ሞሮኮ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተጠርጠሩ 11 ውልቀሰባት ማእሰርቲ 20 ዓመት ተፈሪዶም

ምንጪ ስእሊ, Chouf TV
ቤት ፍርዲ ሞሮኮ፡ ኣብ 2018 ጓል 17 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ብንጭዋይ ኣዝዩ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ብምዕማጽ ገበነኛታት ኮይኖም ዝረኸቦም 11 ደቂ ተባዕትዮ ን20 ዓመት ክእሰሩ ፈሪድዎም።
ከድጃ፡ እቶም ዝዓመጹዋ ሰባት ገይሮምዎ እትብሎ ኣብ ዝባና ዝዓረፈ ውቃጦታት፣ ዝተቓጸለን በሰላ ዝመልዎ ሰብነታን ንህዝቢ ኣርኢያቶ እያ።
ኣብ 2018 ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕተት፡ ነቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑላ "ፈጺመ ይቕረ ኣይብሎምን" ኢላ ነይራ።
ጉዳይ ከድጃ ኣብታ ሃገር ሓያል ቁጥዐ ከልዕል እንከሎ #JusticePourKhadija ዝብል ጎስጓስ ክልዓል ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።
ጠበቓ ኢብራሂም ሃቻኔ ንኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጥርጡራት ገበን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት ክሳብ 30 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ስለዝፍረዶም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ጾታዊ ዓመጽ ዘብጽሑ ውልቀሰባት ዝተዋህበ መቕጻዕቲ "ከቢድ" ኣይኮነን ኢሉ።
እቶም ገበነኛታት 16 ሽሕ ዶላር መቕጻዕቲ'ውን ክኸፍሉ ከም ዝተፈርዶም ሓቢሩ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ሞሮኮ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ልሙድ ከም ዝኾነ ብምጥንቃቕ፡ ልዕሊ ፍርቂ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ዘመልክቱ መጽናዕታት ከምዘለው ገሊጾም።
ኣብ 2018፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ግዱድ መርዓ፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝፍጸም ጾታዊ ግህሰትን ካልኦት መጥቃዕታትን ዘቕጽዕ ሕጊ ኣሕሊፉ ነይሩ።
ይኹን'ምበር ሂዩማን ራይትዎች፡ መንግስቲ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ገበን ኣይገበሮን፤ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝበሃልከ እንታይ'ዩ ዝብል ንጹር ኣይገበሮ ክብል ነቒፉዎ።

ምንጪ ስእሊ, Abdul Wahid Al Saadi
ከድጃ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑላ ሰባት ብዙሕ ስቅያት ከም ዘሕለፈት ብምግላጽ "ኣዕኒዮምኒ'ዮም" ትብል።
"ብዙሕ ግዜ ከምልጥ ፈቲነ'የ፤ ግን ተታሒዘ ተሃሪመ" ክትብል ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተዛሪባ።
"ኣሳቕዮምኒ፤ መግብን ማይን ኣይህቡንን። ሰብነተይ ክሕጸብ ኣየፍቅዱለይን" ኢላ።
ብዙሓት ዜጋታት በቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ እታ ሃገር ክስንብዱ እንከለው፡ ስድራቤት እቶም ግዳያት ግን ከድጃ ኣብ ሚድያ ትሕሱ ኣላ ክብሉ ነቒፎምዋ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







