'ብጌጋ' ምስ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ ዝፈጸሙ ኡጋንዳዊ ኢማም

ስነስርዓት መርዓ ኢማም

ምንጪ ስእሊ, The Daily monitor

ጓል ኣንስተይቲ 'መሲልዎም' ምስ ወዲተባዕታይ ዝተመርዓዉ ኡጋንዳዊ ሃይማኖታዊ መራሒ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተኣልዩ ዘ-ደይሊ ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ገሊጹ።

ሸኽ ሞሓመድ ሙቱምባ ንክልተ ሰሙን ምስኦም ዝጸንሐትን 'ጓል ኣንስተይቲ' እያ ኢሎም ዝተመርዓውዎ ተኸዳኒት ሒጃብ፡ ወዲ ተባዕታይ ኮይኑ ምስረኸብዎ ከምዝሰንበዱ ይገልጹ።

ጓል መሲሉ ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ ሪቻርድ ቱሙሻቤ ከምዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ።

እታ ሓዳሽ 'መርዓት' ማለት ቱሙሻቤ፡ ካብ ጎረቤት መቐመጢ ተሌቪዥንን ክዳውንትን ብምስራቓ ተጠርጢራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምስ ኣተወት እያ ተቓሊዓ።

"ከምቲ ልሙድ እታ መርዓት ናብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእታዋ ብሓንቲ ኣባል ፖሊስ ተፈቲሻ እያ። ሽዑ ነታ ፖሊስ ዘሰንበደ ነገር ተረኺቡ። ተጠርጣሪ ጡብ ንኽመስለሉ ኣብ ውሽጢ መትሓዚ ጡብ ጨርቂ ከምዝመልአ ተፈሊጡ" ይብል ጸብጻብ ዘ-ዴይሊ ሞኒተር።

ኣብ ኡጋንዳ ክያምፒሲ ኣብ እትበሃል ዓዲ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኢማም ዝኾኑ ሸኽ ሙቱምባ፡ ምስ መርዓቶም ጾታዊ ርክብ ከምዘይፈጸሙ ይዛረቡ።

ብሓባር እናነበሩ 'ከመይ ክኸውን ክኢሉ?' ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን'ዩ። ንሶም ከምዝበልዎ ግን መርዓቶም "ኣብ ወርሓዊ ጽግያ'የ ዘለኹ" ስለዝበለቶም ርክብ ከምዘይፈጸሙ ገሊጾም።

እቲ ውልቀሰብ፡ ጓል ኣንስተይቲ ንምምሳል ብምፍታኑን፣ ብስርቅን ምጭብርባርን ክሲ ተመስሪትዎ'ሎ።

ናይቲ ከባቢ ቃዲ [ዳኛ እስልምና] ዝኾኑ ሸኽ ዓብዱል ኑር ካካዴ፡ እቲ ክስተት ዘይልሙድ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኢማም ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ካብ ሓላፍነቶም እውን ተኣልዮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሸኽ ሙቱምባ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ከምዘይተረኣዩ ጸብጻብ ዘ-ዴይሊ መይል የመልክት።

ሓደ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ውልቀሰብ "በቲ ዝተፈጠረ ነገር ስምዒቶም ተሃስዩ ስለዘሎ፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ክረኽቡ ይግባእ" ክብሉ ገሊጾም።