ደቡብ ኣፍሪቃ፡ "ንቐታሊ ኣቦይ ሓቚፈዮ በኽየ”

ምንጪ ስእሊ, CANDICE MAMA
ካንዲስ ማማ ትበሃል፤ ደቡብ አፍሪቃዊት እያ። ጓል 9ዓመት እናሃለወት ሓደ ጌጋ ሰሪሓ።
ኣዲኣ ናብ ዕዳጋ ምስ ከደት፡ ቀስ ኢላ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ኣዲኣ ትኣቱ።
ኣብኡ ኣርማድዮ ነይሩ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሓደ መጽሓፍ ነይሩ። ቆልዓ ስለዝነበረት ክተርክቦ ኣይከኣለትን።
ኣብ ልዕሊ ወንበር ደይባ ኣውረደቶ።
ቅልጥፍ ኢላ ድማ ምንባብ ጀሚራ። ህይወታ፡ ካብ'ታ መዓልቲ ንሳ ጀሚሩ ተበላሸወ፤ በቲ ዝረኣየቶ ነገር ትጭነቕ፤ ጥዕና ድማ ስኢና።
ኣብ ውሽጢ እቲ መጽሓፍ፡ ስእሊ ቀታሊ ኣቦኣን ሬሳ ኣቦኣን እዩ ነይሩ።
ሚስጢራዊመጽሐፍ
ካንዲስ ማማ ገና ጓል 8 ወርሒ እንተላ እዩ ኣባኣ ዝሞተ። ብውነ ኣይትፈልጦን። ሰባት ብዛዕባ ኣቦኣ እንትዛረቡ ግን ትሰምዕ።
ኣቦኣ፡ ንህይወት ኣቕሊል ኣቢሉ ዝርዳእ፤ ጓይላን ሙዚቃን ዝፎቱ እዩ ነይሩ። ሙዚቃ ክሰምዕ ከሎ ዘሊሉ ናብ መድረኽ ብምድያብ እዩ ዝፍለጥ።
ሰሓቕን ጸዋታን ይፍቶ'ምበር ኣብ ጉዳይ መሰል ግን ኣይዋገን ነይሩ። ኣባል ፓን ኣፍሪቃን ኮንግረስ ዝኾነ ድማ ነዚ እዩ ነይሩ።
እዚ ውድብ ፖለቲካ፡ ካብ በዓል ማንዴላ፣ ሲሱሉን ኦሊቫር ታምቦን ተፈንጪሉ ዝወጽአ እዩ ነይሩ።
እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ንመሰል ጸለምቲ ደው ዝበለ እዩ ነይሩ። በዓል ማንዴላ፡ ማዕርነት ገለ ዝብልዎ ዘረባ ኣይወሓጠሎምን።
“ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ጸለምቲ ምድሪ እያ። በቃ! ጸዓዱ ካብ ሃገርና ይውጽኡልና!” ይብል ነይሩ።
ኣቦ ካንዲስ፡ ዝቃለሰሉ ዓላማ በዓል ማንዴላ ካብ ዝኽተልዎ መገዲ ዝፍለ እንተኾነ’ኳ፡ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ይሰርሑ ነይሮም እዩ ዝበሃል።
ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣብ ኢድ እቲ ‘ርጉም’ ፣ ‘በላዒ ሰብ’፣ ‘ጋኔን’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሓደ መራሒ ኣፓርታይድ ዝኾነ፡ ዩ ጂን ዲኮክ፡ ወዲቑ።

ምንጪ ስእሊ, CANDICE MAMA
ዩጂንዲኮክመንእዩ?
