ቅልውላው ትግራይ፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንናይ ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, TPLF FACEBOOK
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ 'ኣብ ናይ ዓመጽ ተግባራት ምስታፉ ኣረጋጊጸ' ናይ ዝበሎ ውድብ ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዝሰረዘ ወግዓዊ ገይሩ።
እቲ ቦርድ ናብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ፡ በቲ ውድብ ካብ ዝተወሃቡ መግለጽታትን 'ብወግዒ ዝፍለጡ ሓቅታትን' ብምቕራብ ሓይሊ መሰረት ኣብ ዝገበረ ተግባር ዓመጽ ምስታፉ ብምርግጋጽ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት ንሕጋዊ መስርሕ ከምዝተኸተለ ዝገልጽ እቲ ቦርድ "ንሕጋዊ ኣፍልጥኡ ሰሪዘ'ለኹ" ኢሉ።
ሓለፍቲ ህወሓት'ውን ብስም እቲ ውድብ ክንቀሳቐሱ ከምዘይክእሉ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብን መሪሕነቱን ብዝግበር ምጽራይ ብስም እቲ ውድብ ዝተመዝገቡ ዝቀሳቐሱን ዘይንቀሳቐሱን ንብረት ዝምልከት ዝርዝር መረዳእታ ንከቕርበሉ ድማ እቲ ቦርድ ሓቲቱ'ሎ።
በዚ መሰረት ንብረት እቲ ውድብ ተጻርዩ ዕዳ እንተሃልይዎ ንመሸፈኒ ዕድኡ ክውዕል፤ ዝተርፍ እንተሃልዩ ከኣ ንትምህርቲ ስነዜጋን መረጽትን ንኽውዕል ወሲኑ።
ቦርድ መረጻ ከምዝሓበሮ፤ ውድብ ህወሓት መብርሂ ናይ ምሃብ ዕድል ንኽህልዎ ብዝብል ኣብ ሞንጎ እቲ ውድብን ቦርድን ከም መራኸቢ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዝበሎምን ብስም ዘይገለጾምን ከዘራርብ ፈቲኑ ነይሩ።
እንተኾነ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ተወካሊ'ቲ ውድብ 'ነቲ ፓርቲ ከምዘይውክሉ ገሊጾምለይ' ኢሉ ቦርድ መረጻ።
ካልኦት ውድባት ትግራይከ?
ብዘይካ ጉዳይ ህወሓት ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ውድባት እውን ብዛዕባ ምንቅስቓሶም መብርሂ ንከቕርቡ ካብቲ ቦርድ ትእዛዝ ቀሪቡ'ሎ።
እቶም ውድባት ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)ን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ዓዴፓ)ን እዮም።
ባይቶናን ሳወትን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተኻየደ 'ዘይሕጋዊ' ዝበሎ መረጻ ብምስታፎምን መሪሕነቶም ኣብ ናይ ዓመጽ ተግባር ከምዝተሳተፉ ዝሕብር 'መረዳእታ ተረኺቡ' ብዝብል መብርሂ ንከቕርቡ በቲ ቦርድ ተሓቲቶም ኣለዉ።
ዓዴፓ ድማ ምዝገብኡ ገና ኣብ መስርሕ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እናሃለወ ኣብቲ ክልላዊ መረጻ ብዛዕባ ምስታፉ መብርሂ ከቐርብ ከምዝተኣዘዘ ተፈሊጡ።
ኣመዓባብላ እቲ ወጥሪ
ህወሓት ብድሕሪ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ካብ ስልጣን ብምእላይ፤ ኢህወዴግ ንዝተበሃለ ስምረት ኣርባዕተ ሰልፍታት ዝኾነ ግንባር ፈጢሩ ን30 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኢህወዴግ ፈሪሱ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን ሰለስቲኦም ሰልፍታት ናብ ብልጽግና ክወሃዱ ከለዉ ህወሓት ግን ካብቲ ውሁድ ንነብሱ ኣርሒቑ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ ጸኒሑ።
ሃገራዊ መረጻ ንስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን ድማ ኣብ ትግራይ ክልላዊ መረጻ ምስተኻየደ ህወሓት ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።
እቲ ክልላዊ መረጻ ግን ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻን መንግስቲ ፌደራልን ኣፍልጦ ኣይረኸበን ነይሩ።
ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ምስሕሓብ እናኸረረ ምስ ከደ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ እዚ ሰሜን ምክልኻል ሃገር ጥቕዓት ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።
መሪሕነት ህወሓት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝገለጸ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ብዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ነቲ ውድብ ካብ መንበረ ስልጣኑ ኣልይዎ'ሎ።
ነባራት መራሕቲ እቲ ውድብ ሓዊሱ፡ ገለ መሪሕነት ህወሓት ከኣ ኣብ ቀይዲ ንኽውዕሉ ትእዛዝ ብምውጽኡ ይድለዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ዛጊድ ገሊኦም ኣብ ቁጽጽር ክውዕሉ ከለዉ ዝተቐተሉ ከምዘለዉ'ውን ተሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







