ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም ነቲ ዝተበየነሉ ናይ 5 ዓመት ማእሰርቲ ይግባይ ኢሉ

ብጌጋ ኣብ ሱዳን ታታሒዙ ናብ ኢጣልያ ዝተሰጋገረ መድሃኔ ተስፋማርያም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብጌጋ ኣብ ሱዳን ታታሒዙ ናብ ኢጣልያ ዝተሰጋገረ መድሃኔ ተስፋማርያም

ኣብ ዓዲ ጣልያን ብግጉይ መንነት ተኸሱሱ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ተኣሲሩ ዝነበረ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዛዕባ ርእሱ ዝሃቦ ምስክርነት ሓቀኛ ምዃኑን፡ እቲ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ተባሂሉ ዝድለ መድሃኔ የሕደጎ መርእድ "ጀነራል" ከም ዘይኮነን ቤት ፍርዲ ጥልያን ነጻ ከም ዝተባሃለ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን መድሃኔ ምስ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ኣሰጋገርቲ ብቴሌፎን ይራኸብ ነይሩ ብምባል ቤት ፍርዲ ንሓሙሽተ ዓመት ማሰርቲ ፈሪድዎ።

ሰለስተ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ብምጽንሑ ግን እቲ ዝተረፈ ክልተ ዓመት ናጻ ተባሂሉ ተፈቲሑ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብይን ገበነኛ ከም ዝኾነ'ዩ ዘቑጽሮ።

ስለዚ ድማ፡ መድሃኔን ጠበቕኡ ሚኬኤለ ካላንትሮፖን፡ እቲ ዝተውሃበ ናይ 5 ዓመት ፍርዲ ፍትሓዊ ኣይነበረን ብምባል ይግባይ ኢሎም ኣለዉ።

ብ24 ግንቦት 2016 ማዕከናት ዓለም፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ኢጣልያ፡ እንግሊዝን ሽወደንን ብሓባር ብዝገበርኦ ስርሒት፡ ነቲ ቀንዲ ኣብ መስመር ሊብያ ኣውሮጳ መትኒ ዝኾነ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝኽሰስ ብ"ጀነራል" ዝፍለጥን መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ዝብሃል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትየንኦ ክብላ ኣቃሊሐን።

ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብዝተገበረ መስርሕ ምጽራይ እዩ ኸኣ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ናጻ ዝተብሃለ። ጠበቓ መድሃኔ ዝኾነ ሚኪኤለ ካላንትራፖ ግን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ብዝተኣሰሮ ነጻ ምባሉ ጌጋ እዩ ብምባል ይግባይ ከምዝበሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ።

"እቲ ዝተዋህቦ ፍርዲ፡ ንኣርባዕተ ሰባት ብዘይጋዊ ኣገባብ ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ ደጊፉ ዝብል'ዩ። እቲ ጸገም ግን፡ ሓደ፡ ኣርባዕተ ኣይኮኑን፡ ክልተ'ዮም። ክልቲኦም ድማ ኣብ ሊብያ ኣብ ሐደጋ ዝነበሩ ቤተሰቡ'ዮም። ኩሉሰብ ከም ዝፈልጦ ኣብ መዳጎኒ ሊብያ ዝርከቡ ኩሉ ሳዕ ኣብ ትሕቲ ንሂወቶም ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት'ዮም ዝርከቡ።

"ስለዚ፡ መድሃኔ ነቶም ኣሰጋገርቲ እንተ ዘይከፍሎም ነይሩ፡ ብሂወት'ውን ኣይምሃለዉን ይኾኑ። ሕጂ ግን ብሂወት ኣለዉ። ሓዲኦም ኣብ ኖርወይ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣለዉ። ኩሉ ስደተኛ ዝገብሮ'ዩ፡ ነቶም ኣሰጋገርቲ ናይ ግድን ክኸፍሎም ኣለዎ። ከምዚ ብምግባሩ ከምዚ ዓይነት ብይን ክወሃቦ ጌጋ'ዩ ኢልና ኢና ንኣምን" ኢሉ።

ሚካኤል ካላንትራፖ፡ እቶም ንመድሃኔ ተስፋማርያም ብጌጋ ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎ ሰብመዚ ጸጥታ፡ በቲ ዝገበርዎ ጌጋ ከምዘይታኣመኑ ብምግላጽ፡ ቤት ፍርዲ ጥራይ'ዩ ጌጋኡ ተኣሚኑ ድሕሪ ምባል፡ ኣኽባር ሕጊ ሕጂ'ውን ገበን ጌሩ ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ።

" ኣብዚ ጉዳይ'ዚ እቲ ቀንዲ ዝተዓወተ እቲ ናይ ሓቂ ኣሰጋገሪ፡ መድሃኔ መርእድ እዩ። ምኽንያቱ ንሰለስተ ዓመት ናጻ ተገዲፉ። ሰብ ዘሰጋግር ዘሎ ገበነኛ'ዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳን ኢጣልያን ንሚስኪን ሰብ ኣብ ፍርዲ እናቕረብና፡ ንገበነኛታት ግን ናጻ ክኸዱ ንሓድጎም ስለዘለና'ዩ" ይብል።

ሚኪኤለ ካላንትራፖ፡ መድሃኔ ተስፋማርያም ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከብ ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ "ዝኾነ ደገፍ ኣይረኸበን፡ ቤተሰቡ'ዮም ዝሕግዝዎ ዘለዉ። ዕቑባ ረኺቡ'ሎ፡ ኩሉ ኣድላዪ ወረቓቕቲ ክወሃቦ'ዩ ዝጽበ ዘሎ። እንተኾነ ግን፡ ኣዝዩ'ዩ ሓሪቑ ዘሎ ምኽንያቱ ብዘይገበሮ ገበን፡ ከምዚ ዓይነት ፍርዲ ክረክብ ኣይተጸበየን። እቲ ይግባይ ክዕወት ደዩ ኣይኮነን ዝብል ሻቕሎት'ውን ሓዲርዎ'ሎ"

እቲ ጠበቓ ከም ዝብሎ እቲ ኣብ ከተማ ፓለርሞ ዝረአ ናይ ይግባይ ጉዳይ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዝመጽእ ዓመት ክረአ ትጽቢት ከም ዝገብር'ውን ገሊጹ።