ሌጎስ፡ ንዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ገዛ ዘይተካሪ ከተማ

ንዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ገዛ ዘይተካሪ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ጓል 36 ዓመት ኢዶንጌሲት ኣብ ሓደ ትካል ሓላፊት ክፍሊ ሒሳብ እያ።

ኣብ ዓባይ ከተማ ናይጄሪያ ዝኾነት ሌጎስ ሓድሽ ስርሓ ንምጅማር ፈለማ ክትመጽእ ከላ፡ ብውልቃ ገዛ ምክራይ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ትሰምዕ።

ጓል ኣንስተይቲ: እሞ ድማ ዘይተመርዓወት ስለ ዝኾነት ዋናታት ገዛ ንከካርዩዋ ገለ መዐሸዊ መገዲ ክትጥቀም ከም ዘለዋ መሓዙታ ይነግርኣ።

"ገዛ ክካረ ክኸይድ እንከለኹ ምስ ወዲ ተባዕታይ ክኸይድ ከም ዘለኒ ነጊረናኒ። እዚ ዋላ'ውን ኣኮይ: ወይ ወዲ ተባዕታይ መሓዛይ ክኸውን ከም ዝኽእልን ሓዲኦም ምስ ኣካረይቲ ወይ ደለልቲ ብቐጥታ ከም ዝዘራረቡን ተነጊሩኒ" ትብል።

ሌጎስ፡ ኣዝያ ዝተጨናነቐት ከተማ ኮይና ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ዝነገሰላ'ያ።

ካብዚ ብዝብገስ ኣብታ ከተማ ዘለው ኣካረይቲ ገዛ ኣብ ልዕሊ ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም ኣመለኻኽታ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ዳርጋ ኩሎም ንዘይተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ገዛ ኣየካርዩን። ስለ ዝኾነ ድማ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ ሒዛ ክትቐርብ ኣለዋ።

እዚ 'ንሽፋን' ዝመጽአ ሰብኣይ ከኣ ምስቲ ኣካራዪ ስምምዕ ገይሩ ናይ መጀመርታ ክፍሊት ይፍጽም፤ ድሕሪ ግዜ ኣገዳስነቱ እናሃሰሰ ይመጽእ።

"እቶም ገዛ ንክንካረ ዝተሓጋገዙና ደቂ ተባዕትዮ ምህላዎም ንከርእዩ ንሓደ፣ ክልተ፣ ሰለስተ ወይ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ገዛና ይመላለሱ። እዚ ብምርኣይ እቶም ኣካረይቲ ምህላዎም ምስ ኣረጋገጹ ምምጻእ ክገድፉዎ ይኽእሉ። ሽዑ ተፈላሊና ኢና'ውን ክትብል ትኽእል" ትብል።

ኣብዛ ተባዕታዊ ኣረኣእያ ጎሊሑ ዝወጽአላ ከተማ ሌጎስ፡ ኣስታት 20 ሚሊየን ህዝቢ ከም ዝነብር ይግመት።

እዚ ልዑል ጠለብ ገዛ ከኣ ኣካረይቲ ኣብ ልዕሊ ተኻረይቲ ዘይምዕሩይ ስልጣን ክህልዎም ገይሩ።

ብዙሓት፡ ኣቐዲሞም እዮም ናይ ሓደ ዓመት ክፍሊት ገዛ ክራይን ናይ ደላልን'ዮም ዝቕበሉ።

ብዙሓት ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ግን ዋላ'ውን እዚ ጠለብ ከማልኣ እንተኽኣለ፡ ገዛ ዘካርየን ኣይረኽባን።

ጓል ኣንስተይቲ ገዛ ክራይ ክትከፍል ኣይትኽእል ካብ ዝብል ግጉይ ርድኢት መብዛሕትኦም ኣካረይቲ ከም ዝኽልክሉወን ይዝረብ።

ብኻልእ ወገን፡ ሓዳር ዘይገበረት ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ እትምርዖ ምስ ወለዳ ክትነብር ኣለዋ ብዝብል'ውን ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

እታ ጓል ኣንስተይቲ ገዛ ክራይ ክትከፍል ከም እትኽእል እንተፈለጡ'ውን፡ ሰብኣይ ሰብኣይ ዝጨኑ ነገር'ማ ክህሉ ኣለዎ ብዝብል፡ እቲ ክፍሊት ብወዲ ተባዕታይ ክፍጸም ይሓቱ።

ጓል 32 ዓመት ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮ ዳሚሎላ ኦሉሾላ ናብ ስርሓ ቐረባ ዝኾነ ገዛ ትደሊ፤ ግን ድማ ቀሊል ኣይኮነን።

"ካብ ታሕሳስ ጀሚረ ገዛ ክቕይር ደልየ፤ ግን ክሳብ ሕጂ ክረክብ ኣይክኣልኩን" ትብል።

እታ ዘካረየታ ሰበይቲ ናይ ክራይ ውዕላ ኣብ ወርሒ መጋቢት ስለ ዝወድአ ክትወጽእ ትጭቕጭቓ እያ ዘላ። ክትጸንሕ እንተኾይና ከኣ ተወሳኺ ናይ ሓደ ዓመት ክትከፍል ትግደድ።

