ኢጣልያ፡ ብግጉይ መንነት ከኽሰስ ዝጸንሐ መድሃኔ ተስፋማርያም ተፈቲሑ

መድሃኔ ተስፋማርያም፡ ኣብ ፓሌርሞ ወሳነ ቤት ፍርዲ ምስ ሰምዐ ምስ ሰብ ሰላምታ እናተለዋወጠ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መድሃኔ ተስፋማርያም፡ ኣብ ፓሌርሞ ወሳነ ቤት ፍርዲ ምስ ሰምዐ ምስ ሰብ ሰላምታ እናተለዋወጠ

እቲ ብግጉይ መንነት፡ ኣብታ ኢጣልያ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ብዛዕባ ርእሱ ዝሃቦ ምስክርነት ሓቀኛ ምዃኑን፡ እቲ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ተባሂሉ ዝድለ መድሃኔ የሕደጎ መርእድ "ጀነራል" ከም ዘይኮነን ቤት ፍርዲ ጥልያን፡ በዪኑ።

እንተኾነ ግና፡ ንሱ'ውን ስደተኛታት የሰጋግር ነይሩ ብዝብል ንሓሙሽተ ዓመት መእሰርቲ ድሕሪ ምፍራዱ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተኣሲሩ ብምጽንሑ ብህጹጽ ክፍታሕ ዳኛ ናይቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ብ24 ግንቦት 2016 ማዕከናት ዓለም፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ኢጣልያ፡ እንግሊዝን ሽወደንን ብሓባር ብዝገበርኦ ስርሒት፡ ነቲ ቀንዲ ኣብ መስመር ሊብያ ኣውሮጳ መትኒ ዝኾነ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝኽሰስ ብ"ጀነራል" ዝፍለጥን መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ዝብሃል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትየንኦ ክብላ ኣቃሊሐን።

ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ ኣብ የእዳው መቑሕ ኣትይዎ፡ ብፖሊስ ተዓጂቡ ኣብ ተለቪዥን ምስ ቀረበ ግን ገለ፡ እዚ ንእሽተይ መንእሰይ ከመይ ገይሩ ነዚ ኩሉ ነገራት ዝገብር ክበሉ እንከለዉ ብዙሓት ከኣ እዚ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ዘይኮነስ፡ ስደተኛ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስክርነቶም ክህቡ ጀሚሮም።

ብምምስሳል ስም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ከኣ ንመንግስቲ ዓዲ ጣልያንን መላፍንታን ሰለስተ ዓመትን ክልተ ወርሒ ወሲዱለን።

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጤኛን ሜሮን እስቲፋኖስ ሎሚ ኣብ ዝውዓለ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ እቲ ኣኽባሪ ሕግን ጠበቓ መድሃኔ ምስ ተዛረቡ፡ ዳኛ ክሳብ ንውስን ደገ ጽንሑ ኢሉ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት ክመጹ ምስ ሓበሮም፡ ኣብ ሂወታ እተን ዝነወሓ ሰዓታት ምንባረን ትገልጽ።

"ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ትጽቢት፡ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ፡ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ከም ዘይኮነን ዳኛ ሓቢሩ ናጻ ኢኻ ኢልዎ" ትብል።

ሓፍቲ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ፡ ሂወት ተስፋማርያም በርሀ እውን ኣብቲ ሎሚ ዝወዓለ መስርሕ ፍርዲ ተረኺባ ነይራ፡ ድሕሪ እዚ ኹሉ ናይ ጭንቒ ዝበለቶ እዋናት ነዚ ምርኣያ ሓጎሳ ወሰን ከም ዘይብሉ እያ ትገልጽ።

መድሃኔ ተስፋማርያም

ምንጪ ስእሊ, Medhanie/facebook

መግለጺ ስእሊ, መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ

"ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን ክልተ ወርሕን ኣብ ስድራና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘጨነቐ ነገር እዩ ነይሩ። ንኹሎም ኣብ ጎንና ደው ዝበሉን ተኻፈልቲ ጭንቐትናን ዝነበሩ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ የመስግን፡ ሕጂ ኣምላኽና ነመስግነሉ እዋን እዩ" ኢላ።

መድሃኔ ተስፈማርያም በርሀ፡ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ እዩ ብምባል ነቲ ኣብ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ናይ ምጥሓል ሓደጋን 168 ሰባት ዝሞትሉን ዝብል ክሲን ምስኡ ዝተኣሰሳር ገበናትን እዩ ቐሪብሉ ነይሩ።

