ቅልውላው ትግራይ፡ “ብወተሃደራዊ ግጭትን ወራር ኣንበጣን ሚልዮናት ሰባት ንሕሱም ንሓደጋ ተቓሊዖም” ኦክስፋም

ምስ ደቃ ናብ ስደት ዝኸደት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፣ ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮሮቫይረስን ተወሲኽዎ፡ ሚልየናት ንሕሱም ሓደጋ ከምዝተሳጥሑ፡ ኦክስፋም ኣፍሊጡ።

ዋላ’ኳ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ነበርቲ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ እንተድለዮም፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምብፃሕ፡ ክሳብ ሕዚ መገድታት ከምዝተዓፀዉ፡ ኦክስፋም ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዘ፡ ኣብ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ መዳብውቲ ሰሜን ኣምሓራን፡ ገምጋም ከምዘካየደ ዝገለፀ ኦክስፋም፡ ዋላ’ኳ እቲ ኵናት ኣብ ወርሒ ሕዳር ቅድሚ ምውልዑ ጀሚሩ፡ ህዝቢ ብስእነት ምግቢ ይሳቐ እንተነበረ፡ ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ግና፡ እቲ ኩነታት ከምዝኸፍአ ኣመልኪቱ።

ዳይሬክተር ኦክስፋም ኢትዮጵያ ገዛሀኽ ከበደ፡ “ሰለስቲኦም ቀተልቲ ዝበሃሉ፡ ጎንፂ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን፣ ኮሮናቫይረስን፡ ንሚልዮናት ነበርቲ ትግራይ ንሓደጋ ኣሳጢሕዎም ኣሎ" ኢሉ።

"ቅድሚ እቲ ጎንፂ’ውን እንተኾነ፡ ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝተኸሰተ ዕስለ ኣንበጣ፡ ናይ ዝበዝሑ ሓረስቶት ዳርጋ ፍርቂ ዝራእቶም በቲ ዕስለ ባዲሙ ነይሩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኮሮናቫይረስ ብዘስዓቦ ጥዕናውን ቁጠባውን ቅልውላው እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም እዩ ነይሩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ኵናት ኣብ ግዘ ዓውዲ ስለዝተወልዐ ከኣ ብዙሓት ዘራእቶም ከእትዉ ከምዘይኽኣሉ፡ ኦክስፋም ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከቢድ ከምዝኾነን፡ “ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ብጥምየት ክሞቱ ከምዝኽእሉ” ምስ ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ዝተገበረ ኣኼባ፡ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ምዝራቡ፡ ሸሊኹ ዝወፅአ ፅሑፍ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝርከቡ ስድራ፡ ካብቲ ኵናት ህይወቶም ንምድሓን ገዝኦም ራሕሪሖም፡ ናብ ከባቢኦም ዝርከቡ ቁሸታትን ዱራትን ከምዝሃደሙን፡ ብንእሽተይ ምግብን ማይን ህይወቶም ከምዘድሓኑን ንኦክስፋም ገሊፆም እዮም።

ናብ መረበቶም ምስተመለሱ ድማ፡ ገዝኦምን ንብረቶምን ዓንዩ ወይ ተዘሚቱ ረኺበሞ።

ብበራድ መግቢ ዘብስል ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓረስታይ ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ጌታቸው ንኦክስፋም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ናተይ ሓዊሱ እኽልና ተቓፂሉ እዩ። 1 ነጥቢ 5 ቶን ዝግመት እኽለይ ስኢነ። ንሸውዓተ ስድራ ናይ ዓሰርተ ወርሒ ቀለብ ምኾነ ነይሩ” ኢሉ።

ወራር ኣንበጣ ኣብ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ጉድኣት ከምዘውረደ ዘዘኻኸረ ኦክስፋም፡ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ኣብ ዝርከባ ከባብታት፡ እቲ ዕስለ ኣብ ዝራእትን ሸኻታትን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ገሊፁ።