ዩ ጂን ዲኮክ ኣብ ደቡብ አፍሪቃ ዛጊድ ስሙ እንትሰምዑ ዝርዕዱ ኣለዉ። ገራፊ ጥራሕ ኣይነበረን። ናይቶም ገረፍቲ’ውን ላዕለዋየይ ሓለቓ እዩ ነይሩ።
ጭካነኡ መወዳእታ የብሉን። ኣብ ስርዓት ኣፓርታይድ ከም’ዚ ሰብ እዚ ዝበለ ክፉእ የለን እዩ ዝበሃል።
ኣብ ናይ ወዲ ተባዕታይ ፍረ ነፍሲ እምኒ ኣንጠልጢሉ፣ ካብዲ እግሪ ገልቢጡ ዝትልትልን ዘሳቕን ጉጅለ፡ ንሱ እዮ ዝመርሖ ነይሩ።
እምበኣር፡ ኣቦ ካንዲስ ማማ፡ ኣብ ኢድ እዚ ጨካን እዩ ወዲቑ። ካንዲስ ካብ ብህጻንነታ ጀሚራ፡ ኣቦኣ ብዝኾነ ሰብ ከምዝተቐትለ ትጠራጠር እያ ነይራ።
ቀታሊ ኣቦኣ ግን፡ ዩ ጂን ዲኮክ እዩ ዝኸውን ኢላ ሓሲባ ኣይትፈልጥን።
ዓሌት ጻዕዳን ጸሊምን ዘለዋ ስለዝኾነት፡ ኣዲኣ ነዚ ጉድ ነጊራታ ኣይትፈልጥን። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክልሳት፤ ‘ከለርድ’ እዮም ዝበሃሉ። ኣዲኣ ከለርድ እያ።
ካንዲስ ቆልዓ ኾይና ግን ሓደ ነገር ትዝክር። ኩሉጊዜ ኣጋይሽ ናብ ገዛኣ እንትመጽኡ፡ እዛ ኣብ ኮሞዲኖ እትቕመጥ መጽሓፍ እያ ትወሃቦም።
ቀሊዖም ርእይ ምስ ኣበልዋ ድማ፡ ይበኽዩ ነይሮም። እዚ ነገር አንትደጋገም ይገርማ እዩ ነይሩ።
ስለምንታይ ኣጋይሽ እዛ መጽሓፍ ቀሊዖም እንተንብቡ ይበኽዩ- ዝብል ሕቶ ይፈጥረላ።
እዚ ንኣእምሮኣ ዕረፍቲ ዝኸልእ ሕቶ እዩ ‘ምበኣር ጓል 9 ዓመት ምስ ኮነት ኣዲኣ ዕዳጋ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ ነዛ መጽሓፍ ንምርኣይ ዝደፋፈኣ።
እቲ መጽሓፍ ኣብ ውሽጡ፡ ናይቶም ገረፍትን ቀተልትን ዝተናዘዝዎ ነገራት ዝሓዘን ብፎቶ ዝተደገፈን እዩ።
እቲ መጽሓፍ፡ ‹‹ኢንቱ ዘ ሃርት ኦፍ ዳርክነስ፤ ኮንፌሽን ኦፍ አፓርታይድ አዛዚንስ›› (Into the Heart of Darkness - Confessions of Apartheid's Assassins) ዝብልእ ርእሲ እዩ ተዋሂብዎ።
ኣብቲ መጽሓፍ ናይ ኣቦኣ ሬሳ ጥራሕ ኣይኮነን ዝረአ። ኣቀታትልኡ’ውን ኣሎ። ኣቦኣ፡ መሪሕ ናይ መኪና ሒዙ እንከሎ ብጥይት ተቐጥቂጡ፣ ሰውነቱ ብሓዊ ተቓጺሉ እዩ ኣብቲ ስእሊ ዝረአ።
እዚ ስእሊ፡ ዕድሚኣ ሙሉእ ከሳቕያ እዩ ጸኒሑ። ሓደ እዋን ንርእሳ ክተጥፍእ’ውን ሓሲባ ትፈልጥ እያ።
ዝኾነ መዓልቲ ትርግታ ልባ ጠጠው ዝበለ መሲሉ ተሰሚዕዋ ይፈልጥ እዩ። ሕማም ልቢ ስለዝመሰላ፡ ንሓኪም ክተማኽሮ ከይዳ ነይራ።
ሓደ ምሸት ድማ፡ ጓል 16 ዓመት እንከላ ውነኣ ስሒታ ነይራ። ኣብ ሆስፒታል፡ ሓኪማ፡ እቲ ነገር ደንጽይዎ ረኸበቶ።
ኣብ’ቲ ናታ ዕድመ ሰባት፡ ሕማም ልቢ ከጋጥሞም ልሙድ ኣይኮነን። “ምናልባሽ ዘጨንቐኪ ነገር ኣሎ ድዩ?” ተባሂላ ድማ ትሕተት።
እቲ ሓኪማ ድማ “ኣነ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ከምዚ ዓይነት ገጢሙኒ ኣይፈልጥን። ንህይወትኪ ባዕልኺ ዓፊንኪ ክተጥፍእያ ኢልኪ ኣለኺ” ኢሉ ይዛረባ። ኣብዚ እዋን ነይሩ፡ ንዓመታት ዘጨነቓ ነገር ልጓም ክትገብረሉ ዝወሰነት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀታሊሓቚፍካምብካይ
