ቅልውላዉ ትግራይ፡ ጾታዊ ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ሰብሞያ ጥዕና ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 27 ዓመት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ሓደ ካብቶም ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ "ኣዝዮም ዘስካሕክሑ" ኢላ ዝገለጸቶም ጾታዊ ዓመጻት'ዩ።
ሊንዳ ቶማስ ዝሓለፈ ዓርቢ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ሕጂ'ውን "በቶም ዝበጽሑዋ ዘለው ጸብጻባት ዓመጽ ከም ዝተሰናበደትን ካልኦት ዘይተዘርበሎም ጭካነ ዝተመልኦም ጾታዊ ዓመጻት ኣለው" ብምባል ኣብቲ ኲናት "ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ውዒሉ'ዩ" ምባላ ይዝከር።
ዶክተር ኣታኽልቲ ስዩም፡ ናብ ሆስፒታል ዓዲግራት ንዝመጽአ ግዳያት እቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ይሕክም ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ማሕጸና እምኒ፣ ዝመረተ መስማርን ኮንደምን ዝኣማሰሉ ባዕዳዊ ነገራት ኣቲዩዋ ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝመጽኣቶ ግዳይ ክትገጥሞ እንከላ ግን "ኣዝየ ሰንቢደ" ይብል።
"እቲ ኣብ ማህጸና ዝነበረ ነገራት ከውጽኦ ክፍትን ከለኹ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኮይኑ" ዝብል ዶክተር ኣታኽልቲ፡ ካልእ በዓል ሞያ ክርእያ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ክኢላ ጋይናኮሎጂ ተጸዊዑ ብመጥባሕቲ ካብ ማህጸና ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ይዛረብ።
ይኹን'ምበር "እዚ መዓዝ ካብ ሕሊናይ ከም ዝለግስ ኣይፈልጥን" ብምባል እቲ ዝሓልፉዎ ዘለው ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ይዛረብ።
ንሳ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ መትኒ ጸገም ኣጋጢሙዋ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረላ'ዩ ዘሎ።
". . . ታሪኽ ማእለያ ዘይብሉ ተደራራቢ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ግዳያት ክሰምዕ ውዒለ ናብ ገዛይ ክኸይድ ከለኹ፡ እንታይ ይረግጽ ኣለኹ፣ እንታይ ይዛረብ ኣለኹ ዝፈልጦ ነገር የብለይን" እትብል ከኣ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ነርስ ሙሉ'ያ።
ክሳብ ሕጂ እዞም ሰብ ሞያ ጥዕና ናብዮት ዝገብሩለን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ኩለን ተማሳሳሊ ዛንታ ከም ዘለወን ክገልጹ እንከለው፡ "ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝዓመጹወን ይዛረባ፤ ውኒኤን ብምስሓተን መን እንታይ ከም ዝገበረን ዘይፈልጣ'ውን ኣለዋ" ክብል ዶክተር ኣታኽልቲ ኣውጊዑና።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት እቲ ዝሓልፍኦ ዘለዋ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ብምልሰት እቲ ዝበጽሐን በደል ተረቢሸን 'ፍንፍንቲ'የ፣ ብህይወት ክነብር የብለይን' ዝብላ ግዳያት ምህላወን ነርስ ሙሉ ትዛረብ።
እንተኾነ እዞም ክኢላታት ጥዕና፡ ብዝኾነ ተኣምር ንተሓከምቲ ናብ ውኒአን ብምምላስ፡ ኣህዲኦም ተስፋ ናይ ምስናቕ ጸውራ ናታቶም ኮይኑ ይርከብ።
እዚኦም፡ ብፍላይ እኹል ናውቲ ሕክምናን መድሃኒት ኣብ ዘይብሉ፣ ብዋሕዲ ሰብ ሞያ ብብዝሒ ግዳያት ከተኣናግዱ ይውዕሉ።