"ክሳብ ሕጂ ገዛ ይደሊ ኣለኹ፤ እቶም ደለልቲ ከኣ እቲ በዓል ገዛ ዘይተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ኣይደልን ይብሉኻ። እንተዘይኮይኑ ሕጹይ ክህልዋ ኣለዎ ይብሉ" ትብል።

በዚ ምኽንያት ሓደ መሳርሕታ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ነቲ መካረይቲ ዝደልዩዎ 'ሽፋን' ኮይኑ ክቐርበላ ትሓስብ ኣላ።

ኢዶንጌሲት ገዛ ክትካረይ እንከላ ኣፍቃሪኣ ዝነበረ ወዲ ተባዕታይ ዳርጋ ዋሕስ ኮይኑ ሓጊዙዋ። ግን ድሕሪ ሰሙን እቲ ኣካረዪ ከም ዝተታለለ ስለ ዝፈለጠ ሰጒጉዋ።

እቶም ደለልቲ፡ ድልየት ዋናታት ገዛ ንምምላእ ስለ ዝሰርሑ ደቂ ኣንስትዮ ዝደልይኦ ዓይነት ገዛ ክረኽባ ብዙሕ ኣይትሓጋገዙወንን።

ኣብ ሪል ስቴት እትነጥፍ ኦጎንማ ኣርሁሬ፡ ዘይተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ፣ ካብ ሓዳራ ዝተፋትሐት፣ መበለት፣ ውላዳ ንበይና እተዕቢ ጓል ኣንስተይቲ ከምኡ'ውን ሰብኣያ ሓቢሩዋ ዘይነብር ጓል ኣንስተይቲ ገዛ ንምርካብ ኣዝየን ከም ዝጽገማ ትዛረብ።

እቲ ጸገም ወነንቲ: ጓል ኣንስተይቲ ጸገም ከተምጽኣልና እያ ወይ'ውን ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ናብቲ ገዛ ከተመላልስ እያ ብዝብል ዝፈርዱወን ምዃኖም እዩ ኢላ።

እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ቀልጢፉ ክእለ እንተዘይክኢሉ፡ ህይወት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከመዛብል ከም ዝኽእል ስግኣተን ይገልጻ።

ሊጎስ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ዘይተመርዓው ደቂ ተባዕትዮ'ውን ተመሳሳሊ ጸገም የጋጥሞም እዩ።

"ብዙሓት ከባቢታት ሌጎስ ኣጸገምቲ'ዮም" ዝብል ኤዲተር ጋዜጣ እታ ሃገር ሳምሶን ቶሮማድ፡ "ኣብታ ከተማ ዘሎ መስርሕ መካረይቲ ገዛ ነቲ ዘለኹዎ እውን ከይስእኖ ብዝብል ዘይዓገብካሉ ዓይነት ገዛ ክትካረ'ዩ ዘገድደካ" ይብል።

ኣብዚ እዋን ነዞም ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዘለዎም :ዘይተመርዓው ሰባት ዝኸውን መፍትሒ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ 2017 ዝተላለየ 'ስሊፕት' ዝተባህለ ቴክኖሎጂ ካብ ናይጄሪያ ሓሊፉ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ በጺሑ ኣሎ።

እዚ፡ ምስ ኣቑሑቱ ዝተማልአ ገዛ ኣብ ድረ ገጽ ከላሊ እንከሎ፡ ጓል ኣንስተይቲ ንምክራይ ዘውጽኦም ረቛሒታት የብሉን።

ግቡእ ምጽራይ ድሕረ ባይታ ከም ዘሎ ዝዛረብ ምኽትል ፕሬዝደንት ቪክቶር ኢክዌሎር "ግን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ: ካልእ ረቛሒታት ኣይሕተታን። መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ከተኣናግደን ዝኽእል ስርዓት ስለ ዘይነበረ፡ ኩነታት ሓዳረን ብዘየገድስ ጽቡቕ ናይ መንበሪ ቦታ ክረኽባ ኢና ንሰርሕ" ኢሉ።

ዋጋ እቶም ዝካረዩ ኣባይቲ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸብደን ነገር እዩ።

ኣብታ ከተማ ወርሓዊ ክራይ ገዛ ካብ 650 ዶላር ክሳብ 800 ዶላር እዩ ዝግመት።

ኣብዚ እዋን ሰባት ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሎም ዓቕሞም ማእከል ዝገበረ ገዛ ንክካረዩ ኣብ ህንጸት መገዲ ባቡርን መራኽብን ትኹረት ገይሩ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ገለ ምምሕያሽ ዘርእዩ ዝንባለታት'ኳ እንተሃለው ሕብረሰተብ ናይጄሪያ ብሓፈሻ ግን ኣብ ልዕሊ ዘይተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ጥርጣረ ዝተመልኦ'ዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብዙሓት ናይ ማይ፣ መብራህትን ካልእ ጸገማትን ተጻዊረን ኣብታ ብገለ ኣጋጣሚ ዝረኸብኣ ገዛ ተጨቊነን ክነብራ ይግደዳ።