ኣመሪካ: ‘ወተሃደራት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክወጽኡ’ ጸዊዓ

ስደተኛታት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, BYRON SMITH

ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከወጹን ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ደው ክብልን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጸዊዑ።

ወሃቢ ቃል ስቴት ዲፓርትመንት ሎሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል፡ ዝምታ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያን ካልኦት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ “እሙናት ጸብጻባት” ከምዝረኸቡ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኣመሪካ እቶም ገበናት ብናጻ ኣካል ክምርመሩ ከምዝደሊ’ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ገድብ ናብቲ ተመዛቢሉን ሓደጋ ጥምየት ኣጋጢምዎ ዘሎ ህዝቢ እቲ ክልልን ክበጽሕ’ውን ኣመሪካ ጸዊዓ’ላ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።

ብዛዕባ ወተሃደራት ኤርትራ እቲ ኣፈኛ እንታይ ኢሉ?

መግለጺ ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣካይዱ ክኽውን ከምዝኽእልን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኤርትራ ኣቢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተወን ጠቒሱ'ሎ።

“ዝምታ፡ ጾታዊ ጎነጽ፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት መጥቃዕቲ ምፍጻምን ካልኦት ምግሃስ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ ዝገልጹ እሙናት ጸብጻባት ኣብ ግምእት ብምእታዉ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዘለዎም ኣመሪካ መርገጺኣ ኣነጺራ’ያ” ይብል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ።

“ወተሃደራት ኤርትራ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ካብ ትግራይ ከምዝወሰዱ’ውን ጭብጢ ኣሎ” ኢሉ።

እንተኾነ ግን፡ “ኣብ ትግራይ ዘለዉ ወታሃደራት ኤርትራ ክንደይን ኣብይን ከምዘለዉ ብንጹር ኣይፍለጥን” ኢሉ።

ቅድም ክብል ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ወተሃደራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ምስ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብምዃን ይዋግእዎ ከምዝነበሩ ብተደጋጋሚ ይገልጽ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡

ግዝያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ እውን ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ነበርቲ ኣብ ዝተዛተየሉ እዋን ወታሃደራት ኤርትራ ንምንታይ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ህወሓት ዶብ ዝሕሉ ንዝነበረ ሰራዊት እዚ ሰሜን ሰለዘጥቀዐን ሓላዊ ብዘይ ምንባሩን ከምዝኣተዉ ገሊጹ ነይሩ፡፡

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ እዋናት ናይቲ ግጭት፡ ወተሃደራቱ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ’ዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግጭት ተሳቲፉ'ዩ ዝብል "መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ "እዚ ከምዚ ዓይነት ዘረባ እቲ ግጭት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዙን ምትእትታው ንምዕዳምን ተዓጢቖም ዝበልዎ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ናብ ኣስመራ ዝተተኮሰ ሮኬት'ውን ነዚ ዕላማ እዚ ንምትግባር ተባሂሉን፡ ኤርትራ ሰራዊታ ሒዛ ናብቲ ኵናት ንኽትኣቱን ተተሊሙ ከምዝተኻየደ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ጎንጺ ሰራዊት ኤርትራ ዶባቱ ንምሕላው ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ክረአ ንቡር ምዃኑ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣመልኪቱ።

እቲ ግጭት ነታ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ካብ ትግራይ ዝሃደሙ ስደተኛታት ዘዕቆበት ሱዳን፡ ምጽላዉ’ውን ዞባዊ መልክዕ ክሕዝ ገይርዎ ይርከብ።

ዝዓነወ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

’ጸብጻባት ምግሃስ መሰላት ብናጻ ኣካል ክምርመሩ ኣለዎም’

እቲ ግጭት ኣብ መጀመርታ ሕዳር ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ክፍጸሙ ምጽንሖም ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡‘‘ኣብ ትግራይ ብዘለዉ ሓይሊታት ዘረፋ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ መጥቃዕቲ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ካልኦት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ እሙናት ሓበሬታታት ረኺብና’’ ኢሉ፡፡

ብናጻን ዘይሻራውን ዝኾነ ኣካል ምጽራይ ክግበርን ፈጸምቲ ናይቶም ገበናት ክሕተቱን’ውን ጠሊቡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከቢድ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣዝዮም ከምዘሻቐልዋ ፍልይቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ናይቶም ኣብ ግጭታት ዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ገሊጻ ነይራ።

ፕራሚላ ፓተን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሰባት ኣባላት ስድራቤቶም ክጋሰሱ ብሓይሊ ይግደዱ ከምዘለዉን፡ ወተሃደራት ብጥቕሚ ኣገዲዶም ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ክስታትን ከምዝበጽሓ ሓቢራ።

ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ከምእትጽውዕ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ብመሰረት ዝተረኸቡ እሙናት ጸብጻባት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ ‘‘ኣብ ትግራይ ንጸገም ንዝተቓልዑ ሙሉእ፣ ውሑስን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበር’’ ጸዊዑ፡፡

ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ምስዳዶም፥ ልዕሊ 2.2 ድማ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል ምምዝባሎም፡ ብሐፈሻ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮ ኣሃዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ ሓገዝ ዘድልዮም ብዝሒ ህዝቢ 2.5 ጥራሕ ከምዝኾነን፡ መግቢን መድሓኒትን የቕርብ ከምዘሎ ብተደጋገሚ ይገልጽ።

ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, AFP

’መንግስትን ተጋሩን ክዛተዩ ኣለዎም’

ብተወሳኺ ሙሉእ ሰላምን ዕርቅን ክምለስ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክምርመሩን ክሕተቱን ከምዘለዎም ብምግላጽ ‘‘ ኣብ መንጎ መንግስትን ተጋሩን ዘተ ኣድላዪ እዩ’’ ኢሉ፡፡

እቲ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ ብሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝቐረብ ምሕጽንታ ሰላማዊ ፍታሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

መራሕቲ ህወሓት ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም’ኳ ይገልጹ እንተነበሩ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ ‘ውሽጣዊ ጉዳይ’ዩ’ ብምባል፡ ነቲ “ስርሒት ምኽባር ሕጊ” ዝበሎ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ምቕጻሉ ይፍለጥ።

እቲ ጎንጺ ናብ ዝተናወሐ ኲናት እንተቐጺሉ ድማ ነታ ሃገርን ነቲ ዞባን ሓደጋ ከምዝኾነ እቲ ካብ ወሃቢ ቃል ዲፓርትመንት ኦፍ ስቴት ዝወጸ መግለጺ ኣነጺሩ፡፡

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ነባራት መራሕቲ እቲ ውድብ ሓዊሱ፡ ገለ መራሕቲ ህወሓት ከኣ ኣብ ቀይዲ ንኽውዕሉ ትእዛዝ ከምዝወጸን ይድለዩ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ዛጊት ገሊኦም ኣብ ቁጽጽር ክውዕሉ ከለዉ ዝተቐተሉ ከምዘለዉ'ውን ኣለው።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።