ሓፈሻዊ ሓኪም ሆስፒታል ዓዲግራት ኮይኑ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከገልግል ዝጸንሐ ዶክተር ኣታኽልቲ ስዩም፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትግራይ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ልዕሊ 140 ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ርእዩ ኣሎ።
ይኹን'ምበር እዚ ፍቕዲ ኮነ ዓይነት እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጾታዊ ዓመጻት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ልዑል ስነ ልቦናውን ማሕበራውን ጸቕጢ ከሕድረሉ ከም ዝጀመረ ይዛረብ።
"መዓልታዊ ዝርእዮን ዝሰምዖን ስለ ዝኾነ መዓልታዊ ርእሰይ ይሕመኒ፣ ኣእምሮኣዊ ውጥረት ይገብረለይ፣ ጭንቀት ኣለኒ፣ ስሩዕ ኣመጋግባ የብለይን፣ ነብስኻ ምድርባይን ብዝኾነ ነገር ዘይምሕጓስን'የ ዘስተውዕል" ይብል።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 258 ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሐን ናብ ሆስፒታል ዓዲ ግራት ሪፖርት ገይረን ከም ዘለዋ ሓካይም እቲ ሆስፒታል ይዛረቡ።
![ብርሃን [ሽማ ዝተቐየረ] ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብወተሃደራት ኤርትራን ኤትዮጵያን ተዓሚጻ። እዚ ስእሊ ብ27 ጥሪ 2021 ኣብ መቐለ ዝተወሰደ ኮይኑ እታ ግዳይ ኣብ ሕክምና ትርከብ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/9007/production/_118017863_gettyimages-1231606428.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶክተር ኣታኽልቲ ብዕድመ እታ ዝነኣሰት ጓል 12፣ ዝዓበየት ከኣ ጓል 89 ዓመት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾና ህጻናት ኣዴታትን ሕክምናዊ ሓገዝን ክትትልን ገይሩ'ሎ።
ነፍሲ ወከፈን፡ መዓዝ፣ መን፣ ኣበይ መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሐለን ኣሚነን ዝነገርኦ ብሚስጢር ዓቂቡ ክሕዞ ሞያዊ ግዴታ ኣለዎ።
ከም ሓደ ፍጡር ወዲ ኣዳም ግን በቲ ንሓድሕድ ክሰምዖን ክርእዮን ዝውዓለ ቃንዛ ይርበሽ።
"መብዛሕትአን ኣደታት'የን፤ ደቂ 70 ዓመት፣ ኣንስቲ ቐሺ፣ ቖረብቲ ሰገድቲ ኣለዋ። ክዛረባ ከለዋ ንብዓተን ይቕድመን፤ ንብዓተን ኣብ ክሳደን ዝኣሰርኦ መስቀልን ደረተንን ሓሊፉ ክወርድ ክርኢ ከለኹ ኩሉ ነገር የጽልኣኒ" ይብል።

'ቃንዛ ተሓከምተይ ምሳይ'ዩ ናብ ገዛ ዝኸይድ'
ካብ ዓዲግራት ልዕሊ 117 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ከተማ መቐለ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዚያዳ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ እቲ ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ዝርከባ እትብሃል'ያ።
ኣብ ሆስፒታላት ዓይደር ሪፈራልን ሆስፒታል መቐለን ዝሕከማ ካብ መቐለ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመጽኣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ብኣማኢት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ዓይደር ናብ ዝርከብ ማእከል ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ (ዋን ስቶፕ ሴንተር) ልዕሊ 335 ግዳያት ክመጽኣ እንከለዋ፡ ካብዚአን እተን ልዕሊ 140 ጥንሲ ዘቋርጻ ምዃን ነርስ ሙሉ ዝሃበትና ሓበሬታ የረድእ።
እተን ግዳያት፡ ብካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ተለኺፈን፣ ተወሳኺ ኣካላዊ መጥቃዕቲ በጺሑወን፣ ስነ ልቦንአን ተጎዲኡ ዓርሰን ክኢለን ክንቀሳቐሳ ዘይኽእላ ኮይነን ስለ ዝመጽኣ፡ ቀዲማ እትረኽበን ሰብ ነርስ እዚ ማእከል ዝኾነት ሲስተር ሙሉእያ።
