ሶማልያ፡ ወታሃደራታ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣይተሳተፉን ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ፡ ነቲ ወታሃደራት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል ሓበሬታ ነጺጉ፡፡
ብተመሳሳሊ ነቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝቐተሉ ዝጠቅስ ሓበሬታታት እውን ጌጋ ከምዝኾነ ንቴሌቪዥን ሶማልያ ተዛሪቡ፡፡
ምክትል ሓላፊ ትካል ድሕነትን ጸጥታን ሶማልያ ዝነበረ ኣብዲሳላን ዩሱፍ ጉለድ፡ ወታሃደራት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እቲ ሚኒስተር መልሲ ሂቡ ዘሎ፡፡
እቲ ምክትል ሓላፊ ድሕነት ነበር፡ ንሓደ ናይ ብሕቲ ራድዮ'ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወታሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ከምዝተሳተፉን ኣስታት 400 ካብኦም ከምዝቐተሉን ተዛሪቡ ነይሩ፡፡ ዘቕረቦ ጭብጥታት ግን ኣይነበረን። ዕድመ እቶም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ እናተዋግኡ ዝተቐትሉ ዝበሎም ወታሃደራት ካብ 20-30 ምዃኖም'ውን ጠቒሱ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሶማልያ ቁጠዐ ከምዝፈጠረን፡ ብፍላይ ስድራቤት ናይቶም ንስልጠና ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝተሰዱ ወታሃደራት ሶማልያ፡ ካብ ሻቕሎት ከምዝኣተዉን፡ መንግስቲ ብዛዕባ ሃለዋት ደቆም መብርሂ ክህብ ይጠልቡ ኣለዉ።
እቲ ሚኒስተር ዜና ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ''ሰባት ካብ ወታሃደራትና ፖለቲካዊ ትርፊ ንምርካብ ምፍታኖም ዘሕዝን እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ይዕለሙ ዝነበሩ ወታሃደራት ሶማልያ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል ንንግድን ፖለቲካን ተባሂሉ ዝተኣለመ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝኾነ ነረጋግጽ'' ክብል ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝዋግኡ ወታሃደራት ሶማልያ ክንህቦ ኣይሓተተናን ዝበለ ኣቡበከር ዱቤ ቅድሚ ሕዚ እውን ወታሃደራት ሶማልያ ኣብ ኵናት ሊብያን ኣዘርባይጃንን ተሳቲፎም ዝብል ስኑዕ ሓበሬታ ወጺኡ ከምዝበረ ገሊጹ፡፡
"ብወግዓዊ መግለጺና ከም ዝሓበርናዮ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዝሳተፉ ናትና ወተሃደራት የለውን። ዝኾነ ምኽንያት ዝወሃቦ'ውን ኣይኮነን። ነዚ ክንገብር ዝሓተተና ወገን እውን የሎን።
"ኣብ ዝኾነ ወጻኢ ሃገር ስልጠና ዝወሰደን ናብ ካልእ ሃገር ዝተልኣኸን ሰራዊት ሶማልያ የሎን። እዚ ኩሉ: ሓይልታት ሶማልያ ኣብ ሶማልያ ጸጥታ ኣብ ምውሓስ ጽልውኦም እናሓየለ ምስ መጸ ንምድኻሞም፡ ኣንጻር መንግስቲ ሶማልያ ዝቐንዐ ፕሮፖጋንዳ እዩ። እቲ ፕሮፖጋንዳ ናብ ኣዴታት ሶማልያ እውን ዘተኮረ" ኢሉ።
ብወገን ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።
እቲ ብ4 ሕዳር "ሕጊ ንምኽባር" ብዝብል ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ዞባዊ መልክዕ ሒዙ ይርከብ። ልዕሊ 56 ሽሕ ካብቲ ኵናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ኣለዉ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኵናት ከምዝተሳተፈ ዝገልጹ ጸብጻባት'ውን ክወጹ ጸኒሖም ኣለው፡ ዋላ'ኳ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክነጽግዎ እንተጸንሑ። ገለ ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ግን ህዚቢ ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጹ "ብተደጋጋሚ" ክሓቶም ምጽንሑ ተኣሚኖም ነይሮም።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብቲ ክልል ዝርከብ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብብ ከቢድ ቅልውላዉ ከምዝኣተወ የጠንቅቑ ኣለዉ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