ኣብ 1995 ማንዴላ ስልጣን እንትሕዝ፡ ኮሚሽን ዕርቅን መርማሪ ሓቅን ቖይሙ ነይሩ። ምስዚ ኮሚሽን ብምትሕግጋዝ፡ ንቀታሊ ኣቦኣ ዝኾነ ዲኮክ ክተተኣላልሽ ጀሚራ።
ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣንቢባ። ዝተናዘዞ’ውን ኣሊሻ ረኺባ እናነበዐት ኣንቢባቶ። ኣብ ውሽጣ፡ ሓደ ስምዒት ተፈጢሩ።
ምንባር እትኽእል ነዚ ስብኣይ ቀቲላ ወይ ድማ፡ ካብ ልቢ ይቕርታ እንተገይራትሉ እዩ።
“ይቅርታ ዝገብረሉ ንዕኡን ንባዕለይን ኢለ እየ። ሕነ ይፈዲ ለኹ’ውን ከኸውን እኽእል እየ። ንኣቦይ ብዝሓሰብኩ ቁጽሪ፡ ነዚ በላዒ ነፍሲ፡ እየ ዝሓስብ።
ኣብ መንጎኡ እሓምም። ኣብ ቁጽጽሩ እየ ዘለኹ። ንኣቦይ ቀቲሉ ንዓይ’ውን ቀስ ኢሉ ክቐትለኒ እዩ” ትብል።
“ነዚ እዩ ድማ ንዕኡ ይቅርታ ምግባር ኣመራጺ ዘይብሉ ዝኾነኒ” ትብል።
ካንዲስ፡ ነቲ ስብኣይ ይቕረ ብምባላ ዓብዪ ነጻነት ተሰሚዐዋ። ጥዕናኣ ድማ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ። ምስሓቕን ምጽዋትን ጀሚራ።
ኣብ 2014፡ ኣደ ካንዲስ ሓደ ደብዳበ ይበጽሐን። ካብ ዓቃቢ ሕጊ ዝተልኣኸ እዩ ነይሩ።
ስድራ፡ ምስ ቀታሊ ስብኣየን ዝኾነ ምዝርራብ እንተደልዮም፡ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ ይንገረን።
ኣብዚ እዋን፡ ካንዲስ ጓል 23 ዓመት እያ ዘላ። ኣዲኣ ናይቲ ደብዳበ ትሕዝቶ ዝነገረታ ኾይና፡ መልሳ ቅልጡፍ እዩ ነይሩ።
“ከምኡ እንተዘይኸውን ነይሩ፡ ዕድመይ ሙሉእ ክሳቐ ነይረ” ትብል።
ኣብ መወዳእታ . . እቲ በላዒ ነፍሲ ተገይሩ ዝውሰድ ቀታሊ ኣቦኣ እትረኽበሉ ሰዓት በጺሑ ኣሎ። ምስ ኣዲኣ ብሓደ ናብቲ ንሱ ዝነበረሉ ክፍሊ ኣትየን።
በቃ ሰብ እዩ፤ ወዲ 65 ሽማግለ።
ንዝሓለፉ 20 ገለን ዓመታት ብሕልምን ብጋህድን እናመጽአ ዘሳቐያ ሰብ እዩ። ከም ዝኾነ ጥዑይ ሰብ ከፍ ኢሉ ኣሎ።
“እቶም ነቲ ዕርቂ ዝፈጥሩ ዘለዉ ቀሺ ምስ ቀታሊ ኣቦይ ኣፋሊጦምኒ” ትብል። “ስለዘረኸብኩኽን ደስ ኢሉኒ” ኢሉ ቅጭ ኣምጺኡላ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ግን ኣዲኣ፡ 26 መጋቢት 1992 ንስብኣያ ብኸመይ ከምዝቐተሎ ክነግራ ሓቲታቶ ነይራ። ብዙሕ እዩ ዘርዚሩ።
ተዛሪቡ እንትወድእ ግን፡ ካንዲስ “ሓደ ሕቶ ክሓተካ?” ኢላቶ። “ዝደለኽዮ ሕተትኒ ኢሉኒ” ትብል።

ምንጪ ስእሊ, CANDICE MAMA
“ንባዕልኻ ይቅርታ ምገበርካ’ዶ?” ዲኮክ ሰንቢዱ።
“ክሳብ ሎሚ ስድረኦም ዝወዳአኹሎም ሰባት መጺኦም እንትረኽቡኒ ከይሓቱኒ ዝፈርሖ ሕቶ ኢኺ ሓቲትክኒ” ኢሉ ርእሱ ኣድነነ።
ካብኡ ክነብዕ ጀሚሩ።
“ኣብ ናተይ ቦታ እንተትኾኒኸ ንስኺ ንባዕልኺ ይቕረታ ምገበርኪ’ዶ?” ኢሉ ብነስሐ ነቢዑ። ነቶም ቐሺ ይቕረታ ሓቲተ፡ ካብ ኮፍ ዝበልክዎ ተላዒለ ንቐታሊ ኣቦይ ሓቚፈዮ። ተሓቛቚፍና በኺና።”







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