"ናብ ሰብ ክቕርባ ኣይደልያን፣ ምፍጣረን ጸሊአንኦ'የን፣ ናይ ስነ ኣእምሮ መድሃኒት ዝጀመራ ኣለዋ" ዝበለት ነርስ ሙሉ፡ እዚ ኩሉ ጸውራ ሒዝካ ምስራሕ ቀሊል ኣይኮነን ትብል።
"ኣብ መዓልቲ ክሳብ 15 ግዳያት እንርእየሉ ኣሎ። ሆስፒታላት ተዘሚቱ ኣገልግሎታት ጠጠው ኢሉ ስለ ዘሎ ጥንሲ ዝንጽላሉ ቦታ፣ መድሃኒት ዝወስዳሉ ኩነታት የለን። በዝን ካልእን ኣብዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ውንኡ ጠፊኡዎ'ዩ ዘሎ፤ኣነ'ውን ውነይ ጠፊኡኒ'ዩ" ኢላ።
ማእከል ሕክምና ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ [ዋን ስቶፕ ሴንተር] ናይ ባዕሉ ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮን ስነልቦናን፣ ዓቃቢት ሕጊ፣ ሓኪምን ፖሊስን ዘለዎ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል ስለ ዝኾነ፡ እተን ግዳያት ዝሓሸ ኣግለግሎት ክረኽባ ሓጊዙወን'ዩ።
ይኹን'ምበር፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ባህሊ ጸቕጢ ስለ ዘሕድረለን ደፊረን ናብ ሕክምና ብምምጻእ እቲ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ዝዛረባ ውሑዳት ምዃነን እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ብሰንኪ ክብደትን መጠንን ናይቲ ጸገም፡ እቶም ሰብሞያ ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ከም ዝግደዱን፡ በዚ መሰረት ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ኣብቲ ክልል ተኣዊጁ ዝርከብ ሰዓታት እቶ እቶ ከም ዘየኽብሩ ነርስ ሙሉ ትዛረብ።
"ንገዛ ክኸድ ከለኹ፡ ኩሉ'ዩ ምሳይ ዝኸይድ። ነፍሲ ወከፍ ክሕክማ ዝውዓልኩ ሽማ፣ ኣካላታ ፈጺመ ኣይርስዖን። ቀትሪ ምሳይ ለይቲ ምሳይ'የን። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝባነን ስለ ዝበጽሐ ንሳተን ይገዳ እምበር፡ እቲ ቓንዛ ንኹላትና ጸሊዩና'ዩ" ብምባል ኣብ ቅድሚ ስድራ ቤታ ብዛዕባ ውዕሎኣ ከም ዘይትዛረብ ኣውጊዓትና።
ንኡሽቶ ነገር ረኺበ ዝሕጎስ ዝነበርኩ ኣብዚ ኣገልግሎት ካብ ዝጽመድ ንነጀው "ዋላ ንስድራይ ወይ መሓዙተይ ረኺበ'ውን ኣይሕጎስን" ዝብል ዶክተር ኣታኽልቲ ብወገኑ፡ ወትሩ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ እንታይ ኢና ክንነግሮ? ዓለም እቲ ዝፍጸም ዘሎ ክትኣምኖ ድያ እናበልኩ'የ ዝሓስብ ይብል።
"ኣብ ሕሉፍ ሓደ ቖልዓ ሓኪመ ሓውዩ ክርእዮ ሻሂ እናሰተኹ ደስ ኢሉኒ የውግዓሉ ነይረ፤ ሎሚ ግን ድኽም ሓዲረ'ውን ኣየውግዐሉን። ዕግበትን ባህታ ዝፈጥር ስምዒትን የብለይን፤ ብኣንጻሩ ተስፋ ምቑራጽ'ዩ ዝስምዓኒ። ከነገልግል ስለ ዘለና'ዩ እምበር እናጨነቐኒ'የ ዝኸይድ" ክብል ተስፋ ብዝቖረጸ ኣንደበት የውግዕ።
'ንኡሽቶ መድሃኒት'ውን እያ ዕንቊ ኮይና'
ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ ከቢድ ዕንወት ካብ ሞንጎ ዝበጽሖም ብቐዳምነት ዝርቁሑ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም ቦታታት'ዮም።
ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳብ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ዓለምለኸ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ 106 ትካላት ጥዕና ብዘካየዶ ዳህሳስ፡ ኣስታት 70 ሚኢታዊት ተዘሚቶም፤ 30 ሚኢታዊት ዓንዮም ከም ዝረኸቦም ገሊጹ'ዩ።
እዚኦም፡ ኮነ ተባሂሉ "ዝተዘምቱን ዝዓነዩን'ዮም" ክብል እንከሎ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ውሑዳት ኣማራጺታት ሕክምና ጥራሕ ሒዙ ከም ዝተረፈ ገሊጹ ነይሩ።