ቅድሚ እቲ ጎንፂ ልዕሊ 1 ሚልየን ህዝቢ ብረድኤት ይናበሩ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ እዚ ትካል፡ ልዕሊ 600 ሽሕ ነበርቲ ትግራይ ብጥምየት ይብደሁ ከምዝነበሩ፡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፡ 4 ነጥቢ 5 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሃገዝ ከምዘድልዮ ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሰብመዚ እቲ ክልልን ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ጎንፂ፡ ጥዕና፣ ትምህርትን ቀረብ ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ከምዘፍረሰ ዝሓበረ ኦክስፋም፡ ደቂኣንስትዮን ኣጓላትን፡ ማይ ንምምፃእን ናይ ስድርአን ጠለብ ንምምላእን ነዊሕ ርሕቐት ከምዝጓዓዛ ገሊፁ። እዚ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ኩነታት ንድሕንነተን ውሑስ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ፡ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ መሃያ ስለዘይተኸፈሉ፡ ምስቲ ዘሎ ፀገም ፀጥታን ለበዳ ኮሮናቫይረስን፡ ናብርኦም ከቢድ ከምዝኾኖምን፡ ሰባት ብሰንኪ ዘሎ ኽቡር ዋጋ፡ መሰረታዊ ሸቐጣት ክዕድጉ ከምዘይኽኣሉን ገሊፁ።

ሕቡራት ሃገራት’ውን፡ “ምግቢ ብዘይምህላዉ ወይ ድማ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ቀረብ ውሱን ብምዃኑ፡ ነቲ ዝጋደድ ዘሎ ሕፅረት ምግቢ ሓደጋ ምዃኑ፡ ፀብፃባት የመላኽቱ ኣለዉ” ኢሉ።

ሮይተርስ፡ ኣብ ዓድግራት፣ ኣክሱምን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ገጠር ከባብታትን ንዝተዓዘበ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (MSF) ብምፅራሕ፡ ነበርቲ ብሰንኪ ሕፅረት ሕክምና ይሞቱን ብስእነት ምግብን ማይን ብከቢድ ኩነታት ይጉድኡ ከምዘለዉን ኣቃሊሑ።

እቲ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ ዝተዓዘቦም ከባብታት፡ ሕፅረት መግቢ፣ ማይ፣ ፀገም ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ፍርሒ ዝተሸመሙ ሰባትን ዝረኸበ እንትኾን፡ “ኩሎም ምግቢ’ዮም ዝሓቱ” ብምባል፡ ንሓላፊ ሃንደበታዊ ፕሮግራም ማሪ ካርመን ቪኖሎስ ብምፅራሕ ፀብፂቡ።

ካብ ትግራይ ናብ ስደት ሱዳን ዝኸደት ቆልዓ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ትካል ሓገዝ ህፃናት ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ሽረ ኣብ ዝርከቡ ክሊኒካት ንብዙሓት ናብ ሞት ዘሳጥሕ ሕፅረት ምግቢ ከምዘሎን፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾነን ገሊፁ።

ሚኒስቴር ሰላም እታ ሃገር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን፡ ንምግቢ፣ ቁሳትን ቀረብ ሕክምናን ን 1 ነጥቢ 8 ሚልየን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘገበረ ሓቢሩ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ይካየድ ዘሎ ውግእ፣ ፀገም ፀጥታ፣ መራኸብታት ምድስካሎምን ቢሮክራስያዊ መሰናኽልን፡ ትካላት ረድኤት ናብ ትግራይ ክበፅሓ ከምዘይክኣላ፡ ኦክስፋም ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ውግእ ይቕፅል ከምዘሎ ዝገለፀ ኦክስፋም፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ጎንፂ ደው ብምባል፡ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ናብ ሰላማዊ ልዝብ ክመፅኡ ድማ ፀዊዑ።

ክልቲኦም ኣካላት ንዓለም ለኸ ሕግታት ሰብኣዊ ረድኤትን ሰብኣዊ መሰልን ከኽብሩ ይግባእ ዝበለ ኦክስፋም፡ ትካላት ረድኤት ነቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ብህፁፅ ሓገዝ ንከብፅሓ ውሑስ መገዲ ክኽፈት ፀዊዑ።