ነበራት ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ትግራይ ከምዘሻቐሎም ገሊጾም

ካብ ጸጋም ናብ ማን፡ ኣምባሳደራት ፓርቲሺያ ሃስላችን፣ ዴቪድ ሺን፣ ኡሬሊያ ብራዜለ፣ ቪኪ ሃድልስተንን

ምንጪ ስእሊ, US EMBASSY ET/GW

መግለጺ ስእሊ, ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኣምባሳደራት ፓርቲሺያ ሃስላችን፣ ዴቪድ ሺን፣ ኡሬሊያ ብራዜለ፣ ቪኪ ሃድልስተንን

ኣርባዕተ ነበራት ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት ትግራይ ከምዘሻቐሎም ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሐፍዎ ቅሉዕ ደብዳበ ገሊጾም።

እቶም ኣምባሳደራት፡ ነቲ ጎንጺ ብቐረባ ከምዝተኸታተልዎን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ምምዝባሎም ከምኡ'ውን ተጸበይቲ ርድኤት ምዃኖም ከምዘተሓሳስቦምን ኣመልኪቶም።

ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ምስዳዶም፥ ልዕሊ 2.2 ድማ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል ምምዝባሎም፡ ብሐፈሻ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮ ኣሃዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ ሓገዝ ዘድልዮም ብዝሒ ህዝቢ 2.5 ጥራሕ ከምዝኾነን፡ መግቢን መድሓኒትን የቕርብ ከምዘሎ ብተደጋገሚ ይገልጽ።

እቶም ኣምባሳደራት እንታይኢሎም?

ነቲ ደብዳበ ዝጸሓፉ፡ ኣርባዕተ ኣምባሳደራት ዴቪድ ሺን፣ ኡሬሊያ ብራዜለ፣ ቪኪ ሃድልስተንን ፓርቲሺያ ሃስላችን ካብ 1996 ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣምበሳደራት ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።

እቶም ኣምባሳደራት ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ወጥሪታት እናሓየለ ምምጽኡ፣ ናይ ጽልኢ ዘረባ ምብዝሑ፣ ሃይማኖትን ዓሌትን መሰረት ዝገበሩ ጎንጽታት ኣብዝን ኣፍትን ምውልዑ ከምዝተሓሳስቦም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ዘበን ኣገልግለቱ ወዲኡ ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማይክ ራይነር ጋዜጠኛታት ጸዊዑ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

እቲ ኣምሳደር፡ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወለዐ ጎንጺ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ብዘይሻራዊ ወገን ንክጻረዩ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር፡ ብፍላይ ኣብቲ ክልል ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝተብሃለ ጾታዊ ጥቕዓትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ሓቲቱ ዘሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሙ ዘርኢ ተኸታተልቲ ጸብጻባት ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኣምባሳደር፡ እኹል ረድኤት ይበጽሕ ከምዘየለ ብምሕባር፡ መንግስትን ዓለማዊ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ብህጹጽ ድጋፍ ከቕርቡ ሓቲቱ።

ካልኦት ዓለማዊ ትካላት. . .

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትማሊ ገለ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ንተወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ሰላም፡ ወ/ሮ ሙራፍያት ካሚል መንግስቲ ይገብሮ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝኾነት ካትሪን ሶዚን [ዶ/ር] መብርሂ ከምዝሃበት ኣብ ፌስቡክ ገጻ ኣብሪሃ።

ብተመሳሳሊ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ኣሕመድ ሸዴ፡ ንተወካሊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዳግመ ህንጸት ሰብኣዊ ድጋፍን ከምዘረደአ ኣብ ፌስቡክ ገጽ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ኤሪክ ሃቤርስ ብዛዕባ ረድኤት ምብጽሑ ብዝምልከት፡ ንዝነበሮ ስግኣት መብርሂ ከምዝሃቦም ኣረዲኡ።

ኣሕመድ ሸዴ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ እናተመሓየሸ ምምጽኡን እዚ ድማ ረድኤት ንምብጻሕ ምችው ኩነታት ከምዝፈጥርን ተዛሪቡ።

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ነባራት መራሕቲ እቲ ውድብ ሓዊሱ፡ ገለ መራሕቲ ህወሓት ከኣ ኣብ ቀይዲ ንኽውዕሉ ትእዛዝ ከምዝወጸኣን ይድለዩ ይድለዩ ከምዘለውን ይፍለጥ። ዛጊት ገሊኦም ኣብ ቁጽጽር ክውዕሉ ከለዉ ዝተቐተሉ ከምዘለዉ'ውን ተሓቢሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።