"ናይ ሽንትን ደምን መርመራ እንገብረሉ፣ መድሃኒት ኣብ ዘይንረኽበሉ ደረጃ ኢና ንርከብ። ተሓከምቲ ንሰለስተ ኣርባዕተ መዓልቲ ሪጋ ሒዞም'ዮም ዝውዕሉ፤ ንኡሽቶ መድሃኒት'ውን እያ ዕንቊ ኮይናትና ዘላ" ዝብል ዶክተር ኣታኽልቲ፡ ሕጽረት ሰብሞያ'ውን ብምህላዩ ቑጽሪ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ምብዝሑ ንኹሉ ከም ዘኽበዶ ይዛረብ።
እተን ግዳያት፡ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከባ፣ ብምኽንያት እቲ ኲናት ሓወን ወይ ወለደን ዝተቐተሉወን ክኾና እንከለዋ፡ ካልኦት ናይ ቆርበት ሕማማትን ቅልውላው ድሕረ ስንባደን ዘማዕብላ ኣለዋ።
"ዝበዝሕ ግዜ ንጉሆ ኣትየ ከይመሳሕና ውዒልና፡ እንሓድረሉ ኩነታት ስለ ዘሎ ዳርጋ ዝበዝሕ ህይወተይ ኣብቲ ሆስፒታል'ዩ። ካብ ርሑቕ ስለ ዝመጽኣ ገዲፍካየን ክትኸይድ ኣይትኽእልን፤ ይበኽያ እየን። ገዛ ክኣቱ ከለኹ ኩሉ ስለ ዝርብሸኒኣይድቅስን። ማሕበራዊ ናብራ ዝብሃል የለን" ይብል ዶክተር ኣታኽልቲ።
ማእከል ሕክምና ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ [ዋን ስቶፕ ሴንተር] ናይ ባዕሉ ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮን ስነልቦናን፣ ዓቃቢት ሕጊ፣ ሓኪምን ፖሊስን ዘለዎ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል ስለ ዝኾነ፡ ግዳያት ብሕትዉ ኢለን ክውል ክብላ ሓጊዙወን።
ይኹን'ምበር፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ባህሊ ጸቕጢ ስለ ዘሕድረለን ደፊረን ናብ ሕክምና ብምምጻእ እቲ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ዝዛረባ ውሑዳት'የን።
"ናይ መን ቆልዓ ክነዕቢ ኢለን ምጥናሰን ዝፈለጣ ንከቋርጻ ክመጽኣ ከለዋ'ዩ ዝፍለጥ እምበር ብዙሓት ተስፋ ቖሪጸን ፍትሒ ኣይረክብን ኢለን ፎቖድኡ ስቓየን ሓቢአን ዝተረፋ ኣለዋ'የን" ትብል ነርስ ሙሉ። እታ ነርስ እቲ እትሰርሐሉ ዘላ ማእከል ልዕሊ ዓቕሙ ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘሎ'ያ ትዛረብ።
![ጓል 40 ዓመት እየሩሳሌም [ጸጋም] ካብ ዓዲ ግራት ውጽእ ኢልካ ኣብ እትረከብ ዓዲ ብወተሃደራት ኤርትራ ተዓሚጻ። ድሕሪኡ ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ኣጋጢሙዋ ኣብ ሴፍ ሃውስ ሕክምና ትረክብ ኣላ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/15357/production/_118017868_gettyimages-1231606544.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጎ ሓላፍነቶምን ስምዒታቶምን ዝተቐርቀሩ ሰብሞያ
ዶኳትርን ነርሳትን ብዛዕባ ውልቃዊ ስምዒታቶምን ድኻሞምን ንምሕሳብ ኮነ ንምሕዛን ብዙሕ ግዜ የብሎምን።
ስለ ዝኾነ መብዛሕትኦም፡ ቑስሎም ሓቢኦም ነቲ ካባይ ይገድድ ዝብሉዎ ሕብረተሰብ የገልግሉ፤ ከምቲ ነርስ ሙሉ እትብሎ ከኣ "ሕዚ ከም ልብኻ'ውን ተዛሪብካ ክትኸይድ" ኣይትኽእልን።
"ተናጊርካ'ውን ዝሕግዘካ የለን፤ እቲ ዝፍጠር ዘሎ ምስተፈጥረ ክሕግዘካ ዝብለካ ከኣ ቓንዛኻ'ዩ ዝውስኾ። ስራሕና ኩሉ ሰለጤን የብሉን፤ ህዝቢ ብሓይሉ'ዩ ዝነብር ዘሎ" ብምባል ሕርቃን ብዘድምጽ ኣንደበት ተዛሪባ።
ሓኪም ሆስፒታል ዓዲ ግራት ዶክተር ኣታኽልቲ፡ ኣገልግሎት ቴሌፎንን መብራህትን ብተዳጋጋሚ ዝቋረጽ'ኳ እንተኾነ፡ ሓፈሻዊ ማይ ዝብሃል ዘይምህላው ዓብዪ ጸገም ከም ዝኾኖም ይጠቅስ።
"ዓደይን ህዝበይን'ዩ ብዝብል ሓቦ'ዩ ዝስራሕ ዘሎ እምበር ሰሪሕና ኢድና እንሕጸበሉ ማይ'ኳ የለን። መብራህቲ ስለ እትጠፍእ ኣብ ከተማ ባንን እንጀራን ዘይንረኽበሉ መዓልታት ኣሎ። ለስላሳ ሰቲና እንሰርሐሉ ኩነታት ኣሎ፤ ብመንጽር ኣብቲ ካልእዝበጽሕ ዘሎ ግን ንሕና ንሕሽ" እዩ ዝብል።
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ይብል ዶክተር ኣታኽልቲ፡ "ኩሉ ህይወትና ሕልሚ ኮይኑ፤ ንኡሽቶ መድሃኒት ምርካብ፣ መብራህትን ካልእ ነገራትን ሕልሚ ኮይኑ"።
