛ ኣድራሻኣን ቑጽሪ ስልኪ ስድራቤትን ይልጠፉ።
ነቶም ጉጅለታት ቴሌግራም ዘመሓድሩ ሰባት ንኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ናይ ኣፍቀርቶም ወይ መጻምድቶም ዝነበራ፣ ናይ መሳርሕቶም፣ መማህርቶምን ካልእን ስእሊ ክሰዱሎም እሞ መንነቶም ከየቃልዑ ክጥቅዑዎም ክሓቱ ርኢና።
ቴሌግራም ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ፍርቂ ቢሊየን ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ይገልጽ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ዋትሳፕ ድሕሪ ዝገበሮ ለውጢ ውዕሊ ውልቃውነት፡ ሚሊዮናት ናብ ቴሌግራም ቀይሮም'ዮም።
እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ብፍላይ ኣብተን ናይ ሚዲያ ምመያ ዘለወን ሃገራት፡ ደገፍቲ ዴሞክራሲ ብብዝሒ ይጥቀሙሉ።
ኣብዚ፡ ተጠቀምቲ ሽሞምን ቁጽሪ ስልኮምን ከይሓበሩ ክጥቅዑ፣ ክሳብ 200 ሽሕ ኣባላት ዝሕዙ ጉጅለታት ክፈጥሩ ይኽእሉ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቴሌግራም ውልቃውነት ኣብ ምሕላው ፍሉጥ'ኳ እንተኾነ እቲ "secret chat" ብዝብል ዘቕርቦ መማረጺ ጥራሕ'ዩ ካብ ክልቲኦም ወገን ዝልኣኽ መልእኽቲ ብሳልሳይ ወገን ንከይንበብ ክገብር ዝኽእል [end-to-end encryption]።
ከም ዋትሳፕን ቴሌግራምን ኣብ ዝኣመሰሉ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ መተግበሪታት ግና እዚ ዝኾነ ነገር ከይቀየርካ ዝርከብ እዩ።
ቴሌግራም ግን ውሑድ ምቁጽጻር ዝግበሮ ስለ ዝኾነ እቶም ኣብ ካልኦት ኣማራጺታት ዝተኣገዱ ሰባት እንኮላይ ኣብዚ ዘይተገደበ ቦታ ክረኽቡ የፍቅደሎም።
ክኢላ ሕጊ ቴክኖሎጂ ጉጅለ መሰላት ዲጂታል 'ኣክሰስ ናው' ናታሊያ ክራፒቫ "ቴሌግራምን ዋናታቱን ተጠቀምቲ ሳንሱር ክገብሩ ኣይደልዩን" ትብል።
ቢቢሲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ግን ቴሌግራም ነቶም ልሒኾም ዝወጽኡ ናይ ዕርቃን ስእልታት ብዘይከልካሊ ንምዝርጋሕ ዝምችእ ባይታ ኮይኑ'ዩ ረኺቡዎ።
ቴሌግራም፡ ካብ ፍቓድ ወጻእ ዝኾኑ ስእልታት ንከይልጠፉ ዘለሊ ፖሊሲ የብሉን።
ኣብቲ ዝህቦ ናይ ውዕሊ ኣገልግሎት ግን ተጠቀምቲ "ዘይሕጋዊ ናይ ግበረ ጽዩፍ ትሕዝቶ ዘለዎም ነገራት ንኻልኦት ብዝርኣይ መልክዑ ንከይልጥፉ" ክሰማምዑ ይገብር።
በዚ መሰረት ተጠቀምቲ ናይ ግብረ ጽዩፍ ቪድዮታት ሪፖርት ክገብሩ ዘኽእሎም መማረጺ ኣለዎ።

እዚ ፖሊሲ ብተግባር ንምፍታን፡ ነቲ መማረጺ ተጠቒምና፡ ንዝረኸብናዮም 100 ስእልታት ከም ናይ ግበረ ጽዩፍ ሪፖርት ገይርናዮም።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ግን እቶም 96 ካብ ቴሌግራም ከይጠፍኡ ጸኒሖም። እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኣብ ካልኦት ተሳተፍቲ ኣብ ዘይኮንናሉ ጉጅለ ስለ ዝነበሩ ክንረኽቦም ኣይክኣልናን።
እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ነዞም ጉጅለታት ኣብ እንምርምረሉ ዝነበርና እዋን፡ ሓደ ኣብ ሩሲያ ዝርከብ ገጽ፡ ንመግዝኢ መጥቀሚ ቡን ብዘይመልእ ገንዘብ፡ ቪድዮታት ግህሰት ህጻናት ዝሓዘ ሓቛፊ (ፎልደር) ክሸጠልና ፈቲኑ ነይሩ።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንቴሌግራምን ፖሊስ ሜትሮፖሊታንን ሓቢርና።
ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግን እቲ ልጣፍን እቲ ናይ ቴሌግራም ቻነልን ከይጠፍኡ ረኺብናዮም።
መሊስና ንጉጅለ ሚዲያ ቴሌግራም ምስ ረኸብናዮ ግን ክጠፍእ ተገይሩ።
ብሰንኪ ከምቶም ንዓና ዝቐረቡልና ቪድዮታት፡ ኣፕል ንዝተወሰነ ግዜ ቴሌግራም ካብ 'ኣፕ ስቶር' ክጠፍእ ገይሩ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት እቲ ማሕበራዊ መተግበሪ ኣብ ዙርያ ስእልታት ግህሰት ህጻናት ምምሕያሽ ገይሩ።
ብተወሳኺ ኣብ 2019 ምስ ኤጀንሲ ገበን ሕብረት ኤውሮጳ ዩሮፖል ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ትሕዝቶታት እስላማዊ ጉጅለ ኣጥፊኡ።
"ቴሌግራም ምስ ግብረ ሽበራ ዝተሓሓዙ ትሕዝቶታትን ገለ ናይ ኣኽረርቲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶን ከም ዘጥፍእን ክጠፍኡ ከም ዝገበረን ንፈልጥ ኢና' ይብል ፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ኦክስፎርድ ኢንተርነት ዶክተር ኣሊክሳንደር ሀራሲሜንካ።
እቶም ናይ ዕርቃን ስእልታት ክወርዱ ወይ ክጠፍኡ ምግባር ግን ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ከም ዘይኮነ ይርኣይ።
ሓሙሽተ መመይቲ ትሕዝቶ ቴሌግራም ብሚስጥራውነት ሓበሬታ ክህቡና ክኢሎም'ዮም።
እዚኦም "spam" ከምኡ'ውን "not spam" ብዝብል ካብ ተጠቀምቲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ይዛረቡ።
ስርሐይ ኢሎም ነዞም ናይ ዕርቃን ስእልታት ከም ዘይርእዩዎምን ቴሌግራም'ውን እዚ ስራሕ ብምውጋን 'ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ' ከም ዘይጥቀምን ገሊጾም።
በዚ ምኽንያት ቴሌግራም ስጉምቲ ስለ ዘይወስድ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን ስጉምቲ ክወስዳ ተገዲደን እየን።

ጆኣና፡ ጓል 13 ዓመት እናሃለወት ኣብ ሓደ ፍሉጥ ናይ ማሌዥያ ጉጅለ ቴሌግራም ናይ ባዕላ ናይ ዕርቃን ስእሊ ረኺባ።
ናብዚ ጉጅለ ንክትኣቱ ናይ ሓሶት ሽም ተጠቒማ፡ ነቶም ስእልታት ብሚስጢር ብምእላሽ ሪፖርት ገይራቶም።
ብዛዕባ እቲ ዝኸደቶ ርሕቐት'ውን ምስ መሓዙታ ኣውጊዓ። ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ብዝተገብረ ጸቕጢ ድማ ድሕሪ ግዜ ክዕጾ ክኢሉ።
ቢቢሲ እዚ መርመራ ኣብ ዘካየደሉ ግዜ ግን ብውሑዱ ክልተ ጉጅለታት ተመሳሳሊ ስእሊ ክዝርግሑ ረኺብና።
"ነዞም ጉጅለታት ንምእላይ ብዙሕ ስለ ዝደኸምና ተስፋ ኢኻ ትቖርጽ፤ ብሱሩ መወዳእታ ክህልዎ ድዩ ዝብል ኣይፈልጥን" ትብል።
ቴሌግራም ንቃለ መጠይቕ ዘቕረብናሉ ሕቶ ኣይተቐበሎን።
ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን ነቶም ናይ ኣገልግሎት ውዕሊ ዝጻብኡ ትሕዝቶታት ኣመልኪቱ ካብ ተጠቀምቲ ንዝመጽኦ ሓበሬታ ነቒሑ ከም ዝከታተሎም ሓቢሩ።
እንተኾነ ናይ ዕርቃን ስእልታት ካብ ፍቓድ ወጸኢ ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክጥቅዑ ይኽእሉ ድዮም ወይ ይጠፍኡ'ዮም ዝብል ኣየረጋገጸን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