"መድሃኔ ሓወይ፡ ኣነ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ዘይከንኩ ክንሰይ ኣብዚ ማእሰርቲ እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ ኢሉ ኣብ ጭንቂ'ዩ" ነይሩ ትብል ሓፍቱ፡ ሂወት ተስፋማርያም በርሀ።

ብዓልቲ ቤት መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ኣብ ሽወደን ትነብር ኮይና፡ መንግስቲ ሸወደን ንብዓል ቤታ ንምክትታል ብቴሌፎን ይከታተላ ስለዝነበረ፡ ኣጋጣሚ ብፌስቡክ ዝፈልጣ መድሃኔ ተስፈማርያም በርሀ ከኣ ምስ ብዓል ቤታ ተመሳሳሊ ስም ስለዘልዎም፡ ምስኣ እናኣዕለለ ዝተቐድሐ ድምጺ መንግስቲ ሽወደን ንዓዲ እንግሊዝ ስለዘረከቦም መድሃኔ ተስፋማርያም ብኽምዚ ኣብ ሱዳን ከም ዝተታሓዘ ሜሮን እስቲፋኖስ ትሕብር።

"እንተኾነ፡ ካብ መንጎኦም ዝነበረ ዕላል ብዓል ቤታ ንሱ ከም ዘይኮነ፡ ብዓልቲ ሓዳር ምዃና ክትሕብሮ ኣብቲ ቅዳሕ ድምጺ ትስማዕ እያ" ዝበለት ሜሮን፡ መድሃኔ ተስፈማርያም በርሀ ካብ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ንምፍላይ ሰለስተ ዓመትን ክልተ ወርሕን ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ ኣዝኡ ዘይፍትሓዊ እዋናት ከም ዝሓለፈ ትገልጽ።

"ኣብ ኣውሮጳ ከምዚ ከጋጥም ብፍጹም ዘገርም እዩ" ድማ ትብል።

ጸጋም፡ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ እዩ ተባሂሉ ዝእመን፡ የማን፡ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ

ምንጪ ስእሊ, NCA/POLIZIA DI STATO

መግለጺ ስእሊ, ጸጋም፡ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ እዩ ተባሂሉ ዝእመን፡ የማን፡ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ

መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ናይዚ ኣስታት ሰለሰተ ዓመትን ክለተ ወርሕን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝጸንሖ፡ ንጉዳይ ካሕሳ ዝምልከት ቤት ፍርዲ እንታይ ዝወሰኖ ነገር ኣሎ ክንብል ንተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛን ሜሮን እስቲፋኖስ ተወኪስናያ።

ንሳ፡ ኣብ ልዕሊ መድሃኔ ተስፋማርያም፡ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ኢኻ ዝብል ክስን ዋላ መድሃኔ ይሕደጎ ኣይኹን ንሱ'ውን ባዕሉ ኣሰጋጋሪ እዩ ዝበል ክሲ ቀሪብሉ ምንባሩ እያ ትዛረብ።

"ወዲ ሓትንኡ ኣብ ልብያ ስለዝነበረ፡ ምስቶም ኣብ ልብያ ዝነበሩ ትደዋወል ኢኻ፡ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ንወዲሓትነይ ናብ ኣውሮጳ ከኡቱ ሰልዲ ሰዲደ ብቴሌፎን ከኣ ይረኽቦም ነይረ ስለ ዝበለ በዚ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ንሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዱ" ድሕሪ ምባል።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሰለስተ ዓመትን ክልተ ወርሕን ስለዝጸነሐ በቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኣሰሮ ነጻ ከም ዝተባሃለ ትሕብር።

ሜሮን፡ "እቲ ቀንዲ ስግኣትና ናብቲ ዝነበሮ ሱዳን ወይ ኤርትራ ከይጥረዝ'ዩ ነይሩ፡ ጠበቕኡ ዕቑባ ስለዝሓተተሉ ግን ወጺኡ ብናጻ ክንቀሳቐስ ዝሓቶ ሰብ የብሉን" ኢላ።

ሓፍቱ፡ ሂወት ተስፋማርያም በርሀ ብወገና "ኣብዚ ዓዲ ጣልያን ፍትሕን ሕግን ኣሎ ኢለ እየ ዝኣምን ነይረ፡ ከምዝሓስቦ ግን ኣይኮነን፡ ግን ድሓን ሕጂ ንኣምላኽና ነመስግነሉ ግዜ እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።