ንልዕሊ 10 ዓመታት ብሞያ ነርስ ዘገልገለት ሲስተር ሙሉ ኣብ ክሊ እዞም ኩሎም ተደራረብቲ ጸገማት ሓደ ተስፋ ዘስንቓ ነገር ኣሎ።
"ካብቲ ዓማጺአን ወጺአን እቲ ኣእምሮአን ጨቢጡ ሒዙወን ዝጸንሐ ነገር ውሑዳት ቃላት ተናጊረን ተንፊሰንኦ እፎይ ክብላ እንከለዋ፡ ፍኹስ ይብለኒ። ህይወተን ዘይፈልጣ ዝነበራ ሐዚ ብእግረን ክኸዳ ክርእየን ከለኹ ከኣ ይሕጎስ" ኢላ።
እዞም ሰብ ሞያ ሕክምና፡ እቲ ቁሩብ ፍኹስ ክብሎም ጀሚሩ ዝነበረ ሻቕሎት መሊሱ ዝዓርግ ግን ዳግም ሓደሽቲ ናብዮት ዝደልያ ግዳያት ክመጽኣ እንከለዋ'ዩ።

መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ኢሉ?
ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ትግራይ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ግጭት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተፈናቐሉን ይግለጽ። ልዕሊ 60,000 ድማ ናብ ሱዳን ብምህዳም ክዕቆቡ ተገዲዶም ኣለዉ።
ኣብቲ ኲናት ተኻይዱ ዝብሃል ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ጭውያን ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ክምርመርን፡ ፈጸምቶም ክሕተቱን ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን፡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሳላትን ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ካብቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ክሳብ ሕጂ ዘይዘረየ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ደቂ-ኣንስትዮ እየን።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተጣበቕቲ ጉጅለታት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጻት ይካየድ ምህላዉ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ጾታዊ ዓመጻት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ብምእማን፡ ነቲ ገበናት ዝፈጸሙ ወተሃደራቱ እንተልዮም ስጉምቲ ክውሰደሎም ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
"ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለው። ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓመጸን ንብረት ዝዘመተን ወተሃደር ብሕጊ ክሕተት እዩ" ኢሉ።
ኣብቲ ክልል ኣትዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኤርትራ'ውን፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ዝብል ክስታት ይቐርበሎም'ዩ። ይኹን እምበር፡ ኤርትራ እቲ ክስታት "ስኑዕ'ዩ" ብምባል ትነጽጎ።
ኣብ ሆስፒታላት ዓይደር ሪፈራልን ሆስፒታል መቐለን ዝሕከማ ካብ መቐለ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመጽኣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ብኣማኢት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘለዋ ጸብጻባት ይገልጹ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ዓይደር ናብ ዝርከብ ማእከል ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ (ዋን ስቶፕ ሴንተር) ልዕሊ 335 ግዳያት ክመጽኣ እንከለዋ፡ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ዓዲ-ግራት'ውን ልዕሊ 140 ከምዝነበራ ሰብሞያ እተን ትካላት ይሕብሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







